እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ብጉዳይ ፖለቲካዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ብምሉኦም ተፈቲሖም
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ተወጢኑ ምስ ዝነበረ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ፖለቲካውያን ውድባትን ብምሉኦም ከም ዝተፈትሑ ወኪል ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሰልፊ ንሓሙስ 7 ነሓሰ [2 ጳጕሜን]፡ “ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ” ኣብ ትሕቲ ዝበል ቴማ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ኣብ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ክካየድ ተጸዊዑ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ሰልፈኛታት ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ናብቲ ከባቢ ኣብ ዘምርሑሉ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ ነይሩ።
ብመሰረት ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ፡ 49 መራሕቲ፡ ኣባላትን ደገፍትን እተን "ፖለቲካዊ ሰልፊታት" እዮም ተኣሲሮም ነይሮም።
እንተዀነ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ እቲ ቍጽሪ ልዕሊ 49 ምዃኑ ይገልጹ።
ሽዑ ዝወጸ ኣሳእል፡ ገለ ግዳያት ክሳብ ዝደምዩ ከምዝተሃርሙ የርኢ፤ ካብኡ ዝኸፍአ መስበርቲ ኣዕጽምቲ ዘጋጠሞም ከምዘለዉ’ውን ይንገር።
እቶም ክልተ ደቀንስትዮ ዝርከባ’ኦም እሱራት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክፍላተ ከተማ ቀዳማይ ወያነን ሰሜንን ከምኡ’ውን ብልምዲ "ባዶ ሽዱሽተ" ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከም ዝጸንሑ ተፈሊጡ’ሎ።
እተን ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢታት ንኽግበር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካይዱ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ቀሪቦም የጋውሑ ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግን ቅንያት በዓላት ከምዝዀነ ብምግላጽ እቲ ሰልፊ ንኸይካየድ ወሲኑ እዩ።
ነዚ ውሳነ ምምሕዳር ከተማ ዘይተቐበላ ውድባት፡ እቲ ሰልፊ ብመሰረት’ቲ ኣቐዲሙ ዝወጽኣሉ መደብ ንምክያድ ጐስጓስ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ ድሮኡ - ረቡዕ 6 ነሓሰ - ገለ መራሕትን ኣባላትን ውድባት ሳወት፡ ባይቶናን ውናትን ተኣሲሮም ምንባሮም ይፍለጥ።
ንህልዉ ኵነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሰላማዊ ሰልፊ መሰል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እንተዀነ ጭቡጥ ስግኣት ጸጥታ ከምዘሎ ኣሚቱ ነይሩ።
ኣብቲ ዕለት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፡ ኣባላት ፖሊስ ብንግሆኡ ኣብ ኣደባባይ ሮማናትን ከባቢኡን ብምውፋር፡ ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሰ ሰብ ብኣልማማ ይገፉን ይሓቱን ከም ዝነበሩ የረጋግጽ።
ብዘይካ’ዚ፡ ደው ኢሉ ክዕዘብ ንዝፍትን ሰብ እውን ነናብ ዋኒኑ ክኸይድ ይገብሩ ከምዝነበሩ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ እዩ።
እቶም ምስዚ ኵነታት ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰባት፡ ብዘይካ ሸውዓተ ሰባት ኵሎም ብሓደ ግዜ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ግን ትማሊ ሰኑይ እዮም ተፈቲሖም።
እቶም እሱራት፡ ብናጻ ክልቀቝ እንከለዉ፡ እቶም ሽዱሽተ ኣባላት መሪሕነት ፖለቲካዊ ስልፊታት ግን ነፍስወከፎም 10 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣትሒዞም ኣለዉ።
ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት፡ ሓላፊ ጸጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ናብ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ “ሱር ነቀል ለውጢ ምምጻእ ብዝብል መንግስቲ ንምግልባጥን ዕግርግር ንምፍጣርን ዝግበር፡ ንጸላኢ ዘቃልዕ ተግባር” እዩ ብምባል ነቲ ሰልፊ ይገልጾ።
“እዚ ዝበሃል ዘሎ ሰልፊ ብመሰረቱ ሕጋዊ ዝዀነ ሕቶ መሰል ንምንጽብራቕ ዘይኮነስ ናዕብን ዕግርግርን ዘኸትል ናይ ቀለም ኣብዮት ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ” ኢሉ።