ኣብ ኤለን ሾው ዝፍለጥ ዲጄ ስቴቨን ‘ትዊች’ ነብሱ ቐቲሉ

ስቲቨን ‘ትዊች’ ቦስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኤለን ሾው ዲጄ ኰይኑ ብምስራሕ ዝፍለጥ ስቲቨን ‘ትዊች’ ቦስ፡ ኣብ 40 ዓመቱ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ።

ሞት እቲ ፍሉጥ ንመጽሄት ፒፕል ዘረጋገጸት በዓልቲ ቤቱ ኣሊሰን ሆከር፡ “ዓንዲ ቤትና፡ ብሉጽ ኣሚንን ኣቦን ከምኡ ድማ ንደገፍቱ ሓቦ ዘስንቕ ነይሩ” ክትብል ተዛሪባ።

ቦስ፡ ኣካል ናይቲ ካብ 2014 ክሳብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ኤለን ዲጀንረስ ናይ ቴሌቪዥን ምርኢት እዩ ነይሩ።

ኤለን፡ ብሞት እቲ ሳዕስዓይን ተዋስኣይን ኣዝያ ከምዝሓዘነት ብትዊተር ገሊጻ።

ኣባላት ፖሊስ ካብ ሓደ ሆቴል ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ህጹጽ ጻውዒት ከምዝተገበረሎምን ግብረ መልሲ ከምዝሃቡን ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እንተዀነ እቲ ዲጄ ብኻልእ ሰብ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ እንተዀይኑ ዘመላኽት ዝዀነ ምልክት ከምዘየለ ገሊጾም።

ኣብ ከም 'ብሌድስ ኦፍ ግሎሪ’ ከምኡ ድማ ‘ሀይርስፕረይ’ ዝበላ ፊልምታት ከም ሳዕስዓይ ኰይኑ ዝተሳተፈ ቦስ፡ ኣብቲ ካብ 2008 ዝተሰርሐ ‘ዩ ቲንክ ዩ ካን ዳንስ’ ዝብል ፊልም ብምውስኡ ህቡብነት ረኺቡ።

ካብ ሳዕስዒታቱ ሓንቲ፡ ንሽልማት ብሉጽ ሳዕስዒት ኤሚ ተሓርያ ነይራ፤ ጸኒሑ ድማ ዳይና ናይቲ ምርኢት ኰይኑ።

ኣብ ኣላባማ ዝተወለደ ትዊች፡ ኣብ ከም ‘ስተፕ ኣፕ’ ዝበሉ ተኸታተልቲ ፊልምታት ዝተዋሰአ ኰይኑ፡ ኣብ 2020 ድማ ዋና ኣወሃሃዲ መደባት ኤለን ሾው ኰይኑ።

ቅድሚ እቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ምርኢት ኣብ ግንቦት ምውድኡ፡ ኤለን ንትዊች ፍሉይ ምስጋና ኣቕሪባትሉ ነይራ።

“ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ንህይወተይን ንምርኢትናን ዝቐየረ ሰብ ተፋሊጠ፤ ብዛዕባኻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ ትዊች” ክትብል ብሃንደበት ነጊራቶ።

“ኣመና እየ ዝፈትወካ. . . “ ብደርፊ ይዅን ሳዕስዒት “ኵሉሻብ ክሕጐስን ክስሕቕን ትገብረኒ” ኢላቶ።

ንሱ ብግደኡ “ንዓኽን ነቲ ኣፍሪናዮ ዘለና ቤተሰብን ይፈትወኩም፤ እቲ ኵሉሻብ ዝዝክሮ ድማ፡ ኣነ ባዕለይ ክዀነሉ ዝኽእል ቦታ ከምዝሃብከኒ እዩ” ክብል ብስምዒት ተዛሪቡ ነይሩ።

ሳዕሳዒትን መሳርሕቱን ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ፡ “ስቴቨን ንዝኣተዎ ገዛ ኵሉ ብርሃን እዩ ዝዀኖ” ክትብል ሓዘና ገሊጻ። እቶም ሓቢሮም ኣብ ዝሰርሑሉ ፊልም ዝተራኸቡ መጻምዲ ሰለስተ ቈልዑ ወሊዶም እዮም።

ስነ ጥበባውያን ስፖርተኛታትን ዝርከብዎም ፍሉጣት ሰባት፡ ብሞት እቲ ተዋሳእን ዲጄን ዝተሰመዖም ሓዘን ኣብ ምግላጽን ተዘክሮታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ምጽሓፍን ይርከቡ።