ዋንጫ ዓለም 2022፡ ግምት ክሪስ ስቶን ንጸወታታት ፍርቂ ፍጻመ

እዚ ክዛዘም መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ ካብተን 32 ሃገራት ነተን 28 ሃገራት ነናብ ሃገረን ኣፍንዩ ኣርባዕተ ሃገራት ሒዙ ተሪፉ’ሎ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተኻየደ ጸወታታት ከኣ ከም ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ሞሮኮን ኣርጀንቲናን ገይሩ ዝጨደረ የለን፡ እንተኾነ እዘን ሃገራት ንክርኤሽያን ፈረንሳን ስዒረን ናብ ፍጻመ ይሰግራዶ ይኾና ዝብል ሕቶ ኣብ ፊትና ደው ኢሉ’ሎ።

ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ስቶን፡ “ኣነ ኣርጀንቲናን ሞሮኮን ኣብ ፍጻመ ክራኸባ ደስ ምበለኒ ምኽንያቱ ክልቲአን ኣዝዮም ዘገርሙ ደገፍቲ’ዮም ዘለውወን” ይብል።

ብምስዓብ “ኣርጀንቲና ምስ ሆላንድ ኣብ ዝነበረ ጸወታ፡ ንኣርጀንቲና እቶም ኣብ ስታድዮም ዝነበሩ ደገፍታ’ዮም ድርዒ ኮይኖማ፡ እቲ ጸወታ ከኣ ልክዕ ኣብ ኣርጀንቲና ዝካየድ ዘሎ እዮም ኣምሲሎሞ”

“ናብ ሞሮኮ እንተመጸእና’ውን ነቲ ካብ ኣውሮጳን ካብ ደቡብ ኣሜሪካን ወጻኢ ዘለዋ ጋንታታት ክንህቦ ዝጸናሕና ግምት ብምስባር ሞሮኮ ንብዙሓት መልሓስና ኣሐይኻትና’ያ፡ ንኣፍሪቃውያን ከኣ በጺሐሞ ኣብ ዘይፈልጡ ደረጃ ኣብጺሓቶም፡ ንፈረንሳ ሓሊፎም ናብ ፍጻመ ክበጽሑ ዘሎ ዕድል ጸቢብ’ኳ እንተኾነ ኣነ እሶም’ዮም ምርጫይ” ይብል ክሪስ ስቶን።

ክሪስ ስቶም ንዋንጫ ዓለም ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ካብ ዝሃቦ ግምታት ሞሮኮን ፍረንሳን ንመጋጥምት ስዒረን ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ከምዝሓልፋ ገሊጹ ነይሩ።

ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክሓልፋ’የን ካብ ዝበለን 16 ጋንታታት ነተን 12 ጋንታታት ክፈልጠን ክኢሉ’ዩ።

ሰሉስ 13 ታሕሳስ

ኣርጀንቲና ኣንጻር ክርኤሽያ [ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ]

ሓደ ነገር ከይተሰክፍኩ ዝብሎ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ብዛዕባ ክርኤሽያ ብዙሕ ግዜ ጽሒፈ’የ ግምታተይ ከኣ ጌጋ’ዩ ነይሩ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣዝያ ውህድቲ ኮይና ወዲ 37 ዓመት ሉካ ሞድሪች ከኣ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዝቕለሳ ዘሎ።

ዋላ’ኳ ፈንጢስካ ኣቲኻ ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ እንተዘይብሎም ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ግን ዝምሕሩ ከምዘይኮኑ ኣብ ብራዚል ዘርኣይዎ ብቕዓትን ዘመዝገብዎ ሸቶታትን ምስክር’የ።

ናብ ፍጹም ቅላዕ እንተበጺሖም ከአ እቲ ከም ሽላ ዝውርወር ሓላው ልዳት ዶሚኒክ ሊቫኮቪክ ዘሰክፎም ኣይኮነን።

እዚ ስለዝኾነ ጽባሕ ሰሉስ ንኣርጀንቲና ቀሊል ጸወታ ኣይክኸውንን’ዩ፡ እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣርጀንቲና ንክርኤሽያ ትሑት ግምት ሂቦማ ከምዘይኣትዉ ባዕላ ኣርእያቶም’ያ።

ኣርጀንቲና ብዘይ ተኸላኸልታ ጎንዛሎ ሞንቴልን ማርኮስ ኣኩናን እያ ምስ ክርኤሽያ ክትጻወት፡ ክልቲኦም ከክልተ ብጫ ካርድ ስለዝወሰዱ’ዮም ካብዚ ጸወታ ክቦኽሩ።

ኣርጀንቲና ምስ ሆላንድ ኣብ ዝነበሮም ጸወታ ብክልተ ጎል ክመርሑ ምስ ጀመሩ፡ ምሕላፎም ዘረጋገጹ’ዩ መሲልዎም ነይሩ፡ እንተኾነ ሆላንድ ካብ ድሕሪት ተበጊሶም ነቲ ጸወታ ማዕረ ስለዝገበርዎ ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ’ዮም ሓሊፎም፡ ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ ሆላንድ ዝፈጸምዎ ጌጋ ኣብ ክርኤሽያ ዝደግምዎ ኣይመስለንን።

ስለዚ ልበይ ሜሲ ንሃገሩ ሒዙ ናብ ፍጻመ ክሓልፍ’ዩ ይብለኒ ኣሎ ይብል ክሪስ ስቶን።

ከምቲ ማራዶና ኣብ 1986 ንኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ኣግዚሙ ስሙ ዘወረቐ ሜሲ’ውን ነዚኣ ክብጽሓ ክልተ ጸወታታት’የን ተሪፈንኦ ዘለዋ።

ግምት ስቶን፡ ኣርጀንቲና 1 ክርኤሽያ 0

ረቡዕ 14 ታሕሳስ

ፈረንሳ ኣንጻር ሞሮኮ [ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ]

ሞሮኮ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር በጺሓቶ ዘይትፈልጥ ፍርቂ ፍጻመ ብምብጻሕ ታሪኽ ክትሰርሕ ክኢላ’ያ፡ ነዚ ብቀሊል ኣይበጽሓቶን ንፖርቱጋል፡ ስጳኛ፡ ቤልጂምን ካናዳን ብምስዓርን ምስ ክርኤሽያ ማዕረ ብምውጻእን’ያ በጺሓቶ: ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ጸወታታት ከኣ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ’ዩ ተመዝጊብዋ ዘሎ። ንሳ’ውን ምስ ካናዳ እናተጻወቱ እንከለዉ ባዕሎም ናብ ገዛእ ልዳቶም ዘመዝገብዋ’ያ።

እንተኾነ ሕጂ እታ ጋንታ ተጻወትታ ብማህረምትን ብድኻምን ረሸሽ ዝበሉ ይመስሉ ኣለዉ።

ሞሮኮ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ውህደትን ኣብ መልሰ መጥቃዕትን ዘለዎም ብቕዓት’ዩ ክሳብ ሕጂ ብዓወት ንኽወጽኡ ኣኽኢልዎም።

ሕጂ እቲ ሕቶ፡ ነቲ ዘይምሕር ኣመዝቢ ሸቶ ፈረንሳ ኦሊቨር ጅሩድ ይጸርዎ ድዮም ዝብል’ዩ።

ፈረንሳ፡ ክሳብ ሕጂ ኣፍዝዝ ዘብል ናይ ጋንታ ጸወታ ኣየርኣዩን፡ እንተኾነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዓይንኻ ብዝመልኡ ተጻወትቲ ተተኽቲኻ’ያ ዘላ።

ፈረንሳ ብውህደት ናይ ምልእቲ ጋንታ ዘይኮነ ብውልቃዊ ብቕዓት ናይ ውልቀ ተጻወትቲ ተሓጊዛ’ያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትበጽሕ ክኢላ፡ ከም ብዓል ጅሩድ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ከኣ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ዝምሕሩ ኣይኮኑን፡ እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ዘመዝገብዎ ብቕዓት ምስክር’ዩ።

ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ሸቶ ከመዝግቡ’ዮም እንተኾነ ንፈረንሳ ክስዕርዋ ክኸብዶም’ዩ።

ግምተይ ጌጋ ክኸውን ክንደይ ባህ ምበለኒ ምኽንያቱ ሞሮኮ ካብዚ ንላዕሊ ክኸዱ’የ ዝደልዮም እንተኾነ ኣይመስለንን።

ግምት ክሪስ ስቶን፡ ፈረንሳ 2 ሞሮኮ 1