እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሮናልዶ ምስ ናይ ነዊሕ እዋን መጻምድቱ ጆርጂና ሮድሪገዝ ተሓጽዩ
ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ናይ ነዊሕ እዋን መጻምድቱ ጆርጂና ሮድሪገዝ ከም ዝተሓጽየ፡ ጆርጂና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀለቤት ዝኣሰረ ኣጻብዕታ ኣብ ልዕሊ ኢዱ ኣንቢራ ብዘሰነየቶ ስእሊ ኣፍሊጣ።
"እወ ክውዕሎ እየ፣ ንሎምን ምሉእ ህይወተይን፡" ክትብል ድማ ብቛንቋ ስጳኛ ጽሒፋ።
ካብዚ ወጻኢ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝተዋህበ የሎን። ኣብ ኢንስታግራም ዝበዝሐ ተኸታተልቲ ዘለዎ ሮናልዶ ብዛዕባ ምሕጻዮም ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን ዘሎ።
እዞም መጻምድቲ፡ ሮናልዶ ምስ ርያል ማድሪድ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን ጆርጂና ኣብ ትሰርሓሉ ድኳን ጉቺ ድሕሪ ምርኻቦም ንትሽዓተ ዓመታት ብሓባር ጸኒሖም።
እዚ ተጻዋታይ ፖርቱጋልን ኣልናስርን ብድምር ሓሙሽተ ቈልዑ ዘለውዎ ኰይኑ፡ እቶም ክልተ ካብ ጆርጂና ዝወለዶም እዮም።
ጆርጂና ንሰለስተ ደቂ ሮናልዶ ኣብ ስድራኦም ማሚቘም ኣብ ምዕባይ ደገፍ ገይራ እያ።
ኣብ ሪያሊቲ ሸው ኔትፍሊክስ ንግላዊ ህይወታ ኣመልኪታ ዝተዋስአት ጓል 31 ዓመት ጆርጂና፡ ንዅነታት ሕጸኣ ኣመልኪታ፡ መሓዙታ ብዛዕባ መርዓኦም ከም ዝጨርቁላ ተዛሪባ ነይራ።
"እታ 'ዘ ሪንግ ኦር ዌን' እትብል ደርፊ ጀኒፈር ሎፐዝ ካብ እትወጽእ ንደሓር፡ ክደርፉለይ ጀሚሮም። ንዓይ ዝምልከት ግን ኣይኰነን፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ነቲ ብስራት ሕጸ ግብረመልሲ ሂቦም። ሓንቲ ካብኦም ኪም ካርዳሽያን ነቲ ልጣፎ ከም ዝፈተወቶ ምልክት ገይራ። ኣብ 2022 ንሮናልዶ ቃለመሕትት ዘካየደሉ ፒየርስ ሞርጋን፡ ከምቲ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ሓዳሩ'ውን ተመንይሉ።
ፍልጥቲ ሜክኣፕ ኣርቲስት ሻርሎት ቲልበርይ "ግሩም ዜና" ምዃኑ ርእይቶ ሂባ። ኣብ ሰነ ምስ መስራቲ ኣማዞን ጀፍ ቤዞስ ዝተመርዓወት ሎረን ሳንቸዝ-ቤዞስ፡ በዞም መጻምድቲ "ኣዝያ ሕጕስቲ" ምዃና ሓቢራ።
እዛ ስድራቤት፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ እታ ሮናልዶ ዝጻወተላ ክለብ ኣልናስር ኣብ ዝተደኰነትላ ርእሰ-ኸተማ ስዑዲ ዓረብ ርያድ ትነብር ኣላ።
ኣብ ታሕሳስ 2022 ዓመታዊ 238 ሚልዮን ዶላር ደሞዝ ናብ እትኸፍሎ ክለብ ከም ዝተጸንበረ ይፍለጥ።
ኣብ ሰነ 2025፡ እዚ ወዲ 40 ዓመት ተጻዋታይ፡ ጥሮታ ክወጽእ ይሸባሸብ ኣሎ ዝብል ግምታት እናተዋህበ፡ ውዕሉ ክሳዕ 2027 ከም ዝተናውሐ ተገሊጹ ነይሩ።
ሮናልዶ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ሓድሽ ምዕራፍ ይጅምር፤ ተመሳሳሊ ንያት፡ ሓደ ሕልሚ። ሃየ ብሓባር ታሪኽ ንስራሕ፡" ክብል ጽሒፉ።