እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓኪስታን፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ መጥቃዕቲ ቦምባ ድሒኑ
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፓኪስታን ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ ዝነበሩ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ንስክላ ድሒኖም።
በቲ መጥቃዕቲ ግን ሓደ ኣባል ፖሊስ ከም ዝሞተ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ጀማል በከር ዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ናብ ሓደ ስፍራ ቱሪዝም እታ ሃገር ክበጽሑ ብዝቐረበሎም ዕድመ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ወሰን ጽርግያ ተጻዊዱ ዝነበረ ቦምባ ብምንታጕ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሓላፊ ፖሊስ ግዝኣት ስዋት ጠቒሱ ሓቢሩ።
“ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ዝመርሕ ዝነበረ ጕጅለ ጸጥታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ተሃሪሙ” ክብል እቲ በዓል ስልጣን ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ።
ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ኻይበር ፓክቱንክዋ ፓኪስታን ዝተፈጸመ “ሽበራዊ” ዝበሎ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ፓኪስታን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝርከቦም ካልኦት ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ሃገራት ከምዝነበሩ ኣረጋጊጹ።
እቶም ካልኦት ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሩዋንዳ፡ዚምባብወ፡ ኢንዶነዥያ፡ ፖርቱጋል፡ ካዛኪስታን፡ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን፡ ቱርክመኒስታን፡ ቬትናም፡ ኢራን፡ ሩስያን ታጂኪስታንን እዮም ነይሮም። ኵሎም ድማ ብሰላም ናብ ኢስላምባድ ከምዝተመልሱ ተፈሊጡ።
በቲ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ክመውት እንከሎ ኣርባዕተ ከምዝቘሰሉ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።
ፕረዚደንት ፓኪስታን ኣሲፍ ዓሊ ዛርዳሪን ቀዳማይ ሚኒስተር ሸባዝ ሸሪፍን ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒኖም ኣለዉ፤ እንተዀኑ፡ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት ካብ ቤት ምኽሪ ንግዲ እቲ ዞባ ብዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት፡ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ ማላም ጃባ ክበጽሑ ብሰንበት ንግሆ ሓቢሮም ይኸዱ ከምዝነበሩ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 10 ዲፕሎማሰኛታት ከምዝነበሩ፤ እንተዀነ ከምዘይተጐድኡ ዝሓበረ ፖሊስ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ናብ ርእሰ ከተማ ኢስላማባድ ብሰላም ከም ዝተመልሱ ኣረጋጊጹ።
“ኵሎም ኣምባሳደራት ኣብ ዝተረጋግአ ኵነታት እዮም ዘለዉ፤ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብኡንብኡ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝእለዩ ተገይሩ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኢስላምባድ ኣምሪሖም” ክብል ምክትል ሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገር መሓመድ ዓሊ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ዞባ ስዋት ቫሊ ንሓያሎ ዓመታት ቀንዲ መዋፈሪ እስላማውያን ዕጡቓት ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓይልታት ጸረ-ሽበራ ፓኪስታን ኣብቲ ከባቢ ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።
እቶም ዕጡቓት ምስ መንግስቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምፍራሶም ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መጥቃዕቲታት ከዛይዱ ጸኒሖም እዮም።
ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝዀነት ማላላ ዩሱፍዛይ ኣብ 2012 [ኣ. ኣ] መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ ኣብቲ ከባቢ ምዃኑ ይዝከር።
ድሕሪ እቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራትን ፖሊስን ነቲ ቦታ ከቢቦም፡ ኣብቲ ከባቢ ድማ ሰዓታት እቶ-እቶ ከምዝተኣወጀን ተፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ኤምባሲ ዝኸፈተት ኣብ ግንቦት 2015 ዓ.ም [ኣ.ግ] ኰይኑ፡ ኣቶ ጀማል በከር ኣምባሳደር ኰይኑ ተመዚዙ።