እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
1.7 ሚልዮን ስደተኛታት ጠቕሊሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኣዘዘት ሃገር
ፓኪስታን ኵሎም ፍቓድ ዘይረኸቡ ሓተቲ ዑቕባ ኣፍጋኒስታን - ብገምጋም 1.7 ሚልዮን ዝዀኑ - ክሳብ ሕዳር ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ክወጹ ኣዚዛ።
ኢስላማባድ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝመደበሮም የካይድዎ እትብሎ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውሳኹ ኣብዚ ዓመት’ዚ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ተጋዲዱ።
ኣብታ ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ "ዘይሕጋውያን" ስደተኛታት ክወጽኡ ኣለዎም ዝበለት ኢስላማባድ'ውን ቂምታ ኣስዒቡ'ሎ።
መንግስቲ ጣሊባን፡ ፓኪስታን ነቲ "ዘይቅቡል" ስጕምታ ዳግማይ ክትሓስበሉ ኣተሓሳሲቡ።
መራሕቲ ኣፍጋኒስታን፡ ንፓኪስታን ዒላማ ንዝገብሩ ዕጡቓት ዕቝባ ከም ዘይህቡ ብተደጋጋሚ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥቓ ዶብ ኣፍጋኒስታን ኣብ እትርከብ ከተማ ማስቱንግ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ ጽምብል ብዝተፈጸመ ነትጒ ብውሕዱ 50 ሰባት ሞይቶም።
እንተዀነ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፓኪስታን ሳርፍራዝ ቡግቲ እቲ ኣብ ልዕሊ "ዘይሕጋውያን" ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ነዚን ካልእ ኣብ ግዝኣት ባሎቺስታ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ብቐጥታ ኣይጠቐሰን።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ዕቝባ ናይ ምሕታት መሰል ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰፈረ መሰል እዩ።
ፓኪስታን ኣብ እዋን እቲ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ተቐቢላ እያ፣ ብፍላይ ጣሊባን ኣብ 2021 ኣብ ኣፍጋኒስታን ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር።
ኣስታት 1.3 ሚልዮን ኣፍጋናውያን ከም ስደተኛታት ክምዝገቡ እንከለዉ ካልኦት 880 ሽሕ ድማ ኣብታ ሃገር ከጽንሖም ዝኽእል ሕጋዊ ፍቓድ ከም ዝረኸቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ካልኦት 1.7 ሚልዮን ሰባት ግን "ብዘይሕጋዊ መንገዲ" ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ሚኒስትር ቡግቲ ብሰሉስ ገሊጹ።
እቶም ሰባት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ፡ ብፍቓዶም ይዅን ብኣስገዳድ ብምስጓግ፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዘለዎም’ውን ገሊጹ።
"እንተዘይከይዶም. . . ሽዑ ኵሎም ኣብተን ዞባታት ወይ ፈደራል መንግስቲ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ክጥርዙዎም’ዮም” ከም ዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
ከምዚ ዓይነት ስርሒት ብኸመይ ከም ዝካየድ ግን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ናይ ብሕቲ ትካላት ንግዲን ንብረትን ዘለዎም "ዘይሕጋውያን" ኣፍጋናውያን ዘጻሪ ሓይሊ ዕማም ከም ዝቘመ ኣፍሊጡ።
ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ግን "ኣብ ጸጥታዊ ጸገማት ፓኪስታን ኣይሳተፉን" ክብል ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ጣሊባን ዛቢሁላ ሙጃሂድ ገሊጹ።
ሙጃሂድ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) "ብፍቓዶም ካብ ፓኪስታን ክሳብ ዝወጽኡ፡ እታ ሃገር ክትጻወሮም ኣለዋ" ኢሉ።
ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ሰበስልጣን ኣፍጋኒስታን፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ድሮ እቶም ሕጋውያንን ዘይሕጋውያንን ስደተኛታት ምእሳር ጀሚሮም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ኤምባሲ ኣፍጋን ብኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ልዕሊ 1000 ኣፍጋናውያን ከም ዝተኣስሩ ሓቢሩ።
ኣብ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን እትርከብ ግዝኣት ባሎቺስታን፡ ብተህሪክ-ኢ ጣሊባን ፓኪስታን (TTP) ወይ ፓኪስታናዊ ጣሊባንን ዕጡቕ ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲን ዝርከብዎም ዕጡቓት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ከባቢ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዝኣት ብዘጋጠመ ነትጒ፡ ሓደ ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት ዝርከቦም ብውሕዱ 11 ሰባት ቆሲሎም።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መንግስታዊ ማዕከን ኤፒፒ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኢስላማባድ ኣብ መወዳእታ ኵሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣፍጋናውያን ክወጽኡ ከም ዝደለየት፡ ዋላ እቶም ሕጋዊ ደረጃ ዘለዎምን መንበሪ ፍቓድ ፓኪስታን ዘለዎምን ከይተረፉ ንምንጭታት መንግስቲ ጠቒሱ ሓቢሩ።
ሚኒስትር ቡግቲ፡ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዶብ ፓኪስታን 24 ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ። ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኦም ካብ ኣፍጋኒስታን ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ዝተፈጸመ’ዩ ክብል ይኸስስ።
ካብ 1 ሕዳር 2023 ጀሚሩ ቪዛን ፓስፖርትን ዘለዎም በጻሕቲ ጥራይ (ኣፍጋናውያን) ክኣትዉ ከም ዘፍቀዱ ገሊጹ።
ኣቐዲሙ፡ ብዶባት ናብ ፓኪስታን ዝሰግሩ ኣፍጋናውያን ሃገራዊ መለለዪ መንነቶም ከም ሰነድ መገሻ ክጥቀሙሉ ልሙድ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣፍጋናውያን ናብ ፓኪስታን ንምእታው ሰነዳት ንምርካብ ርኡይ ድሕረት ብምህላው፡ ቪዛን ፓስፖርትን ምርካብ ኣዋርሕ ናብ ዝወስድ መስርሕ ተቐይሩ ኣሎ።