ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ጸቕጥን ነውጺን ባህላዊ ለውጢ ንምቕባል ሕደጾታውነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዛዕባ ሕደጾታውነት ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጸቕጢ ብዝተሓወሶ መልክዕ ኣዛራብን ኣሰካፍን እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ታንዛንያ ምእጋድ መጽሓፍቲ ትምህርቲ፣ ኣብ ዩጋንዳ ተረርቲ ሕግታት ጸረ-ሕደጾታውነት፣ ከምኡ’ ውን ኣብ ኬንያ ዝተዋህበ ኣካታዒ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኣብቲ ዞባ ሰፊሕ ማዕበል ስምዒታት ኣንጻር ሕደጾታውነት ከምዘሎ ዘርኢ ኰይኑ’ሎ።
እዚ ጉዳይ ኣብ ዝለዓለሉ፡ ኵሉ ግዜ ቃናታት ጽልኢን ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ምስ ዝወርድ መዓት፡ ወይ’ውን ‘ምጽኦታት’ ኣሳኒኻ ክግለጽ ምስማዕ ዳርጋ ልሙድ ነገር እዩ።
እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብቶም ብሓፈሻ ከም ሊበራላውያን ወይ ክፉት ኣእምሮ ክውሰዱ ዝጸንሑ - ሃገራት ወይ ሕብረተሰባት - ከይተረፈ፡ ብፍሉይ ኣጀንዳ ተታሒዙ ዘሎ፡ ንኣፍሪቃውያን ብሓይሊ ከም ዝቕበልዎ ናይ ምግባር ፍሉይ ተልእኾ ምዕራባውያን እዩ ዝሕሰብ ዘሎ።
መብዛሕትኦም ነዚ እምነት እዚ ዝሓዙ ሰባት ግን ብሓቅታት ወይ ጭቡጥ ኣብነታት ከረጋግጽዎ ዳርጋ ኣይክእሉን።
ኣብ ዳር ኤ ሰላም ዝመደበሩ ጋዜጠኛን ኣሰናዳኢ ማዕከን ዜና ኦንላይን ‘ዘ ቻንዞ’ ዝዀነ ከሊፋ ስዒድ፡ "ታንዛንያውያን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበረሰብ ‘ኤልጂቢቲኪዩ+’ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዝዩ ኣሉታዊ እዩ፣ መዓልታዊ ድማ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ" ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዑደት ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ እውን ብፍሉይ ጥርጣረ ዝረኣይዎ'ውን ብዙሓት እዮም።
ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉህ ሓሰን፡ ብዛዕባ ሕደጾታውነት ዘለዋ መርገጺ እንተተሓቲታ’ውን ከመይ ክትምልስ ከምዘለዋ ዝምርምር፡ ንተጠቀምቲ ዝሓትት ዘይወግዓዊ መጽናዕቲ ከይተረፈ ኣብ ትዊተር ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣጋጣሚ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይተን መራሕቲ፡ [ሳምያን ካማላን] ጋዜጠኛታት ሕቶታት ከየቕርቡ ዝተገብረሉ ምኽንያት’ውን፡ ንፕረዚደንት ሳሚያ ካብቲ "ኣብ ዛዕባ ሕደጾታውነት ዘለኪ መርገጺ እንታይ እዩ?" ዝብል ኣብዚ እዋን ህቡብ ኰይኑ ካብ ዘሎ ሕቶ እልይ ንምባላ ዝተገብረ ተንኮል ምዃኑ ብዙሓት ብጥርጣረ ይጥምትዎ።
እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ሕደጾታውያን ሃንደበት ከምዘይኰነ ጋዜጠኛ ስዒድ ይዛረብ።
ንመረጽቶም ዝኣተውዎ መብጽዓ ዘይፈጸሙ ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዝድርኽዎ ዘለዉ ምዃኑ’ዩ ዝኣምን።
"ቀንዲ ረባሕቲ ካብዚ ዅሉ ጽልኢ፡ እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ስልጣን ሒዞም ደረጃ መነባብሮ ህዝቦም ከመሓይሹ ዘይከኣሉ ፖለቲከኛታት ክዀኑ እዮም" ይብል።
ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ባዕላቶም ተሓለቕቲ ትውፊትን ባህልን ኣፍሪቃ ምዃኖም እዮም ዝገልጹ። እዚ ግን ናይ ቅንዕና ዶ ይኸውን? ጥርጣረታት ዘልዕል እዩ።
ፖለቲከኛታት ኣብታ ሃገር ሕደጾታውነት ይድግፉን ይዝርግሑን እዮም ዝብልዎም ውልቀሰባትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብቕልጡፍ ክጽውዑን ዝደፍሩ'ኳ እንተዀኑ፡ ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ህዝቢ ዝዕንቅፉ መዛኑኦም ግን ከቃልዕዎም ኣይደፍሩን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተቘጻጻሪ ዋና ኦዲተር ታንዛንያ፡ ነቲ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዘጋጠመ ከቢድ ክሳራ ሚልዮናት ዶላር ብዝርዝር ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
ገና ካብቶም ኣኽረርቲ ጸረ ሕደጾታውነት፡ ነታ ሃገር ካብዚ መዓት ምጥፍፋእን ብልሽውናን ብኸመይ ከድሕንዋ እዮም ግን ዝሰማዕናዮ ነገር የለን።
ኣብ ዛንዚባር፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ‘ሰዶማዊ እዩ’ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰብኣይ ዝቐርብ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር፡ ግዱድ መርመራ መሃንቱስ ድሕሪ ምክያዱ፡ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ብተደጋጋሚ ጨካን፡ ኢሰብኣዊን ሳይንሳዊ መሰረት ዘይብሉ ኢሎም ዝጽውዕዎ ጉዳይ፡ ሓደ ሓኪም ሕክምና ካብቶም መሰኻኽር ቀሪቡ።
ነቲ ሰብኣይ ዘዋርድ ቪድዮ ኸኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ዘርኣይዎ ተገዳስነትን ኣተኵሮኦም ዝሃበሉን ፍጥነትን ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንምስዋር ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲ መንግስትን ዝኣመሰሉ ሓቀኛ ህዝባዊ ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት ዕሽሽ ከምዘይተባህለ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ዝርአ ዕቱብነት ብቕንዕና ድዩ ዝብል ጥርጣረ የልዕል እዩ።
ዩጋንዳዊ ጋዜጠኛ ቻርለስ ኦንያንጎ-ኦቦ፡ እቲ ኣንጻር ሕደጾታውያን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፡ ንኣፍሪቃዊ ባህልን ልምድታታትን ምክልኻል ከምዘይኰነ ዘለዎ እምነት የካፍል።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብተን ልዑል መጠን ቍጠባዊ ዕብየት ዘለወን ወይ ዕዳአን ከመሓድራ ዝኽእላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሂስተርያ ጸረ-ሕደጾታውነት የለን። እዚ ኣንጻር ሕደጾታውነት ዝቐንዐ ውግኣት ምልክት ኢድ ምሃብ ኣፍሪቃ'ዩ። እቶም ጸገማቶም ንምፍታሕ ተስፋ ዝቘረጹ፡ ንዓለምለኻዊ ድፍኢት ሕደጾታውነት መህደሚ ካብ ፍሽለቶም ይገብርዎም ኣለዉ፡” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ብዙሓት ፖለቲከኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ንህዝቢ ካብ ሓቀኛ ጉዳያት ንምዝንባል፡ ናብ ፖለቲካዊ መድረኻት ንምምላስ ወይ ኣገዳስነቶም ንምጕላሕ ንጉዳይ ሕደጾታውነት ክጥቀሙሉ ይርኣዩ ኣለዉ።
ምኽንያቱ፡ እቲ ኣንጻሩ ዝገብርዎ ጐስጓሳት ንናይቲ ህዝቢ ሃይማኖታዊ እምነትን ስምዒትን ዝምዝምዝ ኰይኑ፡ ደገፍትን ሰዓብትን ክረኽቡ ስለዝሕግዞም’ዩ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ ብሕጋዊ መንገዲ ንመሰላት ዝጣበቕ ትካላት ምምዝጋብ ክኣቢ ብዘይምኽኣሉ ድሕሪ ዝሃቦ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ኣነ ንኣምላኽ ዝፈርሕ ሰብ ምዃነይ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡኒ ኢኹም፡” ብምባል ባህልን ልምድን እታ ሃገር ኣብ ምሕላው ክእመን ከምዝኽእል ገሊጹ።
"ኣብ ቤት ፍርዲ ዝዀነ ይዅን ውሳነ እንተተወሰነ’ውን፡ ነቲ ቤት ፍርዲ እንተ ኣኽበርናዮ፡ ኣብ ክርስትና ይዅን እስልምና ባህልናን ክብርታትናን ደቂ ኣንስትዮ ንኸመአን ደቀንስትዮ ክምርዓዋ፡ ወይ ደቂ ተባዕትዮ ንብጾቶም ደቂ ተባዕትዮ ክምርዓዉ ክፈቅድ ኣይክእልን'ዩ...፤ እዚ ኣብ ሃገረ ኬንያ ፈጺሙ ኣይክኸውንን'ዩ ስለዚ ኣይትሻቐሉ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ሳምያ እውን ንተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኻውያን ከምዘይኰኑ ብምጥቃስ፡ ካብ ባዕዳውያን ልምድታታ ክጥንቀቝ መኺራ።
“ሰብኣዊ መሰል ገደብ ኣለዎ። ስለዚ ናትና ንዘይኰኑን ክብርታታና ንዘይፈቕደልናን ልምድታታ ክንቅበሎ ይዅን ክንርዕሞ ክንግደድ የብልናን” ትብል እታ፡ ብ ማማ ሳምያ ትፍለጥ ታንዛንያዊት ፕረዚደንት።
ብርግጽ እቲ መበቆላዊ ሕጊ ጸረ-ሕደጾታውነት ቅድሚ ኣስታት 150 ዓመት፡ ኣብ ህንዲ ዕዉት ድሕሪ ምዃኑ እዩ፡ ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ብመግዛእቲ እንግሊዝ ተኣታትዩ።
እቲ ድንጋገ፡ "ኣንጻር ስርዓት ተፈጥሮ፡ ምስ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ ወይ እንስሳ ስጋዊ ርክብ" ንዝፈጸመ ክሳብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝቐጽዕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







