እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ህይወት መእተውን መውጽእን ዘይብላ ኰይናትኒ’- ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ቓዛ
ጅንስ ክዳን ዝተኸደኑን ሸበጥ ዝወደዩን ተባዕትዮ መንእሰያት፡ ልክዕ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምዝፍጽሙ ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታል ናስር ክሃን ዮኒስ ተሰሪዖ ደው ኢሎም ይረኣዩ።
እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከቢድ ደብዳብ ካብ ዝጀመረትሉ 1 ታሕሳስ፡ ኣማኢት ተቐቲሎም።
ሓደጋን ስርሓት ህጹጽ ረዲኤት ዝበዝሖ ካልእ ከቢድ ለይቲ ሓሊፉ።
ሰባት ኣብ ደገ ደው ኢሎም ይረኣዩ። ጫውጫውታ እናወሰኸን ዝእከቡ ሰብኡት እናበዝሑን መጺኦም።
እቲ ሰልፊ ክፈራረስ ጀሚሩ፤ ሰባት ሰንቢዶምን ደኺሞምን እዮም።
ሓንቲ መኪና ድምጺ እናሰምዐትን መብራህቲ እናብረሀትን መጺኣ፤ ሓደ መንእሰይ ካብ ውሽጢ ስሒቦም ኣብ መውሰዲ ዓራት (ስትሬቸር) ኣደቂሶም፡ ሒዞምዎ እናጐየዩ ኣትዮም።
ካልእ ብደሮና ዝተሸፈነት መኪና መጺኣ፤ ሓደ ህጻን ሓገዝ ተገይሩሉ። ብእግሩ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ግን ገና ቈልዓ እዩ፤ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመቱ እዩ።
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ . . .
ኣደ ሽዱሽተ ቈልዑ ሳማ ኢልዋን፡ ሓግዙኒ ኢላ ትምሕጸን።
“ናብ መላእ ዓለምን ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ዓረባዊ ዓለምን መልእኽቲ ክሰድድ እደሊ“ ትብል።
“ንሕና ንጹሃት ከምዝዀንና ናብ ዓለም መልእኽቲ ክሰድድ እደሊ፤ ዝፈጸምናዮ ጌጋ የለን።”
ክልተ ጥርሑ ብራሾ ማይ ብኢዳ ኣብ ኣየር እናወዛወዘት፡ ደቃ፡ ሓሙሽተ ኣዋልዳን ሓደ ወድን፡ ማይ ከምዝጸምኡ ትዛረብ።
“ከም ደማሙን ኣኻልብን ኢና ኴንና። ከልብን ድሙን እኳ መጽለሊ ይረኽቡ ይዀኑ። ንሕና ግን ምንም ነገር የብልናን። ኣብ ጐደና ኢና ተዓጊትና ዘለና።”
ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም ንደሓር ህይወት ፋሕ ጭንግራሕ ኰይኑ።
ብሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሪጣንያን ኣመሪካን ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ ሓማስ፡ ልዕሊ 1200 ሰባት ቀቲሉ፡ ልዕሊ 240 ድማ ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ወሲድዎም።
ንሰሙናት ዝቐጸለ ደብዳብን ወራር ኣጋር እስራኤልን ናብ ሰሜን ቓዛ ስዒቡ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዀኑ ልዕሊ 15 ሽሕን 800 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይገልጽ።
ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ፍልስጤማውያን እሱራትን ዝተፈትሕሉ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ግዝያዊ ደው ምባል ተዅሲ ተገይሩ ነይሩ።
ሕጂ ግን ኲናት መሊሱ ተባሪዑ ኣሎ፤ ስድራይ ኣብ ማእከላይ ቓዛ እዮም። ኣነ ግን በይነይ ኣብ ክሃን ዮኒስ ኣለኹ።
እዚ ከባቢ ክሳብ ቅድሚ ቅሩብ መዓልቲ ነታ ጽቡቕ መስመር ሳትላይት ዘለዋ መኪና ኣዝዩ ውሑስ ዝበሃል ነይሩ።
ጋዜጠኛ ምዃነይ ኵሉሻብ ኵርዓት ይስመዓኒ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ኣማራጺታተይ ይጽንቀቕ ኣሎ። ንዓይ ህይወት መእተውን መውጽእን ዘይብላ ኰይና ኣላ።
መበቈል ዓደይ ኣብ ሰሜናቒ ቓዛ እዩ፤ ሰራዊት እስራኤል ደቡባዊ ክፋል ‘ውሑስ እዩ‘ ኢሎም ክንወጽእ ምስኣዘዙና፡ ምስ ስደራቤተይ ናብ ደቡባቒ ቓዛ ሃዲምና።
ሕጂ ግን ኣብ ክሃን ዮኒስ ‘ሓደገኛ ወፍሪ ኣጋር’ ስለዘሎ ናብቲ ምስ ግብጺ ዘዋስን ራፋ ክንቅጽል የጠንቅቝና ኣለዉ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ልዕለይን ስድራይን ብዙሕ ነገር እኳ እንተጋጠመ፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዝጠፋእኩ ክስምዓኒ ግን ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ትልሚ ኣውጺአ ውሕስነትን ጸጥታን ስድራቤተይ ምሕላው ዝለመድክዎ ነገር እዩ፤ ሕጂ ግን ምውሳን ኣብዩኒ።
ስድራይ ደሓን ከምዝዀኑ ተስፋ ብምግባር፡ ናብ ራፋ ከይደ ዶ ስርሐይ ክቕጽል? ወይ ስራሕ ገዲፈ ናብኣቶም ክምለስ፣ ሕማቕ እንተጋጠመ'ኳ ምስኣቶም ክመውት?
እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ካልኦት ሰባት ከምዘየጋጥም ተስፋ እገብር።