ኤችኣይቪ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ዝዀነ መድሃኒት ፒ-ኣር-ኢ-ፒ እንታይ'ዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዌልስ ኣብ መርመራ ዝጸንሐን ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርግሐ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዝዓግትን መድሃኒት 'ፒኣርኢፒ' ውጽኢታውን “ዘተኣማምንን” ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ወግዓዊ ኰይኑ ነይሩ።

እዚ ኣብ ሜዲካል መጽሔት ላንሴት ኤችኣይቪ ዝተሓተመ ርኽበት መጽናዕቲ፡ እቲ መድሃኒት መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ86 ሚእታዊት ከም ዝከላለኸል የርኢ።

ክሊኒካዊ ፈተነታት ድማ፡ 99 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ ኣመልኪቶም።

እዚ ፒ-ኣር-ኢ-ፒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሃኒት፡ ቫይረስ ኤች-ኣይ-ቪ ናብ ሰብነትና ከይኣቱን ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ድሕሪ ምእታው ንኸይራባሕን ከም ዝከላኸል እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ የረድእ።

ውጽኢታውነት እቲ መድሃኒት ካብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝተጽዋኡን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝተኻተቱን ልዕሊ 24 ሽሕ ተጠቀምቲ እቲ መድሃኒት ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ እዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።

እቲ መጽናዕቲ ድማ፡ ካብ ጥቅምቲ 2017 ክሳብ ሓምለ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 157 ትካላት ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ተኻይዱ።

ይዅን'ምበር፡ ዕላማ እዚ መድሃኒት እንታይ'ዩ? ብመንከ ይውሰድ? ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታትን ልዑል ትኹረት ዘድልዮም እዮም።

ፒኣርኢፒ እንታይ’ዩ?

ልክዕ ከምቲ ዓሶ ናብተን ብብዝሒ ዓሶ ዝኽሰተለን ኣብ ቅናታዊ ምድሪ ዝርከባ ሃገራት ዝጓዓዙ ሰባት፡ ካብ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ጸረ-ዓሶ መድሃኒት ክወስዱ ዘለዎም፡ 'ፒኣርኢፒ' እውን ካብ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ዝከላኸል መድሃኒት እዩ።

መድሃኒት ፒኣርኢፒ ዝወስድ ዘሎ ሰብ ንኤችኣይቪ እንተተቓሊዑ፡ እቲ ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ጸረ-ኤችኣይቪ ዝዀነ መድሃኒት እቲ ቫይረስ ናብ ዋህዮታቱ ከይኣቱን ከይራባሕን ደው የብሎ ማለት እዩ።

ኣብ ሆስፒታል ዘውዲቱ ሓላፊት ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማማት ዝዀነት ዶክተር ኣስቴር ሸዋማር፡ ነዚ ከተብርህ እንከላ ‘ፕሬፕ’ ማለት ቅድመ ምክልኻል ማለት ምዃኑ ተረድእ።

ንኣብነት፡ ቫይረስ ኤችኣይቪ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ንኸይመሓላለፍ፣ ዝተፈላለየ ውጽኢት ኤችኣይቪ ዘለዎም እሞ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ እንተልዮም ድማ፡ እቲ ኤችኣይቪ ዘለዎ መድሃኒት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን እቲ ኤችኣይቪ ዘይብሉ 'ፕሪፕ' (ፒኣርኢፒ) ይጅመረሉ ትብል።

በዚ መሰረት፡ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት፡ ፒኣርኢፒ (pre-exposure prophylaxis) ቅድምን ድሕርን ጾታዊ ርክብ እንተተወሲዱ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኤችኣይቪ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ የመልክቱ።

ይዅን’ምበር፡ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከምኡ’ውን ዘይተደለየ ጥንሲ ኣይከላኸልን።

ስለ ዝዀነ፡ ጥንቃቐ ዝጐደሎ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ወይ’ውን ካልኦት ብዝጥቀምሉ መርፍእ ወይ ስሪንጋ ዝጥቀሙ ሰባት ብኤችይቪ ናይ ምልካፍ ዕድሎም ዝንኪ መድሃኒት’ዩ።

እቲ መድሃኒት ኣብዚ እዋን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መድሃኒታት ተኖፎቪር ዲሶፕሮክሲልን ኢምትራይሲታባይንን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኤችኣይቪ ኣብ ሰብነትና ኣትዩ ንባዕሉ ከየራብሕን እቲ ሰብ ብኤችኣይቪ ከይትሓዝን ይከላኸለሉ ማለት እዩ።

ፒኣርኢፒ ዝወስድ መን’ዩ?

ዝዀነ ሰብ ፒኣርኢፒ ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም መሰረታዊ ጉዳያት ስለ ዘለው፡ ብመሰረት ክኢላ ጥዕና ዝህቦ መምርሒ ክውሰድ ዘለዎ መድሃኒት እዩ።

መጀመርታ፡ ቅድሚ ፒኣርኢፒ ምውሳድካ ኤችኣይቪ ከም ዘይብልካ ክረጋገጽ ስለ ዘለዎ፡ ዝዀነ ነዚ መድሃኒት ክወስድ ዝደለየ ሰብ መርመራ ኤችኣይቪ ክገብር ኣለዎ።

መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት፡ ኩሊት፡ ሂፓቲተስ ቢን ሲን እውን ክግበር'ውን ይምከር።

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ቅድሚ እቲ መድሃኒት ምእዛዞም ብዛዕባ ዘለካ ባህሪያት ጾታዊ ርክብን ናይ ጾታዊ ርክብ መጻምድኻን ክሓቱ ይኽእሉ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ፒኣርኢፒ ብኤችኣይቪ ዘይብሎምን ምስ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ዕድሎም ልዑል ዝዀነን ሰባት ክውሰድ እንከሎ’ዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን።

ሰባት ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ኣብ ዝደለይሉ እዋን፡ ኮንደም ክጥቀሙ ዘይክእሉ እንተዀይኖም ወይ’ውን ኵነታት ኤችኣይቪ እቲ ናይ ወሲብ መጻምዶም ዘይተኣማመንሉ እንተዀይኖም፡ ፒኣርኢፒ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ክሕግዞም ይኽእል።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ፒኢፒ (post-exposure prophylaxis) ክበሃል ሰሚዕኹም ትዀኑ፤ ክልቲኦም መድሃኒታት ‘prophylaxis’ ዝበሃል ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒት ዝጥቀሙ ኰይኖም፡ ምክልኻል ማለት’ዩ።

ፒኣርኢፒ፡ ንኤችኣይቪ ቅድሚ ምቅላዕካ ዝውሰድ ኰይኑ፡ ፒኢፒ ንኤችኣይቪ ዝተቓልዑ ሰባት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ይወስዱዎ፤ እዚ ን28 መዓልታት ከም ዝውሰድ ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንደም ተቓላዕቲ ዝዀኑን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀኑን ሰባት፡ ነቲ መድሃኒት ብምውሳድ፡ ብቫይረስ ኤችኣይቪ ናይ ምልካፍ ሓደጋኦም ከጕድሉ ከም ዝኽእሉ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣደንዘዝቲ ባእታታት ብቱቦታት ደም ክወስዱ እንከለው ስሪንጋ ወይ መርፍእ ምስ ካልኦት ሰባት ዝካፈሉ ሰባት፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ዕድል ዝንኪ መድሃኒት (ፒኣርኢፒ) ክወስዱ ይምከር።

ፒኣርኢፒ፡ እቲ ስግኣት ኤችኣይቪ ልዑል እንተዀይኑ ንኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዝውሰድ'ኳ እንተዀነ፡ ዕድመኻ ምሉእ ግን ዝውሰድ መድሃኒት ኣይኰነን።

በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ስግኣት የብለይን ኣብ ዝበልካሉ እዋን፡ ምስ በዓል ሞያ ጥዕና ብምምኻር እቲ መድሃኒት ምውሳድ ጠጠው ምባል ከም ዝክኣል እትገልጽ ዶክተር ኣስቴር፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ግን ከም ኮንደም ዝበሉ ምትሕልላፍ ረኽሲ ኤችኣይቪ ዝከላኸሉ ኣገባባት ክጥቀሙ ከም ዝምከር ተገንዝብ።

“ኮንደም ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ንነግሮም ኢና፤ እቲ ቫይረስ ብዝበዝሐ ቍጽሪ’ዩ ዝመሓላለፍ፤ መጠን እቲ ቫይረስ እናነከየ ክመጽእ እንከሎ ናይ ምትሕልላፍ ሓይሉ ይንኪ፤ ምሉእ ንምሉእ ኣይመሓላለፍን ግን ክንብል ኣይንኽእልን”።

ብመሰረት ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ (CDC)፡ 'PrEP' ዝዀነ ዝፍለጥ ጐድናዊ ሳዕቤን የብሉን።

ገለ ሰባት ግን እዚ መድሃኒት ድሕሪ ምውሳዶም ነዊሕ ዘይጸንሕ ሕማም ርእሲ፡ ተምላስ፡ ድኻምን ቅርጸት ከብድን ከጋጥሞም ይኽእል እዩ።

እቲ መድሃኒት ብኸመይ ይውሰድ?

እዚ መድሃኒት ብትእዛዝ ሓኪም ጥራይ እዩ ክውሰድ ዘለዎ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንኤችኣይቪ ቫይረስ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ልዑል ዝዀኑ ሰባት ብመልክዕ ከኒና ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ወይ’ውን ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻሞም ክወስዱዎ ይኽእሉ።

ኣርኢፒ 2-1-1 ብዝበሃል ውጥን ክውሰድ እንከሎ ግን፡ እቲ መድሃኒት ብፍላይ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ መጽናዕቲ ዓዲ እንግሊዝ የመልክት።

ሓደ ሰብ፡ ጥንቃቐ ዝጐደሎ ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ኣቐዲሙ ካብ 2 ክሳብ 24 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ክልተ ፍረ ከኒና ይወስድ።

ድሕሪ 24 ሰዓታት ሰዓታት ድማ ካልእ ሓንቲ ይወስድ። ድሕሪኡ፡ እቲ ካልኣይ ዙርያ ከኒና ምስ ወሰደ ድሕሪ 24 ሰዓታት ድማ ናይ መወዳእታ ሓንቲ ከኒና ይወስድ።

ይዅን’ምበር ውጽኢታውነት እቲ መድሃኒት ንምሕላው ብመሰረት መምርሒ ሓኪም ክትግበር ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ የዘኻኽሩ።

ዶክተር ኣስቴር፡ “እዚ መድሃኒት ዝወስድ ሰብ መድሃኒቱ ብኣግባኡ እዩ ክወስድ ኣለዎ፤ ምናልባት ብኣግባቡ ዘይወስድ እንተዀይኑ እሞ እንተኣቋሪጽዎ ውጽኢቱ ፖዘቲቭ ናይ ምዃን ዕድል ክገጥሞ ይኽእል’ዩ" ኢላ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ መድሃኒት ናይ ምትሕልላፍ መገዲ ንምቍራጽ ዝወሃብ ስለ ዝዀነ፡ መድሃኒት ክቋረጽ እንከሎ ቍጽሪ እቲ ቫይረስ ክውስኽ ከም ዝገብሮ ትገልጽ።

ተበጻሕነት እቲ መድሃኒት

'ፕሬፕ' ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ክወሃብ ከም ዝጸንሐ እትገልጽ ዶክተር ኣስቴር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ላሚቩዲን (lamivudine) ን ቴኖፎቪር (Tenofovir) ዝበሃሉ ክልተ መድሃኒታት ብምውህሃድ ዝተሰርሐ መድሃኒት ከም ዝወሃብ ሓቢራ።

እዚ መድሃኒት ብትእዛዝ ሓኪም ጥራይ እዩ ዝወሃብ፤ እዚ መድሃኒት ድማ እቲ ውልቀሰብ ብሓኪም ምስ ተርኣየ፡ ምስ ተመርመረን ኣገልግሎት ምኽሪ ምስተዋህቦን ምስ ተመኸረን ዝወሃብ ኰይኑ፡ ዝተፈላለየ ውጽኢት ኤችኣይቪ ዘለዎም መጻምድቲ ነቲ መድሃኒት ክወስዱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ምስ ተረጋገጸ ከም ዝፍቀድ ገሊጻ።

እታ ክኢላ ወሲኻ፡ ፒኣርኢፒ (መድሃኒት ቅድመ-ምቅላዕ) ኣብ ፋርማሲታት ዘይኰነ፡ ኣብተን ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒታት ዝህባ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ሕክምና ጥራይ ከም ዝርከብ ሓቢራ።

ኵሎም ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒታት ብነጻ ከም ዝወሃቡ ዘዘኻኸረት ዶክተር ኣስቴር፡ እቲ መድሃኒት ክወስድ ዝጅምር ሰብ ብቐረባ ክከታተሎ ከም ዘለዎን፡ እንተተቛሪጹ ድማ ውጽኢቱ ክቕየር ከም ዝኽእልን ገሊጻ።

እቲ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ 24 ሽሕ ሰባት ድሕሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኤችኣይቪ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታውነቱ ዘረጋገጸ መድሃኒት ፒኣርኢፒ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዙርያ ኤችኣይቪን ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ዝሰርሕ ትካል ቴረንስ ሂጊንስ፡ እቲ መድሃኒት ንዅሉ ተበጻሒ ንምግባር ዝያዳ ክስራሕ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ፖሊሲ ናይቲ ትካል ደቢ ሌይኮክ፡ “ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እቲ መድሃኒት ምህላዉ ኣይፈልጣን” ኢላ።

ንሳ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ፒኣርኢፒ ተበጻሕነቱ ንምዕባይ ኣብ ፋርማሲታትን ኦንላይንን ክሽየጥ ይጽውዕ ከም ዘሎ እውን ሓቢራ።

ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ውጽኢታዊነት እቲ መድሃኒት፡ እታ ሃገር ኣብ 2030 መንግስቲ ምትሕልላፍ ኤችኣይቪ ባዶ ንምግባር ዝሓዞ ሸቶ ንምዕዋት ክሕግዛ ምዃኑ ይገልጽ።