እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተሃገረት ተገሊጹ
ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን እትውነን ብማሕበር ላሳለ እትመሓደር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተሃገረት ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት፡ ብዓውዲታት ኣግሮ-መካኒክ፡ ስነ-እንስሳ፡ ስነ-ኣትክልቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ልምዓት መስኖ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ልዑል ደረጃ ዘለዎ ትምህርቲ ክትህብ ጸኒሓ።
ብዘይካ እዚ እታ ቤት-ትምህርቲ፡ ብሉጽ ወይኒ ሻልኩ ብምፍራይ ማልማላታን ነቢትን፡ ከምኡ እውን ብዙሕ ምህርቲ ዝህባ ናይ ጸባ ከብቲ ብምፍራይ፡ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ርግኦ፡ ሪኮታ፡ ፎርማጆን ጠስምን ብምፍራይ ንህዝቢ ተገልግል ነይራ።
ኣብ ርእሲኡ እታ ቤት-ትምህርቲ ካብ ዝተፈለለዩ ዞባታት እታ ሃገር ንዝመጽኡን ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝነብሩን ዜጋታት ልዕል ናይ ስራሕ ዕድላት ፈጢራ ነይራ።
ብዘይካ እዚ እውን ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን እትውነን ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ቴክኒክ ዶንቦስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ኣብ ኢድ መንግስቲ ክትኣቱ ምዃና ተሓቢሩ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2019 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ ከምኡ'ውን ሃይማኖት እስልምና ዝመሓደራ ንዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከምዝሃገረን ይፍለጥ።
ኣብ ሰነ-2019’ውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወረሰን ተገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣዋጅ ቑጸሪ 73/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘሎኹ እዩ ዝብል።
ነተን ትካላት ምስ ሃገረን ከኣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡"እታ ቤተ ክርስትያን ህይወታ ምስ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ንደቂ ሰባት ካብ ምህናጽ ሓሊፍና ኣንጻር መንግስትን ሃገርን ኮይና ኣይንፈልጥን ኢና" ክብሉ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ጽሒፎም ነይሮም።
እቲ ናይ ምህጋር ውሳነ ከኣ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ደርጊ ብ1982 ዓ/ም ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ከም ካምቦኒ፡ ላሳለን ቅድስቲ ሃናን ዝኣመሰላ ዘካየዶ ናይ ምህጋር ተግባር ከም ዝርእዮ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነይሩ።
ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ዘማእከለ ዴሞክራስያዊት ሃገር ክሃንጽን እቲ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሕዛ ንከቋርጾን ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ሰነ 2014 ንኣብነት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ንህልቂት መንእሰያት ኣብ ላማፓዱሳ ምኽንያት ብምግባር፡ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ብእትብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኩነታቱ ንክምርምር ብምጽዋዕ እቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐ ናብ እግዚኣብሄሩ፡ እቲ ካብ ሕጊ ዝረሓቐ ከኣ ናብ ሕጊ ክምለስ ጸዊዖም።
ኣብ ሰነ 2018 እውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ዕርቀ ሰላም ብምምስጋን እሱራት ክፍትሑ፡ ዝተሰደ ክምለስ፡ መነባብሮ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተንከፈ ዶባት ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ብዘርብሕ ኣገባብ ተሓንጺጹ ንቡር ህይወቱ ንክሕደስ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ጻዕሪ ንኪግበር ጸዊዖም ነይሮም።
ኤርትራውያን ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እዚ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ነታ ቤተ-ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ንምድኻምን ናይ ሕነ-ምፍዳይ ስጉምቱ ምዃኑን ክገልጹ ጸኒሖም።
ኣሕደርቲ ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝን ዶንቦስኮን ከኣ ነቲ ብድኽነትን መሃይነምነት ዝሳቐ ዝነበረ ህዝቢ ንምግልጋል ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ዝተኸፍታ እተን ዝበለጻ ኣብያተ ትምህርትታት ምንባረን ብዙሓት ይምስክሩ።