እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ ሓደጋታት ዝናብ ክረምትን ኵነታት ኣባይትን ከመይ ይመስል?
ኣብ ኤርትራ ክራማት ሎም ዘመን፡ ህጡር ምዃኑን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ግና ሓሓሊፉ ጕድኣት የውርድ ከም ዘሎን፡ ምንጪታት ቢቢሲ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ኣስመራ ሰለስተ ሰባት ብሰንኪ ዝናብ ኣብ ገዛኦም ተጸቒጦም ከም ዝሞቱ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብዛይካ’ዚ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ሓደ ሰብ፡ 20 ጤለበዱን ኢራብን፡ 10 ኣግማልን ሓንቲ ላምን ብውሕጅ ከም ዝተወስዱ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ድማ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ ሸሞንተ ኣባይቲ፡ ሰለስተ ጀላቡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ'ውን ብ15 ነሓሰ ዝሃረመ በረድ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ኣብ 75 ሄክታር ዘራእትን መንበሪ ኣባይትን ዕንወት ከም ዘውረደ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን።
እቲ ኣብ ኣስመራ ዝጋጠመ ሓደጋ ግን ፍሉይን ዘሕዝንን ምዃኑ፡ እቲ ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ኣስመራ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ 10 ነሓሰ ዘውግሐ ለይቲ፡ ዝናብ ምሉእ ለይቲ ክሃርም ድሕሪ ምሕዳሩ፡ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ለይቲ፡ እታ ኣቶ ዓብደልወሃብ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዝቕመጡላ ኣብ ዝባን ስንቀይ ትርከብ ገዛ ኣብ ልዕሊኣ ተጸጊዑ ዝነበረ ሓመድ ሃሚሙ ከም ዝጸቐጣ፡ ምንጪ ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጹ።
እቶም ኣብ ውሽጢ’ታ ቤት ዝነበሩ፡ 40 ዓመት ዝዕድመኡ ኣቶ ዓብደልወሃብ፡ ምስታ ጓል 35 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ኢልሃምን ወዲ 18 ዓመት ሓዋን ብጭቃን እምንን ተደብዮም ከም ዝተረፉ ኸኣ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።
“እዞም ግዳያት ኣብቲ ከውታ ለይቲ ብኣጋ ረዳኢ ኣይረኸቡን። ፖሊስን ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ሰገንን ሰዓት ሸውዓተ ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ተረኺቦም፡ ብቕጽበት መስርሕ ምድሓን ህይወት ጀመሮም፡” ዝብል እቲ ሓበሬታ፡ ሬሳ እቶም ክልተ ሰብ ሓዳር ሓደ ሰዓት ድሕሪ ዝወሰደ ድልያ'ዩ ተረኺቡ።
እንተዀነ ሓው ኤልሃም ንምርካብ ነዊሕ ጻዕሪ ከም ዝወሰደ ተፈሊጡ። “ስለዚ፡ ምፍሓር ክቕጽል ነይርዎ። ድሕሪ ተወሳኺ ሸውዓተ ሰዓታት ድልያ ኸኣ፡ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ሬሳ ተረኽበ። እንተዀነ ብህይወት ዝተረፈ ኣይነበረን፣ ሰለስቲአን ኣብታ ገዛ ዝሓደራ ትንፋስ በታ ናይታ ለይቲ ሓደጋ ምህማም ሓሊፈን፡” ብምባል እቲ ምንጪ ሓበሬታ ይገልጽ።
ብመሰረት ‘ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዓብደልወሃብን ኢልሃምን ካብ ዝምርዓዉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት እዮም ገይሮም። እንተዀነ ውላድ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። በዚ ድማ ካብቲ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ መንደፈራ፡ ብዝሓሸ ሕክምና ወሊድ ንምርካብን ብቐረባ ንምክትታልን ቅድሚ ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ናብ ኣስመራ ግዒዞም።
“ኣብ ዝባን ስንቀይ ሓንቲ ክፍሊ ተኻርዮም ክነብሩ ጀሚሮም። ሓዋ ንኢልሃም ድማ ካብ መንደፈራ ምስ እንዳ ሓፍቱ እናተቐመጠ ክሰርሕ ኢሉ ኣስመራ መጺኡ፡” ይብል።
ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ዝተረኽበ ሓላፊ ክፍሊ ልምዓታዊ ህንጻ ዞባ ማእከል፡ ኢንጂነር ተስፋኣለም ወልደማሪያም፡ ምህማም መሬት ኣብ "ሰንኮፍ ኣተሃናንጻ ዘለዎ" ኣባይቲ ከጋጥም ባህርያዊ ምዃኑ ብምብራህ፡ ንተቐማጦ ከምዚ ዝተጠቕሰ ኣባይቲ ምልክታት ምፍራስ ክርእዩ ከለዉ "ንዝምልከቶ" ትካል መንግስቲ ክሕብሩ ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር መብዛሕትኦም ገዛውቲ ኣስመራ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተሰርሑ፡ ብዘይ ዝዀነ ክንክን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ፡ መናድቘም ዝኣረገን፡ ካብ ናሕሲታቶም ማይ ዘንጥቡን እዮም።
“በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከየጋጥሙ ብዙሓት ተቐማጦ‘ታ ከተማ ስግኣቶም ይገልጹ።”
ኵነታት ኣባይቲ ኣብ ኣስመራ?
ምህናጽ ሓደስቲ ኣባይቲ ኣብ መላእ ሃገር ካብ 2006 ብዕሊ ከምዝተቛረጸ ይፍለጥ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ኣስመራ ብስእነት ኣባይቲ ዝተሸገሩ ነበርቲ ብዙሓት ምዃኖም ይጥቀስ።
ገለ ሰባት ድማ ብዘይ ብቕዓት ኣብ ዝተገድገዱ ኣባይቲ ክሰፍሩ ከም ዝግደዱን፡ እቶም ካብ መንደፈራ ንሕክምናዊ ክትትል ኢሎም ናብ ኣስመራ ዝገዓዙ ኣቶ ዓብደልወሃብን ኢልሃምን ድማ እዚ ኣማራጺ ጥራይ ከም ዝነበሮም፡ እቲ ሓበሬታ ኣተሓሒዙ የረድእ።
ዝኣረገ ገዛ ንምጽጋን ከ እንታይ የድሊ?
ኣብ ኤርትራ ሓደስቲ ኣባይቲ ምህናጽ ብዕሊ ካብ ዝኽልከል ድሮ 16 ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ። እቲ ብክፍሊ ትሕተ ቅርጺ ዞባ ማእከል ዝወሃብ ፍቓድ፡ ዝኣረገ ገዛ ንምጽጋን፡ ካንቸሎ ወይ ድማ ዓይኒ ምድሪ ንምስራሕ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ጽገናታት ካብ ምግባር ዝሓልፍ ከምዘይኮነ እቲ ምንጪ የረጋግጽ።
እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋታት መሳርሒታት ህንጻ ዝልከፍ ከም ዘይኰነ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
በቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ዋጋ ሓደ ኲንታል ስሚንቶ ኣብ ኣስመራ 2,500 ናቕፋ ይበጽሕ።
“ካብ ደገ ዝመጹ 2% ግብሪ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ግን ክሳብ 4 ኲንታል ስሚንቶ ካብ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ - 09 - ብሕሳብ 400 ናቕፋ ክረኽቡ ይኽእሉ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ካብዚኦም ወጻኢ፡ ነቶም ዝተፈላለየ ውልቃዊ ኣታዊ ዘለዎም፡ ኣታዊ ግብሪ መንግስቲ ዝኸፍሉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝቕመጡ ዜጋታት ግን እዚ ‘ሓለፋ’ ኣይምልከቶምን እዩ፡” ብምባል ነቲ ዘሎ ህሉው ኵነታት ዕዳጋን ኣድልዎን የነጻጽር።
እቲ ምንጪ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ “ገዛ ንምህናጽ ወይ ንምጽጋን ብመንግስቲ ዝተቐመጠ መስገደላት እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡” ይብል።
ፍቓድ ምጽጋንን ስሚንቶን እንተተረኺቡ፡ ሑጻ ብቐሊል ከም ዘይርከብ የረድእ።
“ሓንቲ ጽዕነት መኪና ሑጻ ንምርካብ ዘለካ ዝምድናን ርክባትን ወሳኒ ግደ ኣለዎ፡” ብምባል፡ ሰባት ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ኣባይቶም ክጽግኑ፡ ሑጻ ንምርካብ’ውን ዝሓልፍዎ ቢሮክራስያዊ ሕልኽላኻትን ዝምድናታትን ብንጹር ክፍለጥ ከም ዘይከኣል ይዛረብ።
“ከድልየካ እንከሎ ጥራይ ኢኻ ሓታቲትካ ሰባት ረኺብካ እቲ መገዲ ክትፈልጦ ዝከኣል።”
ወሲኹ፡ “ኣክንድኡ ግን ክረምቲ መጸ፡ ማይ ሃሪሙ ምስ ጸሓየ ሰባት ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም ውሕጅ ንዘትረፎ ሑጻ ክእክቡ ይቐሎም፡” ይብል።
ንኵነታት ዓብደልወሃብን ኢልሃምን እንክዛረብ፡ ምስ ኵነታት ኣባይቲ፡ ሕልኽላኻትን ክብሪን ጽገና ኣባይቲ፡ ሰባት ናብራኦም ሓዳሮምን ምእንቲ ክቕጽሉ ዝሰፍርዎ ዘለዉ ዝኣረገ ኣባይትን ግድጊዳታትን ኣስፊሑ ዝርኢ ምንጪ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ “ስነ-ስርዓት ቀብሪ እዞም ግዳያት’ዚ ሓደጋ፡ ንጽባሒቱ 11 ነሓሰ ኣብ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን ሰሜናዊ ዕዳጋ ሓሙስ ኣስመራ ተፈጺሙ፡” ክብል ኣረጋጊጹ።