እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዕልዋ ዝተኣለየ መራሒ ኒጀር ሓገዝ ኣመሪካ ሓቲቱ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም፡ ኣመሪካን "ኵሉ ማሕበረሰብ ዓለምን" ኣብታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክምለስ ሓገዝ ክገብሩ ጸዊዑ።
ንሱ ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ኣብ ዘሕተሞ ርእይቶ፡ "ከም እሱር" ኰይኑ ከምዝጸሓፈ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ባዙም ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር እታ ሃገር ኣብ ዘይምርግጋእ ኣትያ ትርከብ።
መራሕቲ እቲ ዕልዋ፡ ኣብ ሃገራት ፈረንሳ፡ ኣመሪካ፡ ናይጀርያን ቶጎን ዝነበሩ ኣምባሳደራት ኒጀር ከምዝስሕቡ ብሓሙስ ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ጕጅለ ብተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መግለጺ፡ ኣብተን ሃገራት ዝነበረ ስርሓት እቶም ኣምባሳደራት ከምዝተቛረጸ ሓቢሩ።
ቅድሚ እቲ መግለጺ ኣምባሳደር ኒጀር ኣብ ኣመሪካ ነቲ ዕልዋ ከምዝዀነኖ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዘሪቡ ነይሩ።
ኒዩክለር ንምስራሕ ዝጠቅም ነዳዲ ዩራንየም ብበዝሒ እተፍሪ ኒጀር፡ ኣብ ዋና መስመር ናብ ሰሜን ኣፍሪካን መዲተራንያንን ዝግበር ስደት ትርከብ።
ፕረዚደንት ባዙም ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ዘሕተሞ ጽሑፍ እቲ ዕልዋ እንተሰሚሩ፡ "ኣብ ሃገርና፡ ዞባናን ዓለምን ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ" ኢሉ።
"ንዲሞክራስያዊ ብዙሕነት፡ ምኽባር ልዕልነት ሕግን ሓበራዊ ክብርታናን ምቅላስ፡ ኣንጻር ድኽነትን ግብረ ሽበራን ዘላቒ ለውጢ ንምምጻእ እንኮ መንገዲ እዩ" ክብል ጽሒፋ።
"ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ታሪኽና እትገብርዎ ሓገዝ ድማ ህዝቢ ኒጀር ኣይክርሰዖን እዩ፡፡"
ባዙም፡ እቶም ዕልዋ ዘካየዱ ጕጅለ ምስ ሩስያዊ ጉጅለ ቫግነር ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ እውን ኣጠንቂቝ።
"ምሉእ ዞባ ማእከላይ ሳሕል በቲ ኣብ ዩክረይን ጭካነ ዝተመልኦ ሽበራ ዝፍጽም ዘሎ ጕጅለ ቫግነር ኣቢሉ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሩስያ ክወድቕ ይኽእል እዩ።"
ብዙሓት ደገፍቲ ዕልዋ ኒጀር፡ ንሩስያ ዝድግፉ ጭርሖታት ከስምዑን ብሕብሪ ባንዴራ ሩስያ ዝተሰርሑ ክዳውንቲ ክኽደኑን ተራእዮም፡፡
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኒጀራውያን ሓሙስ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ኒያሚ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ዕልዋ ብምድጋፍ ነተን ቍጠባውን ንግዳውን ማዕቀብ ዘንበራላ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ነቒፎም።
ኣመሪካ ከምዝገለጸቶ፡ ኣብ ምዕላው ፕረዚደንት ባዙም፡ ቫግነር ብዛዕባ ምስታፉ መረዳእታ ዘይተረኸበ ኰይኑ፡ መራሒ ጕጅለ ቫግነር ግን እቲ ዕልዋ ዓወት ከምዝዀነ ምዝራቡ ተገሊጹ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ዝርከብዎም ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ንወታሃደራዊ ዕልዋ ኒጀር ኰኒኖም እዮም።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ምስ መሓመድ ባዙም ዝተዘራረበ ጸሓፊ ሚኒስር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣመሪካ ብዲሞክራሲ ዝተመረጸ መንግስቲ ኒጀር ናብ መሪሕነቱ ክምለስ ብተወፋይነት ከምእትሰርሕ ተዛሪቡ።
ንፈለማ እዋን ብዲሞክራስያዊ መረጻ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ባዙም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ብሓለውቱ ተኣሲሩ፤ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብዱራሕማነ ትችያኒ ኸኣ መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ከም ወሳኒት ኣካል ዞባ ሳሕል ተገይራ እትውሰድ ኒጀር፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብቲ ጎነጽ ዘይፍለየሉ ዞባ ከም ኣብነት ምርግጋእ ተገይራ ክትውሰድ ጸኒሓ።
ወተሃደራዊ መዓስከራት ፈረንሳን ኣመሪካን ዝርከቡላ ኰይና ኣብ ቃልሲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ድማ ቀንዲ መሓዛ ምዕራባውያን እያ።
መንግስቲ ፕረዚደንት ባዙም እውን ኣብ ምክልኻል ብማእከላይ ባሕሪ ዝግበር ስደት ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ጥቡቕ ርክብ ነይሩ፡