እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዕዳጋ ዳርፉር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓደ ገበናት ኲናት ዝከታተል ጕጅለ ከሲሱ።
ኣብቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብኽልቲኡ ወገን ዝፍጸም ገበናት ዝስንድ ዘሎ ጕጅለ ተጣበቕቲ ሕጊ (The Emergency Lawyers group)፡ እቲ ኣብ ዕዳጋ ቱራህ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ "ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ህልቂት" ክብል ገሊጹዎ።
እቲ ጕጅለ ወሲኹ ከም ዝበሎ፡ ብዘይካ እቶም በዚ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት፡ብኣማኢት ዝቝጸሩ ነበርቲ ድማ ቈሲሎም።
በቶም ንመብዛሕትኡ ክፋል ዳርፉር ዝቈጻጸር ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ሓዊሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ዝተቓጸሉ ሬሳታትን ድኳናት ዕዳጋን ናብ ሓሙኽሽቲ ከም ዝተቐየሩን ንምልላይ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነን ይሕብር።
ክልቲኦም ተዋጋእቲ ውድባት ሱዳን፡ ኣብ ስቪላዊ ከባቢታት መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ብገበናት ኲናትን ብተደጋጋሚ ይኽሰሱ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ዳርፉር ዋላ እኳ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣዋፊሩ እንተ ሃለወ፡ እቲ ሰራዊት፡ ኣብቲ በቶም ዕጡቓት ብሓይሊ ዝተታሕዘ ዒላማታት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ የካይድ።
ቢቢሲ እቲ ካብታ ብሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እትርከብ ከተማ ኤልፋሸር፡ 35 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ዕዳጋ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ብልክዕ መዓስ ከም ዝተፈጸመን ክንደይ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ተበግሶ ፍትሕን ሰላምን ንዳርፉር ዝተባህለ ካልእ ጕጅለ ተጣባቒ መሰላት፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር፡ እቲ ዝኸፍአ መጥቓዕቲ ቦምባ፡" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕትን ሞት ስቪላውያንን ኣዝዩ ወሲኹ።
ብሰንኪ እቲ ደማዊ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ከም ዝተቕዝፈን፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ ኣሃዝ ዝተፈላለየ ግምታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ብውሕዱ 150 ሽሕ ሰባት በቲ ኲናት ከም ዝተቐትሉ ይእመን።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ ዓጸቦ ስዒቡ፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ንኸቢድ ጥሜት ተቓሊዑ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጥሜትን ቅልውላውን ክገልጽ ከሎ፡ 'ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው' ክብል ኣዊጁ ይርከብ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ በቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዓረብ ዘይኰና ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ንዝብሉ ክሲታት ቀልጢፉ ነጺጉዎ።
እዋናዊ ምዕባለታት እቲ ኲናት
ሰራዊት ሱዳን ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ንቤተመንግስቲ እታ ሃገር ዝሓለፈ ዓርቢ ዳግማይ ተቘጻጺሩ ይርከብ።
ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኖም፡ ኣብ ከባብታት ዳርፉር ቍጽጽሮም ዘሐይሉ ዘለዉ ኰይኖም፡ ሓደሽቲ ከተማታት ኣብ ኢዶም እናእተዉ ይርከቡ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ፡ ኢማራት ዓረብ ንመዓርፎ ነፈርቲ ጫድ ተጠቒማ ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ኣጽዋር ተቕርብ ከም ዘላ ከሲሱ።
ንሱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ጫድ ንጃሜናን ምብራቓዊት ከተማ ኣምጃራስን ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ "ሕጋዊ ዒላማታት" ምዃኖም እዩ ገሊጹ።
ነዚ ምፍርራሕ፡ ጫድ 'ኣዋጅ ኲናት' ዝብል ምላሽ ዝሃበት ኰይና፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ደበና ኲናት ከም ዘንጸላለወ ይግለጽ ኣሎ።