ትራምፕ ካብ ሲኤንኤን ንዝቐረበሉ መድረኽ ክትዕ እውን ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር ክካየድ ዝተመደበ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንካልኣይ ግዜ ክትዕ ተሌቪዥን ከካይድ ካብ ሲኤንኤን ንዝቐረበሉ ዕድመ እውን ነጺጉ።
ሕጽይቲ ሰልፊ ዲሞክራትስ ዝዀነት ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ግን፡ ነቲ ን23 ጥቅምቲ ክካየድ ካብ ሲኤንኤን ዝቐረበ ዕድመ ብጸጋ ተቐቢላቶ ኣላ።
ሕጹይ ሪፓብሊካን ትራምፕ ግን ድምጺ ምሃብ ስለዝተጀመረ "ኣዝዩ ዝደንጐየ" ዕድመ እዩ ብምባል ነቲ ሕቶ ኣይተቐበሎን።
ጕጅለ ጎስጓስ ሃሪስ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ‘ተዓዊተ’ ስለዝበለ ነዚ ዕድመ ክቕበል ከምዘለዎ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ክትዕ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ እታ ምክትል ፕረዚደንት ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ዝበለጸ ብቕዓት ከምዘርኣየት ከምዝኣምኑ ይሕብር።
ትራምፕ፡ ድሕሪ እዚ ትሑት ክትዕ ኣርእዩሉ ዝተበሃለ ብ10 መስከረም ዝተኻየደ መድረኽ፡ ካልእ ከምዘይህሉ ገሊጹ።
ቀዳም ኣብ ዊልሚንግተን ሰሜን ካሮላይና ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰልፊ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሓደ-ንሓደ ክትዕ ዓወት ከምዝረኸበ ብምግላጽ፡ ካልእ ከምኡ ምግባር ግን 'ዝደንጐየ እዩ' ኢሉ።
"ድምጺ ምሃብ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ" ዝበለ ትራምፕ፡ ሃሪስ "ኣመና ትስዓር ስለዘላ" ካልእ ዙርያ ክትዕ ከምዝደለየት ወቒሱ።
ኣደ መንበር ጎስጓስ ሃሪስ-ዋልዝ ጀን ኦማሊ ዲሎን፡ ብቐዳም ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣመሪካውያን ቅድሚ'ቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ፡ ሃሪስን ትራምፕን ክካትዑ ክርእዩ "ካልእ ዕድል ይግብኦም" ኢላ።
"ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ሓደ ግዜ ጥራይ ክትዕ ክግበር ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣመሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ክትዓት ንመረጽቲ ነቶም ሕጹያት ፊት ንፊት ክርእይዎምን ንኣመሪካ ዝሓዝዎ ራእይ ክግምግሙን ፍሉይ ዕድል ይህብ።"
ሃሪስ ብወገና፡ ነቲ ዕድመ ክትዕ "ብጸጋ" ከምዝተቐበለቶን ትራምፕ እውን ክሳተፍ ተስፋ ከምዘለዋን ኣብ ኤክስ ገሊጻ ኣላ።
ሲኤንኤን፡ እቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ክትዕ ከምቲ ኣብ ሰነ ኣብ መንጐ ትራምፕን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዓይነት ትሕዝቶን ኣገባብን ከምዝህልዎ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ እዋን፡ ባይደን ዘርአዮ ድኹም ኣፈጻጽማ፡ ገለ ዲሞክራትስ ሕጹይ ፕረዚደንት ኰይኑ ምቕጻሉ ሕቶ ከልዕሉ ገይርዎም።
ድሕሪ ናይ ሰሙናት ምድንጋር፡ እቲ ፕረዚደንት ንዳግማይ መረጻ ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ፤ እዚ ድማ ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ኰይና ክትቀርብ መንገዲ ጸሪጉ።
ኣብቲ ናይ ትራምፕ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ዝተረኽቡ ገለ መራጽቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ካልእ ዙርያ ክትዕ ክካየድ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።
ደጋፊ ትራምፕ ስቲቭ ካስተላኖ ዝተበሃለ ደጋፊ ትራምፕ፡ "ሓደ ሰብ እንተዘይፈሪሑ ስለምንታይ ተወሳኺ ክትዕ ዘይገብር? ክልቲኦም [ኣብ ዝሓለፈ ክትዕ] ጽቡቕ ስራሕ እዮም ሰሪሖም" ኢሉ።
ሚስተር ካስተላኖ ኣብቲ ዝሓለፈ ክትዕ እቶም ኣለይቲ መድረኽ "ቅሩብ ጸግዒ ዝሓዙ" መሲሎም ከምዝተርኣዩ ብምግላጽ፡ ዳግማይ ክካየድ ንዝኽእል ገለ ቅድመ ኵነታት ክቕመጥ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
"ትራምፕ ኣብ ዝመረጾ መድረኽ [መርበብ] ዳግማይ ክካትዑ ይግባእ" ኢሉ።
ሃሪስ ኣብ ሃገራዊ ዳህሳስ-ድምጺ ካብ ትራምፕ ቅሩብ ጸብለል ከምዝበለት ጻባት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







