ኣርሊን ሃላንድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዝነውሐ ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጥቃዓይ ማንቸስተር ሲቲ ኣርሊን ሃላንድ ምስታ ክለብ ክሳዕ 2034 ክጸንሕ ዘኽእሎ ሓድሽ ናይ ልዕሊ ትሽዓተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ።
እዚ ኖርወጃዊ ኣጥቃይ ምስታ ክለብ ኣብ ዝገበሮም 126 ጸወታታት 111 ሸቶታት ከምዘመዝገበ ይፍለጥ።
ሃላንድ፡ ኣብ 2022 እዩ ካብ ዶርትሙንድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ተጸንቢሩ። ኣብቲ እዋን ዝፈረሞ ውዕል፡ ኣብ 2027 እዩ ዝዛዘም።
ነዚ ሓድሽ ውዕል ስዒቡ ሃላንድ ንትሽዓተ ዓመትን መንፈቕን ክሳብ መበል 34 ዓመት ልደቱ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ክጻወት እዩ።
እዚ ውዕል ኣብ ፕሪምየር ሊግ እቲ ዝነውሐ ኰይኑ፡ ነቲ ኮል ፓልመር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ምስ ቸልሲ ዝፈረሞ ናይ 9 ዓመት ውዕል ዓብሊልዎ ኣሎ።
"ሓድሽ ውዕለይ ብምፍራመይን ምስዛ ዓባይ ክለብ ዝያዳ ግዜ ከሕልፍ ብምኽኣለይን ናይ ብሓቂ ሕጕስ እየ" ክብል ሃላንድ ገሊጹ።
"ማንቸስተር ሲቲ ፍልይቲ ክለብ እያ፣ ብዘደንቑ ደገፍቲን ፍሉያት ሰባትን ዝመልአት ኰይና፡ እዚ ድማ ካብ ካልኦት ሰባት ዝያዳ ንኽትበልጽ ዝሕግዝ ሃዋህው'ዩ።"
ወሲኹ ድማ "ብተወሳኺ [ኣሰልጣኒ] ፔፕ [ጓርድዮላ]፡ ጕጅለ ኣሰልጠንቱ፡ ደቂ ጋንታይን ንዅሎም ኣብታ ክለብ ዘለዉን ከመስግኖም እደሊ፤ ኵሎም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣዝዮም ሓጊዞምኒ እዮም" ኢሉ።
ዳይረክተር ኩዕሶ እግሪ ማን ሲቲ ትክሲኪ በጊሪስታይን፡ "[ሃላንድ] ንነዊሕ እዋን ምፍራሙ፡ ከም ተጻዋታይ ንዕኡ ዘለና ተወፋይነትን ነታ ክለብ ዘለዎ ፍቕሪን ዘርኢ'ዩ" ክብል ርእይቶኡ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንምእማን ዘጸግም ኣሃዛት ሃላንድ
- ሃላንድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ሓንቲ ሸቶ ንምምዝጋብ 91 ደቓይቕ፡ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ድማ 92 ደቓይቕ ይወስደሉ። ዳርጋ ኣብ ሓደ ጸወታ ሓደ ሸቶ የመዝግብ ማለት እዩ። ኣብ ኤፍ.ኤ ካፕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 71 ደቓይቕ ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ሸቶ የመዝግብ።
- ኣብ 2022-23 ምስ ሲቲ ኣብ ዝነበሮ ፈለማይ ዓመተ ስፖርት፡ ኣብ ኵሎም ውድድራት 52 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 79 ደቓይቕ ሓደ ሸቶ ይኸውን ኣሎ። ኩዕሶ ናብ ሸቶ ናይ ምቕያር ደረጃኡ 28.7 ሚእታዊት ነይሩ።
- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኵሉ ውድድራት 38 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 98 ደቓይቕ ሓንቲ ሸቶ ማለት እዩ። ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ድማ ዛጊት 22 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
- ሃላንድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 91 ደቓይቕ ሓንቲ ሸቶ እናመዝገበ ንልዕሊ 5000 ደቓይቕ ዝተጻወተ ኰኾብ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ፕረምየርሊግ እቲ ዝበለጸ ኣሃዝ እዩ። ካብኡ ቀጺሉ ዘሎ መወዳድርቱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 108 ደቓይቕ ሓንቲ ሸቶ ዘመዝግብ ኣጥቃዓይ ሲቲ ነበር ሰርጅዮ ኣጉዌሮ እዩ።
- ድሮ ኣብ ናይ ማንሲቲ ዝርዝር ብሉጻት ኣመዝገብቲ ሸቶታት ፕሪምየር ሊግ፡ ብ79 ሸቶታት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ። ኣጉዌሮ ብ184 ራሒም ስተርሊን ድማ ብ91 ሸቶታት ጥራይ ኣብ ቅድሚኡ ተሰሪዖም ኣለዉ።
- ኣብ ዝርዝር ኣመዝገብቲ ሸቶታት ፕሪምየር ሊግ ድማ ኣብ መበል 61 ደረጃ ይርከብ።
- ሃላንድ፡ ከምዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ሓደ ጸወታ 0.9 ሸቶታት እናመዝገበ እንተቐጺሉ፡ ካብቲ ኣላን ሸረር ኣብ 287 ጸወታ ዘመዝገቦ 260 ሸቶታት ብምብላጽ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናይ ኵሉ ግዜ ዝበዝሐ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 87 ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ዘካየደ ሃላንድ፡ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2029-30 ምስ ኣላን ሸረር ማዕረ ንምዃን፡ ሕጂ ዘለዎ ብቕዓት ምቕጻልን 200 ተኸታታሊ ጸወታታት ምጽዋትን ከድልዮ ኢዩ።
ኣሰልጣኒ ማን ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምፍራሙ ክልተ ኣዋርሕ ጸኒሑ እዩ ሃላንድ ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ ዘሎ።
እዚ ኖርወጃዊ ኣጥቃዓይ ካብ ጀርመን ናብዛ ክለብ ካብ ዝጽንበር ንደሓር፡ ክልተ ግዜ ፕሪምየር ሊግ፡ ሓደ ግዜ ኤፍ.ኤ ካፕ፡ ሓደ ግዜ ሻምፕዮንስ ሊግን ሓደ ግዜ ድማ ሱፐር ካፕን ተዓዊቱ ኣሎ።
ኣቦኡ ኣከፋፋሊ ሲቲ ነበር ኣልፍ-ኢንገ ዝዀነ ሃላንድ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ምስ ሲቲ ኣብ ዘካየዶም 28 ጸወታታት 21 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ማን ሲቲ ካብታ ነቲ ሊግ ትመርሕ ዘላ ሊቨርፑል ብ12 ነጥቢ ድሒራ ትርከብ።
ሃላንድ ውዕል ዘሐድስ ዘሎ፡ ሲቲ ውጽኢት ዲሲፕሊናዊ ክስታት ኣብ እትጽበየሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
እታ ክለብ ገበነኛ ኰይና እንተተረኺባ፡ ዓቢ እገዳ ከጋጥማ ተኽእሎ ኣሎ።
ማን ሲቲ ግን ነቶም ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረቡ 115 ክስታት ብምንጻግ ዝዀነ ጥሕሰት ከምዘይፈጸመት እያ ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







