ፓሪስ ኦሎምፒክ፡ ታምራት ቶላ ኣብ ውድድር ማራቶን ወርቂ ተዓዊቱ

ታምራት ቶላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታምራት ቶላ ወርቂ መዳልያ ተዓዊቱ።

ታምራት ቶላ ነቲ ኣስታት 42 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ውድድር ብ2፡06፡26 እዩ ዛዚሙ።

ነዚ ስዒቡ ክብረወሰን ኦሎምፒክ እውን ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ቤልጅማዊ በሽር ዓብዲ ካልኣይ ክኸውን ከሎ፡ ኬንያዊ ቤንሰን ኪፕሩቶ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም።

ኣብዚ ውድድር ካሊእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ደረሰ ገላታ 5ይ ኰይኑ ወዲኡ። ቀነኒሳ በቀለ ካብ ታምራት ብ5 ደቂቅን 58 ካልኢትን ድሒሩ መበል 39 ደረጃ’ዩ ዛዚሙ።

ታምራት ኣብ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክ ብምዕዋት ምስ ታሪኽ ኣበበ በቂላ፡ ማሞ ወልዴን ገዛሀኝ ኣበራን ኣብ ታሪኽ ክሰፍር ክኢሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ውድድር ማራቶን ወርቂ ዝተዓወተት ቅድሚ 24 ዓመት ኣብ 2000 ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ውድድር ኢዩ።

ታምራት ቶላ ዝረኸቦ ወርቂ፡ ነታ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ውጽኢት ዝረሓቓ ኢትዮጵያ ዓቢ ዓወት ምዃኑ እውን ተገሊጹ።