ፑቲን፡ ንሩስያ 'ክከናኸን' ዝተዋህቦ ሓደራ 25 ዓመታት ስልጣን ሒዙ ተግቢርዎ ዶ?

መወዳእታ መዓልቲ ዓመት 1999፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ፍጹም ዘይርሳዕ ፍጻመ ዝተኸሰተላ ዕለት እያ ነይራ።

ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ከም ኣወሃሃዲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ስቲቭ ሮዝበርግ፡ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሩስያ ዝነበረ ቦሪስ የልሲን ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ሃንደበት ሰበር ዜና ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ዝወሰኖ ውሳነ፡ ኣብ ሞስኮ ንዝነበራ ማዕከናት ዜና ኣስደመመ። እዚ ዜና ሃንደበት ኣብ ዝተቓልሓሉ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ዋላ ሓደ ሪፖርተር ኣይነበረን። እዚ ማለት፡ ነቲ ዜና ኣብ ምጽሓፍን ምቅላሕን ብምእታው፡ ኣብ ቢቢሲ መጀመርታይ ዝዀነ መደቡ ከምዘዳለወ፡ ስቲቭ ነቲ ርብዒ ዘመን ሓለፎ ፍጻመ ይዝክር።

"ቦሪስ የልሲን እብረ ስልጣኑ ክሳብ ዝዛዘም ኣብ መንግስትነቱ ከምዝጸንሕ እዩ ዝገልጽ ነይሩ፤ ሎሚ ግን ሓሳቡ ከም ዝቐየረ ንሩስያውያን ተዛሪቡ ኣሎ" ኢለ ጸሓፍኩ።

እዚ እዋን፡ ቭላድሚር ፑቲን መራሒ ሩስያ ዝዀነሉ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሩስያ፡ የልሲን ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ፑቲን ግዝያዊ ፕረዚደንት ኰነ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊተ።

የልሲን ካብ ክረምሊን ክሰናበት እንከሎ፡ ንፑቲን ዝሃቦ ሓደራ "ንሩስያ ተኸናኸና" ዝብል'ዩ ነይሩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ሳልሳይ ዓመቱ ኣብ ዝሕዘሉ ዘሎ እዋን፡ቃላት የልሲን የዘኻኽረኒ ክብል፡ ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ይገልጽ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ወራር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ዕንወት ብምስዓቡ እዩ።

ብቐንዱ ድማ ንዩክረይን- ከተማታታ ከቢድ ዕንወትን ጉድኣትን ወሪድወን እዩ። ኣስታት 20 ሚእታዊት ግዝኣታ ብሓይልታት ሩስያ ተታሒዙ፤ 10 ሚልዮን ዜጋታታ ተመዛቢሎም እዮም።

ሩስያ'ውን ከምኡ።

ቭላድሚር ፑቲን "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ንምክያድ ካብ ዝውስን ኣትሒዙ፡ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢሙዋ ኣሎ።

ከተማታት ሩስያ ኣደዳ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮን ይዀና፤ ወተሃደራት ዩክረይን ንገለ ክፋል ዞባ ኩርስክ ሩስያ ተቘጻጺሮም ኣለዉ።

ዓለምለኻዊ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ቍጠባ ሩስያ ከቢድ ሃሰያ የውርዱ፣ ዲሞግራፊያዊ ኵነታት እታ ሃገር'ውን ዘሰክፍ ኰይኑ ኣሎ።

ዘቤታዊ መድቆስቲ'ውን ብቕልጡፍ ክብ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ 31 ታሕሳስ 1999፡ ሓድሽ መራሒ ሩስያ ድሕሪ ክልተ ዓሰርተታት ዓመትን መንፈቕን (25 ዓመታት) ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ዩ ኢሉ ዝሓሰበ ዳርጋ ኣይነብረን። እታ ናይ ትማሊ ሩስያ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ክትእውጅን ኣንጻር ምዕራባውያን ክትገጥምን መን ይሓስቦ?

'የልሲን፡ ካልእ ዝትክኦ ሰብ እንተዝመዝዝ፡ ኣካይዳ ታሪኽ ኣዝዩ ዝተፈለየ 'ዶ ምዀነ? ኢለ ኵሉ ግዜ እሓትት፡' ይብል ስቲቭ።

ብርግጽ እዚ ሕቶ ክልሰ ሓሳባዊ እዩ። ታሪኽ፡ ብእንተን ምናልባትን ዝተመልአ እዩ።

ሓደ ብርግጸኛነት ክበሃል ዝከኣል ግን፡ ኣብ 25 ዓመታት ዝተፈላለዩ ፑቲናት ከምዝተራእዩ ይግለጽ።

ሓላፊ ኔቶ ነበር ሎርድ ሮበርትሰን፡ "እቲ ቅድም ዝረኸብክዎ ፑቲን፡ ቤት ምኽሪ ኔቶ ኣብ ሩስያ ዘቘመ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ስርሓት ዝሰርሐ ሰብ ኣዩ ነይሩ፤ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ጻምእ-ስልጣን ፑቲን ኣመና ዝተፈለየ እዩ" ክብል ኣብ 2023 ገሊጽዎ ነይሩ።

"ክሳብ ግንቦት 2022፡ ዩክረይን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ናይ ባዕላ ውሳነታት ክትውስን ትኽእል ልኡላዊትን ነጻን ሃገር እያ ዝብል ዝነበረ ፑቲን፡ ሕጂ ግን ዩክረይን ሃገር ኣይኰነትን እዩ ዝብል ዘሎ።"

"እቲ ናይ ትማሊ ፑቲን ብቐሊሉ ዝሓርቕን ንሃገሩ ዓቢይ ትንቢት ዝነበሮን'ዩ። ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዓለም እታ ካልአይቲ ዝሓየለት ሃገር'ያ ነይራ። ምንቍልቋል ሶቭየት ንመንነቱ ዝጸለዎ እመስለኒ" ይብል። እታ ናይ ትማሊ ሩስያ (ኣብ ግዜዘ ሶቭየት ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ዝሓየለትን ጸላዊትን ሃገር) ሕጂ የላን።

እዚ ኣብ ፑቲን ንዝረኣናዮ ለውጢ ሓደ መግለጺ'ዩ፤ "ሩስያ ዳግማይ ዓባይ ንምግባር" (ሞስኮ ኣብ ዝሑል ኲናት ከም ዝተሰዓረት ብዙሓት ንዝግንዘብዎ ንምክሕሓስ) ዝብል ትንቢት ፑቲን፡ ሩስያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ምዕራባውያንን ኣብ ግጭት ክትሽመም ደሪኹ።

ክረምሊን ግን፡ ካብዚ ዝተፈለየ መብርሂ እዩ ዘለዎ።

ካብ ዝገበሮም መደረታትን ዝሃቦም ርእይቶታትን፡ ፑቲን ብሕርቃን ዝተደረኸ'ዩ ዝመስል። ሩስያ ንዓመታት ብምዕራባውያን ከም ዝተሓሰወት፤ ከም ዘይተኸበረትን ዘለዋ ስግኣት ጸጥታ ከም ዝተነጽገን እዩ ዝገልጽ።

ፑቲን ግን ንርእሱ፡ነቲ የልሲን "ንሩስያ ንምክንኻን" ንዝሃቦ ሓደራ ከም ዘዐወተ ይኣምን'ዶ?

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርክ ነዚ ንምፍላጥ ዕድል ነይርዎ።

ኣብ መዛዘሚ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሕቶ ክሓትት እቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ተዓዲሙ።

"ቦሪስ የልሲን፡ ንሩስያ ክትከናኸን ተላብዩካ'ዩ" ብምባል፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣዘኻኸሮ። "ግን ኣብቲ 'ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት' ትብሎ ዘጋጠመ ከቢድ ክሳራታት እንታይ'ዩ?፣ ህላወ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዞባ ኩርስክ፣ ናህሪ ዋጋን ካልእን ንሃገርካ ዝተኸናኸንካ'ዶ ይመስለካ?" ብምባል ሓተቶ።

"እወ" ክብል እቲ ፕረዝደንት መለሰ። "ምክንኻን ጥራይ ዘይኰነ ግን ካብ ጫፍ ደልሃመት ወጺእና ኣለና" ዝብል ምላሽ ብምሃብ፡ እታ ኣብ ግዜ የልሲን ዝነበረት ሩስያ ልኡላውነታ ስኢና ዝነበረት ሃገር ገይሩ ኣቕሪብዋ።

ንምዕራባውያን ሃገራት፡ "መንኰብ የልሲን ዐናጠብጠባ" (ሓቀኛ ዘይኮነ ኣፍልጦን ምሕዝነትን ብምሃብ)፡ "ንሩስያ ንናይ ባዕለን ዕላማታት ብምጥቃም" ከሲሱወን።

ፑቲን ንርእሱ ግን፡ ሩስያ "ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ምዃና ንምርግጋጽ ኵሉ ይገብር" ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ንርእሱ ንልኡላውነት ሩስያ ተሓላቒ ገይሩ ብምቕራብ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝወለዖ ኲናት ከም ቅቡልን ልኡላውነትን ሃገሩ ንምክልኻል ገይሩ እዩ ዘቕርብ? ወይ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሩስያ ዝሰፍር ምዃኑ እዩ ዝኣምን ርግጽ ኣይኰነን።

እንተዀነ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ።

እዚ መልሲ፡ እቲ ኲናት ብኸመይ ከም ዝዛዘምን ኣብ ኣንፈት መጻኢ ሩስያ ጽልዋ የሕድርን ብዝብል ብሕጂ እዩ ክርአ።