ኣብ ዓለም እቲ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ኣብ 92 ዓመቱ ንሻሙናይ እብረ ክወደደር እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
92 ዝዕድመኡ ሽማግለ ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ፕረዚደንት'ዩ።
ን43 ዓመታት ንካሜሮን ዝመርሓ ፓል ቢያ ዝመጽአ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንሻሙናይ እብረ ንኽምረጽን ንዝመጽእ ሸውዓት ዓመታት ነታ ሃገር ንኽመርሕን ክወዳደር ከምዝደሊ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ "ንዓኹም ንምግልጋል ዘለኒ ቈራጽነት ምስ ህጹጽነት ናይቲ ዘጋጥመና ብድሆታት ዝሰማማዕ ምዃኑ ተኣማመኑ" ብምባል ንኽወዳደር ድሉው ምህላዉ ሓቢሩ።
ንሻሙናይ እብረ ንኽወዳደር፡ እቲ ሓሳብን ጻውዒትን ካብ ኵሉ ዞባታታትን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡን ካሜሩናውያን ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ምምሕዳር ፖል ቢያ፡ ብብልሽውናን ምብኻን ሃብቲ ሃገርን ከምኡ ከኣ ብሕማቕ ምሕደራን ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ኣይክኣለን ተባሂሉን ብተደጋጋሚ ነቐፌታታት ይበጽሖ'ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ጥዕና ፓል ቢያን ክእለት ምሕደራኡን'ውን ሻቕሎት ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙናት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ምስ ተኸወለ፡ ብኸቢድ ሓሚሙን ሞይቱን ዝብል ወረታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ነይሩ።
ንሻሙናይ እብረ ክወዳደር ከምዝኽእል ጥርጣረታት ነይሩ'ዩ እንተዀነ ክሳብ ባዕሉ ዝሕብር፡ 'ኣይውዕሎን'ባ ይኸውን!' ዝብሉ'ውን ነይሮም'ዮም።
ፖል ቢያ ኣብ 1982 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሸውዓተ ግዜ ተወዳዲሩ ሸውዓተ ግዜ ክዕወት ክኢሉ'ዩ። ሕጂ ንሻሙናይ ግዜኡ ተወዳዲሩ እንተተዓዊቱ ከኣ ዕድመ ስልጣኑ ናብ 100 ዓመቱ ምስ ተገማገመ'ዩ ከብቅዕ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ወሪዱ ንንኣሽቱ ወለዶ ዕድል ስልጣን ክህብ ካብ ብዙሓት ጻውዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ሰሜን ካሜሮን ቀንዲ መሻርኽቱ ዝነበሩ ፖሎቲካውን መራሕቲ ካብኡ ተፈልዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ሰልፍታት ስለዝመስረቱ እቲ ዝለመዶ ዓወት ክስእኖ ከምዝኽእል ዝግምቱ'ውን ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Michel Mvondo / BBC
ኣዝዩ ጸላዊ ምኒስተር ትቺሮማ ባካሪ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ኔሎ ባውባ ማይጋረ ምስ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ናይ ሰልፍታት ኪዳን ብምምስራት'ዮም ዝወዳደሩ ነይሮም። ሕጂ ግን ምሳኻ ውህደት ኣይንፈጥር ኢና ብምባል ንሶም'ውን ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ትቺሮማ ባካሪ፡ መንግስቲ ህዝባዊ እምነት ይጎድሎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ቀንዲ መቐናቕንቲ ፖል ቢያ ኰይኖም ክቐርቡ ምዃኖም ብወግዒ ሓቢሩ።
ብዙሓት ልሉያት ፖሎቲከኛታት ከም ኣብ 2018 ንፕረዚደንትን ተወዳዲራ ዝነበረት ማውሪስ ካምቶ፡ ጀሽዋ ኦሲህ፡ ኣከረ ሙናን ካብራል ሊብን'ውን ንፕረዚደንትን ክወዳደሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።
እንተዀነ ኣባላት እቲ ፖል ቢያ ዝመርሖ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ካሜሮን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ፖል ቢያ ሕጹይ ኰይኑ ክቐርብ ከምዝደልዩ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ፖል ቢያ ኣብ 2008፡ ገደብ ዕድመ ስልጣን ብምስራዝ ክሳብ ዝደለዮ እዋን ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዘኽእሎ ዕድል ፈጢሩ።
ኣብ 2018 ልዕሊ 71 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ፡ እንተዀነ ተቓወምቲ ኣብቲ መረጻ ምጥፍፋእ ድምጺ ከምዝነበረ ይኸሱ።
እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት ንሻሙናይ እብረ ስልጣን ክወዳደር ከምዝደሊ ምስ ሓበረ፡ ቢቢሲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሮን ያውንደ፡ ኣብዚ ዛዕባ ርእይቶ ክህቡ ዝሓተቶም ሓያለ ሰባት፡ ኣብ ፖለቲካ ብኽፉት ርእይቶ ንኽህቡ ድሕነት ከምዘይስምዖም ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Michel Mvondo / BBC
እንተዀነ ሽሞም፡ ዕድመኦምን ስርሖምን ከይተገለጸ ርእይቶኦም ክሰፍር ከምዝኽእል ዝገለጹ ግን ኣይተሳኣኑን።
ሓደ፡ "ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ዓለም ዕድመኡ ክንድዚ ዝዀነ ሰብ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር'የ ክብል ንመጀመርታ ኢና ንሰምዕ ዘለና" ኢሉ።
ካሚለ ኢሰለም ዝተብሃለ ካሜሩናዊ ከኣ "ኣነ ሕጅስ ስልጣኑ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ኣረኪቡ ከዕርፍ'ዩ ዝብል ርእይቶ'ዩ ነይሩኒ" ኢሉ።
እንተዀነ ፖል ቢያ ንዝመጽእ ሸውዓት ዓመት ኣብ መሪሕነት ንምጽናሕ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምውሳኑ ብሓጎስ ዝተቐበልዎ'ውን ኣለዉ።
ንጎኖ ሞሪስ፡ "እኹል ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ኣለዎ፣ ንህዝቢ ካሜሮን ገና ከገልግሎ ድሉው ኣለኹ ካብ በለ ጽቡቕ ነገር'ዩ፡" ትብል።
ሲልቭያ ቲፓ ኣብ ያውንደ ኣማኻሪት ትካላት'ያ።
ንሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ዋላ ድኣ ኣብ ዲሞክራስን ለውጢን ትድግፍ እንተዀነት፡ ኣብዚ እዋን ንካሜሮን ካብ ፖል ቢያ ዝሓይሽ ሰብ ከምዘየለ ትኣመን።
"ክሳብ ሕጂ ነዛ ሃገር ብዙሕ ነገር ገይሩ'ዩ፣ ግጭታት ኣብ ምፍታሕን ካልእን ዘለዎ ብቕዓት ክንዕዘብ ክኢልና ኢና፡" ብምባል፡ ንሱ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽንሑ ፍቓድ ኣምላኽ ስለዝዀነ'ዩ ብምባል ብጸጋ ከምእትቕበሎ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







