ኣብ 82 ዓመቱ ዝዓረፈ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ሙሓመዱ ቡሃሪ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ሙሓመዱ ቡሃሪ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቦላ ቲኑቡ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ፕረደዚንት ቡሃሪ ኣብ ለንደን ንግሆ ሰዓት 10፡30፡ ንነዊሕ እዋን ብዝሓደሮ ሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡" ኢሉ።
ቡሃሪ ኣብ መንጐ ወተሃደራውያንን ሲቪላውያንን ፖለቲከኛታት ናይጀርያ ብቕንዕና ዝፍለጥ ሰብ ነይሩ።
ተኸታሊ እምነት እስልምና ዝዀነ ቡሃሪ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀሪያ ኣብ እትርከብ ካትቲና ብመሰረት ስነ-ስርዓት እስላም ከም ዝቕበር ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።
ወዲ 82 ዓመት ቡሃሪ፡ ብ1980ታት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ዳግም ኣብ መረጻ ብምውድዳር ስልጣን ዝሓዘ ፈላማይ ፕረዚደንት እዩ ነይሩ።
ንሱ ብዝነበሮ መርገጺ ጸረ-ብልሽውና ብዙሓት ሰዓብቲ ከጥሪ ክኢሉ ነይሩ'ዩ።
ንርእሱ "ዝተቐየረ ዲሞክራት" ኢሉ ምጽዋዕ ዝፈቱ ቡሃሪ፡ ወተሃደራዊ ክዳኑ ብምግዳፍ ቆቢዕን ባህላዊ ክዳን ናይጀርያን ከዘውትር ጀሚሩ።
"ኣነ ናይ ኵሉ'የ፤ ናይ ማንም ኣይኰንኩን፡" ብምባል ንደገፍቱን ተቓወምቱን ብተደጋጋሚ ይዛረብ ነይሩ።
ክሳብ 2015 [ኣ.ኤ]፡ ናይታ ሃገር ፈላማይ ፍትሓዊ ንሕንሕ ተባሂሉ ኣብ ዝውደስ መረጻ ንጉድላክ ጆናታን ስዒርዎ።
ድሕሪኡ ግን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ተሓጺሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ክሰፍሕ ጀሚሩ።
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዝርከቡ ዕጡቓት ተገንጸልቲን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ዘለው በጋሚንዶታትን ሰሜናዊ ናይጀርያ ካብ ቍጽጽር ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ወጻኢ ክኸውን ገይሮም።
ቡሃሪ፡ ወተሃደራዊን ሲቪላውን ኣዛዚ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዝኡ ብልሽውና ምክልኻል ኣጀንዳኡ ይገብር ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ናይጀሪያ፡ ሱር ዝሰደደ ብልሽውና፡ ሰባት ንድሕሪት ይጐትት'ዩ ዘሎ ኢሉ ይኣምን ነይሩ።
ኣብ መበል 82 ዓመቱ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ሕክምና እንከሎ ዝዓረፈ ፕረዚደንት ነበር ቡሃሪ፡ ወተሃደራዊ ጀነራል እዩ ነይሩ።
ንርእሱ ዝተቐየረ ዲሞክራት ገይሩ ብመረጻ ናብ ስልጣን'ኳ እንተተመለሰ፡ ንናይጀርያውያን ዝኣተዎ መብጽዓታት ከም ዘዐውት ንምእማን ግን ብዙሕ'ዩ ተቓሊሱ።
'ኣቦይ ብዘገምታ'
ቡሃሪ ብ2015 ስልጣን ምስሓዘ ግን፡ ንብዙሓት ከሐጕስ ኣይከኣለን።
ቦኮ ሓራም ኣስታት 300 ደቀንስትዮ ተመሃሮ ካብ ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር ከተማ ቺቦክ ጨውዩ ምስ ወሰደ'ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ቡሃሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመነ ስልጣኑ ካቢነ ንምሻም ሽዱሽተ ኣዋርሕ'ዩ ወሲድሉ።
ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ነዳዲ ዝተሞርኰሰ ቍጠባ እታ ሃገር፡ ብሰንኪ ትሑት ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ተዳኺሙ ስለ ዝነበረ፡ ሰባት "ኣቦይ ብዘገምታ" (Baba Go Slow) ዝብል ሳጓ ሂቦምዎ።
ብድኻታት፡ ብፍላይ ብብዝሒ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ብዝርከቡ እስላም ዝፍቶ ዝነበረ ቡሃሪ፡ ብ2019 ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መረጻ ተዓዊቱ።
ዋላ'ኳ ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ስልጣን ዘመኑ ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተባህለ ቍጠባዊ ውድቀት እንተኣጋጠመ፡ ዕጡቓት ነዳዲ ኣብ ዝፈርየሎም ከባቢታት መጥቃዕቲ እንተፈጸሙ፡ ወግዓዊ ብዘይኰነ ሕማም ብተደጋጋሚ ናብ ሆስፒታል ይኣቱ እንተነበረ፡ ዳግም ኣብቲ መረጻ ክዕወት ክኢሉ።
ቡሃሪ፡ ቍጠባ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ብ1980ታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘይሰመረሉ መስርሕ ግብራዊ ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መተዓዳደጊ ባጤራ እታ ሃገር 'ንሃገራዊ ሓበን' ብዝብል ብሰብ ሰርሖ መገዲ ልዑል ዋጋ ሂብካ ምጽናሕ ዝብል መገዲ መሪጹ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ መጀመርታ እብረ ስልጣኑ፡ ኣይኤምኤፍ ዋጋ ናይራ [ባጤራ ናይጀርያ] ንኽንኪ ዝሃቦ ምኽሪ ዕሽሽ እዩ ኢሉዎ።
ብ2022፡ ኣብ ኒጀር ደልታ ስርቂ ዘይተጻረየ ነዳዲ ስለ ዘጋጠመ፡ እታ ሃገር ኣብ ታሪኽ 20 ዓመታት ኣዝዩ ትሑት ምህርቲ ነዳዲ እያ ናብ ወጻኢ ልኢኻ።
እቶም ዝወስዶም ዝነበሩ ጸረ-ብልሽውና ስጕምቲታት ድማ፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክመጽኡ ኣይገብርን ዘሎ ዝብል ሓያል ነቐፌታ የስዕበሉ ነይሩ።
ብ2020፡ ጭካነ ፖሊስ ብምቅዋም ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ሰልፊታት ተቓውሞን ዘይምርግጋኣትን ተላዒሎም።
እዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ብ1999 ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ካብ ዘብቅዕ ንደሓር ዝተርኣየ ሰፊሕ ህዝባዊ ዓመጽ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ተደጋጋሚ ፈተነ
ብ17 ታሕሳስ 1942 [ኣ.ኤ] ኣብ ግዝኣት ዳውራ ከተማ ካስቲና ዝተወልደ ቡሃሪ፡ ኣብ መበል 19 ዓመቱ እዩ ናብ ውትህድርና ኣትዩ።
ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ድማ ክሳብ ሜጀር ጀነራልነት ኣገልጊሉ።
ብ1983፡ ዝተዛብዐ ምሕደራ እታ ሃገር ንምሕዳስ ብምምብጻዕ ብወተሃደራዊ መሪሕነት ስልጣን እታ ሃገር ሒዙ።
ትካል ገንዘብ ዓለም ዘቐመጦ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ኣብ ኵሎም ጕዳያት እታ ሃገር ሓያል ስጕምቲታት ወሲዱ።
ብ1984፡ ምምሕዳሩ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ዝነበረ ምኒስተር ነበርን ቀንዲ ነቓፊኡን ክጨውዮ ፈቲኑ ነይሩ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን፡ ሰብ መዚ ነዚ ዝተጨወየ ፖለቲከኛ ዝሓዘ ሳንዱቕ ምስ ከፈቱዎ፡ እቲ ፈተነ ፈሺሉ።
ናይ መጀመርታ ናይ ስልጣን ጻንሒቱ ኣዝዩ ሓጺር እዩ ነይሩ።
ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ብኻልእ ወተሃደራዊ መራሒ ኢብራሂም ባባንጊዳ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ድሕሪኡ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሓያል ጽልዋ ዘይነበሮም ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብምስታፍ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዝጸንሐ ቡሃሪ፡ ብ2015 ንጉድላክ ጆናታን ስዒሩ ፕረዚደንት ኰይኑ።
ኣብ 2015 ዳግም ቅድሚ ምዕዋቱ ሰለስተ ግዜ እዩ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ።
ንሱ፡ ኣብ ፕሮግራማት ማሕበራዊ ድሕነት፡ ህንጸት መስመራት ባቡር፡ ጽርግያታት፡ ሓጽቢታት፡ መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡ'ዉን መሰረተ ልምዓት ጽዓት ብምስፋሕ ህይወት ናይጀሪያውያን ንምምሕያሽ ከም ዝሕልን'ዩ ዝዛረብ ነይሩ።
እዚኦም፡ ዓንዲ ቍጠባ እታ ሃገር እዮም ይብል ነይሩ።
ናይጀርያውያን ብተደጋጋሚ ናብ ሆስፒታል ብዛዕባ ዝኣቱ ዝነበረ መራሒኦም እኹል ሓበሬታ ከይረኸቡ፡ ነዚ ዓቢይ ሓላፍነት ብቝዕ ድዩ ዝብል ሕቶ እናሓተቱ ዓመታት እዮም ሓሊፎም።
ቡሃሪ፡ ክልተ ግዜ ሓዳር ዝመስረተ ኰይኑ፡ ካብ ፈላመይቲ በዓልቲ ቤቱ ሳፊናቱ ዩሱፍን (1971-1988)፡ ቀጺሉ ብ1989 ካብ ዝተመርዓዋ ኣይሻ ሃሊሉን ዓሰርተ ቈልዑ ወሊዱ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







