እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣይተ ክርስቲያንን ኣይተ ዮሃንስን "ሕማሞም ከም ዝገደዶም" ስድርኦም ተዛሪቦም
ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ቃሊቲ ዝርከቡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ክርስቲያን ታደለን ኣባል ባይቶ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለውን፡ "ንከቢድ ሕማም ከም ዝተቓልዑ"፡ ስድርኦም ንቢቢሲ ገሊፆም።
ሽሞም ከይፅራሕ ዝሓተቱ እዞም ናይ ቀረባ ቤተሰቦም፡ እቶም እሱራት መጥባሕቲ ሕክምና ምስ ተገበረሎም፡ "ዘየቋርፅ ምፍሳስ ደም ከም ዘጋጠሞም" ገሊፆም።
ጠበቕኦም ኣይተ ሰለሞን ገዛኸኝ፡ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት "ብተደጋጋሚ ጥርዓን" ቅድሚ ክልተ ሰሙን መጥባሕቲ ሕክምና ከም ዝገበሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ስድራቤት እቶም እሱራት፡ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ሕክምና፡ ክልቲኦም ኣብ ሆስፒታል ክፀንሑ እኳ ተነጊርዎም እንተነበረ፡ ሰብመዚ ጸጥታ "እምቢ ብምባል ኣብ ሰዓታት ኣፈላላይ ብመኪና ፅዒኖም ናብ ቤት-ማእሰርቲ መሊሰሞም" ኢሎም።
ናይ ኣይተ ክርስትያን ናይ ቀረባ ዘመድ፡ "ቁስሉ ኣይደረቐን፤ ደም'ውን ይፈስሶ ኣሎ። ሓኻይም ምፍሳስ ደም ከጋጥም ከም ዝኽእልን፡ እዚ ምስ ዘጋጥም ናብ ሕክምና ኣምፅእዎ ኢሎም ነይሮም"።
እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ ሕክምና መጥባሕቲ ናብ ሆስፒታል ከም ዘይተወሰዱ ሓቢሮም።
ነቲ ሕክምና ስዒቡ ንዘጋጥም ምፍሳስ ደም መዐገሲ ከም ዝተውሃቦም ዘዘኻኸሩ ስድራ እቶም እሱራት፡ "ዝተውሃቦም መድሓኒት ንሕማሞም ንምዕጋስ ቀቀልጢፎም ይወስድዎ ስለ ዝነበሩ ወዲኦም'ዮም" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣባል ስድራ ኣይተ ዮሃንስ፡ "ትማሊ ምሸት መዐገሲ መድሓኒት ሒዝና ከይድና፡ ክትኣትዉ ኣይትኽእሉን ተባሂልና። ንምንታይ? ኢልና። 'ክቕየር እዩ' ኢሎምና። ክሳብ ትማሊ ግና፡ ንሳቶም ኣይኸዱን ኢሎምና ነይሮም። ትማሊ ሃንደበት፡ 'ስለ ዝወፅእ ምግቢ ክተእትዉ ኣይትኽእሉን፤ መድሓኒት'ውን ኣይኣትውን' ኢሎም ከልኪሎምና" ኢሉ።
ኣባል ስድራ ኣይተ ክርስቲያን'ውን ብተመሳሳሊ፡ "ትማሊ ምግብን መዐገስን ሒዝና ከይድና፡ ዘእትወና ስለ ዘየለ ተመሊስና" ኢሉ።
ኮሚሽን ቤት-ህንፀት (ቤትማእሰርቲ) ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሸውዓተ ታሕሳስ 2017 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እሱራት ካብ ቤት-ማእሰርቲ ቃሊቲ ኣብ ከባቢ ገላን ናብ ዝርከብ ብልሙድ እንዳ ኣባ ሳሙኤል ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቤት-ማእሰርቲ ከም ዝዘዋወር ኣፍሊጡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት-ማእሰርቲ ቃሊቲ ይወሃብ ዝነበረ ምብፃሕ እሱራትን ኣገልግሎት ስራሕ ቤት-ፅሕፈትን፡ ካብ 08 ታሕሳስ ክሳብ 13 ታሕሳስ 2017 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከም ዝቋረፅ" ይሕብር።
እቲ ኮሚሽን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ጀሚሩ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት፡ ካብ ሎሚ 14 ታሕሳስ ጀሚሩ ዳግማይ ከም ዝጅምር ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ ስድራ ኣይተ ክርስቲያንን ኣይተ ዮሃንስን፡ ሎምመዓልቲ'ውን ምግቢ ምእታው ኰነ ነቶም እሱራት ክበጽሑኡ ከም ዘይከኣሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ቤት-ህንፀት ፌደራል ኣይተ ገረመው ኣያሌው ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
ኣኽባሪ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት'ዩ፡ ንሕጊ ገበንን ኣዋጅ ፀረ ግብረራዕድን ብምፅራሕ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለውን ኣይተ ክርስትያን ታደለን ክሲ መስሪቱ።
እዚ ብእኒ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለው ሽም ዝፅዋዕ መዝገብ ክሲ፡ ካልኦት 50 ውልቀሰባትን ፖለቲከኛታትን ዘካተተ እዩ።
እቶም ውልቀሰባት፡ ኣብ መወዳእታ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብዝዛመድ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተዉ፡ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ክሲ ከይተመስረተሎም ፀኒሖም ነይሮም።
ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 12 ገፃት ዝሓዘ ተቓውሞ ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ከም ዘቕረቡ ይዝከር።