እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓካይም ዝርከብዎም 15 ሰባት ዝፈጸመቶ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሕቶታት ኣልዒሉ
ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ንዝቐተለቶም 15 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ዝምልከት ናጻ ዓለምለኻዊ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።
እቲ ትካል ካብ ተለፎን ናይ ሓደ ኣባል ናይቶም ብ23 መጋቢት ናብ ኣምቡላስ ብዝተተኰሶም ዝተቐትሉ ሸሞንተ ተሓጋገዝቲ ሓኪም ዝረኸቦ ቪድዮ ኣካፊሉ፣ "ከቢድ ገበን ኲናት፡" ክብል ድማ ገሊጹዎ።
እቶም ነዚ ተግባር'ዚ ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ክዀኑ'ውን ሓቲቱ።
ሰራዊት እስራኤል፡ "መባእታዊ መርመራ ከም ዘመልክቶ" ኢሉ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራት፡ "ቅድሚ'ቲ ፍጻመ ኣብቲ ከባቢ ዘስግእ ነገር ስለ ዝርኣዩ ተዅሲ ከፊቶም፡" ኢሉ።
ሽዱሽተ ካብ'ቶም ዝተቐትሉ 'ኣሸበርቲ ሓማስ' ምዃኖም እኳ እንተገለጸ፡ መርትዖታት ግን ኣየቕረበን።
ሓደ ብህይወት ዝሰረረ ኣባል ቀይሕ ወርሒ፡ መሳርሕቱ ምስ ዝዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ምትእስሳር ከም ዘይነበሮም ብምሕባር፡ ንመግለጺ ሰራዊት እስራኤል ነጺጉ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ወተሃደራቱ መብራህቲ ኣጥፊአን ኣብ ልዕሊ ዝጓዓዛ ዝነበራ "ጥርጡራት መካይን" ከም ዝተኰሱ እዩ መጀመርታ ሓበሬታ ሂቡ።
ብሰንበት፡ እቶም ኣባላት ህይወት ኣድሕን፡ መብራህቲ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐ፡ እስራኤል እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ጸብጻብ "ጌጋ" ምንባሩ ተኣሚና።
ካብ ዝሞቱ ድሕሪ ሰሙን፡ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ከባቢ ብውሑስ መንገዲ ክኣቱ ምስ ከኣለ፡ ሸሞንተ ሬሳታት ናይ ኣባላት ቀይሕ ወርሒ፡ ሽዱሽተ ናይ ህጹጽ ደገፍ ዝህቡ ኣባላት ምክልኻል ስቪልን ናይ ሓደ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራትን ዝሓዘ ጋህሲ ተረኺቡ።
እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተዘርግሐ ናይ 18 ደቓይቕ ቪድዮ፡ ብኣባል ህይወት ኣድሕን ቀይሕ ወርሒ ሪፋት ሬድዋን ዝተቐድሐ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣምቡላንሶም ብለይቲ ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጽርግያ እናተጓዕዘት ከላ፡ ምስ መሳርሕቱ ኣሳድ ኣል ናሳስራ (ደሃዩ ዘይተረኽበ) ክዛረብ ይስማዕ።
ብድሕሪኡ፡ ካልኣይቲ ኣምቡላንስ ካብቲ ካልእ ኣንፈት ትቐርብ'ሞ፡ ሬድዋንን ናሳስራን ምስ መራሒኣ ድሕሪ ምዕላሎም ኣሰንዮሞም ክጓዓዙ ይውስኑ።
ድሒሩ፡ ሞተር መጥፍኢት ሓዊን ሳልሰይቲ ኣምቡላንስን - ኵለን ብልጭ-ብልጭ ዝብል ናይ ህጹጽ እዋን መብራህተን ወሊዐን - ኣብ ወሰን ጽርግያ ኣብ ዝነበረት መኪና ቅድሚ ምብጽሐን፡ ነታ ብዓል ሬድዋን ዝነበሩዋ መኪና ክሓልፋ ይርኣያ።
እተን ናይ ህጹጽ እዋን መካይን ይመርሓ እሞ ልክዕ ሬድዋን ምስ ወረደ ድምጺ ተዅሲ ይጅምር። ንልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ምስ ቀጸለ ሬድዋን እናጸለየ ይስማዕ፣ ወተሃድራት እስራኤል ይቕርቡ ከም ዝነበሩ ድማ ድምጾም ይስማዕ።
ቀይሕ ወርሒ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቪድዮ "ብሃንደበት ዘጓነፈ ፍጻመ ወይ ውልቃዊ ጌጋ ዘይኰነስ፡ ኰነ ኢልካ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።
"ነዚ ስዒቡ፡ ዋላ'ኳ እቲ ጕጅለ ኵሉ ናይ ድሕነት ፕሮቶኮላት እንተ ተኸተለ፡ ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ኣምቡላንስን ሲቪል ምክልኻልን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ብድሕሪኡ ድማ ነታ ንኻልኦት ክትድግፍ እትኸይድ ዝነበረት ራብዐይቲ ኣምቡላስ ዒላማ ገይሮም፡" ክብል ይውስኽ።
እቲ ማሕበር፡ እቲ ከባቢ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከም "ቀይሕ ዞባ" ከም ዘይተመደበ ይገልጽ። ስለዝዀነ፡ ናብቲ ቦታ ንምእታው ኣቐዲምካ እትገብሮ ምርድዳእ ኣየድልን ማለት እዩ። ኣብቲ ቪድዮ'ውን ወተሃደራውያን መካይን እስራኤል ኣብቲ ቦታ ኣይረኣያን።
"ኣብ ከባቢ ኣል-ሓሻሺን ሓደ ገዛ ብቡምባ ድሕሪ ምድብዳቡ፡ ንዝተጐድኡ ሰባት ንምርዳእ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣምቡላንስ እዩ ፈለማ ተዅሲ ተኸፊቱ።"
ብተወሳኺ፡ እቶም ሓካይም "ብተደጋጋሚ ጥይት" ከም ዝተቐትሉ እዩ መባእታዊ ጸብጻባት ፎረንሲክ ዘመልክት። እዚ ድማ "ብደይ-መደይ ከም ዝተቐትሉ ተወሳኺ መርትዖ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ዩነስ ኣል-ኻቲብ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ናጻ ኣህጉራዊ መርመራ ክካየድን ተሓተትቲ ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ጸዊዑ።
"ነዚ ጉዳይ ክሳዕ መወዳእታ ክንከታተሎ ኢና። እዞም 15 ሰባት ንዅሎም እቶም ህይወት ንምድሓን ምእንቲ ሰብኣውነት ኢሎም ዝተቐትሉ ዝውክሉ እዮም፡" ኢሉ።
"ፍትሒ ድማ ኣይረኸቡን። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ በዞም 15 ሰባት ኣቢልና ፍትሒ ከነምጽእ ተስፋ ንገብር።"
ካቲብ፡ ብተወሳኺ፡ ካብ'ቶም ዝተቐትሉ ወተሃደራት ሓማስ ከም ዘለዉ ንዝገልጽ ክሲ እስራኤል፡ "ቀይሕ ወርሒ ወይ ሰራሕተኛታቱ ኣጽዋር ከም ዝሕዙ ወይ ከም ዝጥቀሙ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመት ሓንሳብ'ውን እንተዀነ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡" ኢሉ።
ድሒሩ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል - ሓላፊ ስታፍ ሌተናል ጀነራል ኢያል ዛሚር - ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ፍጻመ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ መርመራ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።
እቲ መርመራ ብሰፊሑ ክካየድን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ብመስርሕ ጕጅለ መርማሪ ክዛዘምን ኣዚዙ።
ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብሓማስ ዝተኻየደሉ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ብ7 ጥቅምቲ 2023 መጠነ-ሰፊሕ ወፍሪ ጀሚሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 50,750 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።