እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ቀቲላ

እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ካን ዩኒስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ- ሳላሕ ኣል ባርዳዊል- ከምዝተቐትለ ሓደ በዓል ስልጣን ሓማስ ሎሚ ሰንበት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ጉጅለ ዝኾነ ባርዳዌልን ምስ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝቐተለ ይዛረቡ።

ሰበስልጣን እስራኤል ዛጊት ርእይቶ ኣይሃብሉን።

ሰራዊት እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዳግማይ መጥቃዕቲ ዝጀመረ፡ ነቲ ካብ 19 ጥሪ ኣትሒዙ ዳርጋ ንኽልተ ኣዋርሕ ህድኣት ፈጢሩ ዝፀንሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ብሓማስ ከም ዘብቀዐ ብምውቃስ እዩ።

ሓማስ ንክስታት እስራኤል ኣይቕበሎን።

እኳ ዳአ፡ ንሱ ብወገኑ፡ እስራኤል ነቲ ብቐጠር፣ ግብጽን ኣመሪካን መንጐኝነት ዝተበፅሐን ዝተኸተመን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓሳ ከሲሱ።

ሓደ በዓል ስልጣን ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ወሽመጥ ቓዛ 32 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ባርዳዊል ምስ በዓልቲ ቤቱ ኮይኑ ኣብ ፀሎት እንከሎ፡ ሚሳይል እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ከምዝዓለበ፡ ሮይተርስ ሓቢሩ።

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ተኹሲ ደው ካብ ዝብል ንደሓር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ፈላማይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ ኣላ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ሓያሎ ሮኬታት ምትኳሱ ስዒቡ ዝተፈፀመ ከምዝዀነ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ከምዝበሎ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣየር ስዒቡ፡ ሓደ ህጻን ዝርከብዎም 7 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 40 ድማ ቆሲሎም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተወንጨፍቲ ሮኬትን ማእከላት መአዘዚ ሂዝቦላሕን ከምዝሃረመ ገሊጹ።

ሂዝቦላሕ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቕ ጉጅለታት ሓደ ዀይኑ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቃዛ ወራር ምክያዳ ስዒቡ፡ ናብቲ ጐንፂ ተፀምቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ድማ እስራኤል ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ክትወፍር ዝደረኸ ዀይኑ፡ ነቲ ኲናት ዞባዊ ገይርዎ ነይሩ።

ኣብ ሊባኖስ ሓያሎ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱ ኮይኖም፡ ነቲ ቀዲሙ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ትማሊ ቀዳም ካብ ሊባኖስ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣንጻር መሓዛ ሂዝቦላሕ ዝኾነ ሓማስ፡ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምሕያላ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ተጀሚሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊት እስራኤል ከተማ መቱላ ሰለስተ ሮኬታት ከምዘፍሸለን፡ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሐን ገሊጹ።

ሂዝቦላሕ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈፀመን፡ ነቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ከምዘኽብርን ገሊጹ።

ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ደቡብ "ሰለስተ ተወንጨፍቲ ሮኬት" ከምዝዓነዉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ድማ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ መርመራ ከምዝጀመረን ገሊጹ።

እዚ ምዕባለታት፡ ብኣመሪካን ፈረንሳን ብዝተኻየደ ዕርቂ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላሕን ንልዕሊ ዓመት ግጭት ተቋሪጹ ድሕሪ ምፅንሑ እዩ ዝመፅእ ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ሽምግልና፡ ሰራዊት ሊባኖስ ዕጡቓት ጉጅለታት ንእስራኤል ከየጥቅዑ ንምክልኻል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወሳኺ ወተሃደራት ናብ ደቡብ ክፋል እታ ሃገር ከዋፍር ዝብል ይርከቦ ነይሩ።

ሂዝቦላሕ ድማ ካብቲ ከባቢ ዕጡቓቱን ኣጽዋራቱን ክስሕብ፡ ሰራዊት እስራኤል ድማ ካብቲ ካብቲ ብእስራኤል ዝሓዞም ከባብታት ክወጽእ ይእዝዝ።

እንተዀነ፡ ብክልቲኡ ትፅቢታት፡ መሰረት'ቲ ስምምዕ ኣይተፈፀመን ፀኒሑ።

ሂዝቦላሕ ካብቲ ከባቢ መሊኡ ኣይወፀአን፡ እስራኤል ድማ ውሕስነት ናይቲ ኣብ ጥቓ ዶባት ዝርከብ ህዝቢ ብምምኽናይ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ግዝኣታት ተቖፃፂራ ፀኒሓ።

እስራኤል፡ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላሕ መጥቃዕቲ ኣየር ብምክያድ፡ እቲ ጉጅለ ዳግማይ ከይትንስእ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪታ ኣላ።

ሰራዊት ሊባኖስ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ህላወ ሂዝቦላሕ ዝርከበሉ ደቡባዊ ከባቢታት ክቆጻጸር ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ እቲ ናይ ቀዳም መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ዘሎ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውን፡ ኣብታ ሃገር ኣጽዋር ክውንን ዝኽእል ዕጡቕ ሓይሊ መንግስቲ ጥራይ ከምዝዀነ ዝገለፀ ዀይኑ፡ እቲ ርእይቶ ንሂዝቦላሕ ዝምልከት እዩ ነይሩ።

ብቀዳም፡ "ንሊባኖስ ናብ ካልእ ዙርያ ኲናት ንምጉታት ዝግበር ፈተነታት" ክብል'ውን ነቲ ምዕባለታት ኰኒኑዎ።

ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዩኒፊል፡ "እቲ ኩነታት ክጋደድ ከምዝኽእል" ስግኣቱ ብምግላፅ፡ እስራኤልን ሊባኖስን "መብጽዓታተን ክሕልዋ" ኣተሓሳሲቡ።

ሂዝቦላሕ፡ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዘጋጠመ ጐንፂ ስዒቡ እዩ ናብቲ ግጭት ተጐቲቱ ኣትዩ ነይሩ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ዀይኑ፡ ኣስታት 1200 እንትቐተሉ ካልኦት 251ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።

እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ንምምካት ምላሽ ዝሃበት ኰይና፡ 'ነቲ ጉጅለ ንምጥፋእ' ብዝብል መመኽነይታ፡ ሰራዊት እስራኤል ናብ ቃዛ ሙሉእ ወተሃራዊ ወፍሪ ጀሚሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቃዛ ልዕሊ 49,500 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ይግለፅ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ትሕተ ቅርጽን ሰፊሕ ዕንወት ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ከቢድ ምምዝባል፣ ጥሜትን ሕሰምን ነበርቲ ኣስዒቡ።