ንፈለማ ዝተራእየ 'ምስጢራዊ' ካርታ እስራኤልን ፍልስጤምን ሰላምዶ ምፈጠረ?

"ኣብ ዝቕጽሉ 50 ዓመታት፡ እዚ ሕጂ ዘቕርበልኩም ሓሳብ ዘቕርበልኩም ሓደ መራሒ እስራኤል ኣይክትረኽቡን ኢኹም"።

"ፈረም! ፈርም! ታሪኽ ንሓዋሩ ንቐይር!"።

እዞም ቃላት፡ ቃል ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል-ነበር ኤሁድ ኦልመርት እዮም።

ንሱ፡ ኣብ 2008 ንመራሒ ፍልስጤም ስምምዕ ክፈጥሩ ይልምኖ ነይሩ።

ናይ 'ክልተ ሃገራት ፍታሕ' ዝብል ዝነበረ ኣመር ኰይኑ፡ ሎሚ ዘይሕሰብ እዩ ዝመስል።

እቲ ውጥን፡ ኣብ ግብሪ እንተ ዝውዕል ኣብ ልዕሊ እቲ 94 ሚእታዊት ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ 'ፍልስጤማዊት ሃገር' ቈይማ ምሃለወት።

ካርታ ኦልመርት፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ዳርጋ ጽውጽዋያዊ ነገር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈላለየ ትርጉማት ይዋሃቦ እኳ እንተ ነበረ፡ ንማዕከናት ዜና ግን ኣቃሊዑ ኣይፈልጥን።

ክሳብ እዛ ግዜ።

ንፈለማ እዋን

'እስራኤልን ፍልስጤማውያንን፡ ናብ 7 ጥቅምቲ ዝመርሐ መገዲ' ዝብል ካበ ኣፍራዪት ሰነዳዊ ፊልም ኖርማ ፐርሲ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ iPlayer ዝቐርብ ተኸታታሊ ጸብፃቢ ፊልም፡ ኦልመርት ንፈለማ እዋን ነቲ ውጥን ዕላዊ ገይሩዎ ኣሎ።

ብ16 መስከረም 2008 ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንማሕሙድ ዓባስ ዘርኣዮ ካርታ እዩ።

"እዚ ካርታ ኣብ መራከቢ ብዙሓን ክወጽእ ሎሚ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ፡" ክብል ነቶም ኣፍረይቲ ፊልም ይዛረብ።

ብዝርዝር፡ ኦልመርት ናብ እስራኤል ክሕወስ ዝሃቀኖ ግዝኣት'ውን ዘርኢ እዩ፣ 4.9% ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ።

እዚ ድማ ዓበይቲ መንበሪ ኣይሁድ ዝርከቦ እዩ - ልክዕ ከምቲ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ዝነበረ እማመታት።

ከም ምላሹ ድማ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ኣብ ወሰን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምድረበዳ ቓዛን ዝርከብ ማዕረ መጠን ግዝኣት እስራኤል ክትህብ ምዃና የርኢ።

ክልቲኦም ግዝኣታት ፍልስጤም ብውሽጣዊ ገለርያ ወይ ድማ ብጽርግያ ክተኣሳሰሩ ዝብል እዩ ነይሩ፣ ቅድሚኡ'ውን ተላዒሉ ነይሩ እዩ።

ኣብታ ፊልም፡ ኦልመርት ነቲ መራሒ ፍልስጤም ዝሃቦ መልሲ ይዝክር።

"ንሱ፡ 'ቀዳማይ ምኒስተር እዚ ከቢድ ነገር'ዩ፣ ከቢድ. . .' ኢሉ።"

እቲ ውጥን ካልእ ወሳኒ ነገር'ውን ነይሩዎ፣ ውጥን ኦልመርት ነቲ ኣዝዩ ዘካትዕ ጉዳይ ዋንነት ኢየሩሳሌም ዝምልከት መፍትሒ ዝቐረበ ሓሳብ ዘጠቓለለ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ወገን፡ ንገለ ክፋል እታ ከተማ ርእሰ-ከተማኡ ክብል እንከሎ፡ ምምሕዳር ናይታ "ቅድስቲ ከተማ"፡ከምኡ`ውን እታ ነባር ከተማ ምስ ሃይማኖታዊ ቦታታትን ስፍራታትን ሓዊሱ፡ ካብ እስራኤል፡ ፍልስጤም፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ኣመሪካን ዝቘመት ኮሚተ ክርከብ ዝብል ነይሩ።

እንታይ ምዀነ ነይሩ?

እቲ ካርታ፡ ኣብ መንበሪ ከባብታት ኣይሁድ፡ ዓቢ ክትዕ ምፈጠረ።

እቲ ውጥን ኣብ ተግባር እንተ ዝውዕል ነይሩ፡ ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ጐልጐል ዮርዳኖስን ፋሕ ብትን ኢሎም ዝነበሩ ዓሰርተታት ማሕበረሰባት ካብ መንበሪኦም ምፈለሱ ነይሮም።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል-ነበር ኣሪኤል ሳሮን፡ ኣብ 2005 ንውሑዳት ኣሽሓት ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ካብ ምድረበዳ ቓዛ ብሓይሊ ምስ ኣውጽኦም፡ ኣብ ገለ ሸነኽ እስራኤል ሕርቃን ፈጢሩ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ምውጻእ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰፋሮ ዘመዛብል ስለ ዝዀነ፡ ዝዓበየ ብድሆ ምዀነ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ መሬት ተፈቲኑ ኣይፈልጥን።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባኦም፡ ኦልመርት፡ እቲ መራሒ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ዘይፍርም እንተዀይኑ፡ ቅዳሕ ናይቲ ካርታ ከረክቦ ኣይፈቐደን።

ዓባስ ቀዲሙ ነቶም ክኢላታቱ ነቲ ካርታ ከርእዮም ኣለኒ ብዝብል ክፍርም ኣይደለየን። እንታይ ረብሓ ኣለዎ ዝብል ብልክዕ ክርድኡዎ ይደሊ ነይሩ።

ኦልመርት፡ ክልቲኦም ንጽባሒቱ ናይ ክኢላታት ካርታ ኣኼባ ክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ይዛረብ።

"ተፈላሊና ተሪፍና፣ ታሪኻዊ ስጕምቲ ንቕድሚት ክንጅምር ቀሪብና ነይርና፡" ይብል ኦልመርት።

እቲ ኣኼባ ኣይተኻየደን።

ሓላፊ ስታፍ ፕረዚደንት ዓባስ ራፊቕ ሑሴኒ፡ ሽዑ ምሸት ካብ ኢየሩሳሌም ብመኪና እናተጓዕዙ ከለዉ፡ ዝነበረ ሃዋህው ይዝክር።

"ብርግጽ ስሒቕና፡" ይብል ኣብቲ ሰነዳዊ ፊልም።

ፍልስጤማውያን እቲ ውጥን እንክጅመር ዝሞተ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም።

ምስዚ ኣብ ዘይተኣሳሰር ክሲ ብልሽውና ጥሒሉ ዝነበረ ኦልመርት፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣብ ቀልቀል እዩ ነይሩ።

"ኦልመርት፡ ክሳብ ክንደይ ደስ ዝብል ሰብ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ እዋን ንቕድሚት ሓቢርና ክንስጕም ኣይንኽእልን ነይርና፡" ይብል።

ስለምንታይ?

ኵነታት ቓዛ ነቲ ጉዳይ ኣተሓላሊኹዎ ነይሩ።

ካብቲ ሓማስ ዝቈጻጸሮ መሬት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ኦልመርት ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ስርሒት ካስት ሊድ ዝበሃል ዓቢይ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣዚዙ፣ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ ጽዑቕ ውግእ ኣበጊሱ።

ኦልመርት ግን ዓባስ ነቲ ውዕል እንተ ዝፈርሞ፡ "ኣዝዩ ትኩር" ምዀነ ኢሉኒ።

ድሕሪኡ፡ ካልእ ቀጺሉ ዝመጽእ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ክስርዞ እንተ ዝፍትን፡ "እቲ ውድቀት ናይ እስራኤል እዩ ኢሉ - ንዓለም ክዛረብ ይኽእል ነይሩ።"

ኣብ ለካቲት መረጻ እስራኤል ተኸቲሉ።

'ሃገርነት ፍልስጤም' ዘይቅበል ቤንጃሚን ኔታንያሁ (ሰልፊ ሊኩድ) ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ።

ውጥን ኦልመርትን ካርታኡን ንሓዋሩ ቅሂሙ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ገና መልሲ ዓባስ ይጽበ ከም ዝነበረ`ኳ እንተ ገለጸ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ከም ዘምለጠ ዕድል እዩ ዝቖጽሮ።

ኣብ 1973፡ እቲ እስራኤላዊ ዲፕሎማት ነበር ኣባ ኢባን፡ ፍልስጤማውያን "ዕድል ንኸምልጦም፡ ፈጺሞም ዕድል ኣይስእኑን፡" ክብል ብዋዛ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሰበስልጣን እስራኤል ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ነገር እዩ።

እቲ ጭቡጥ ዓለም ግን ካብዚ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ እዩ፣ ብፍላይ ክልቲኦም ወገናት ኣብ 1993 ታሪኻዊ ስምምዓት ኦስሎ ምፍራሞም ስዒቡ።

እዚ ዘይምስምማዕ ቅድሚ 24 ዓመት ርእየዮ እየ።

ኣብ ጥሪ 2001 ኣብ ታባ - ግብጻዊ መዘናግዒ ቦታ - ተዛተይቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ዳግማይ ዝርዝር ናይ ሓደ ስምምዕ ገይሮም ነይሮም።

ሓደ ኣባል ልኡኽ ፍልስጤም ኣብ `ሶፍት` ሰፊሕ ካርታ ሰሪሑ፡ ንሃገር ፍልስጤም ንድፊ-ቅርጺ ይርእዩ ከም ዘለዉ ነጊሩኒ።

እንተዀነ፡ እቲ ዝርርብ እዋኑ ኣይነበረን።

በቲ ኣብ መጻኢ ወርሒ ዝተወልዐ 'ኢንቲፋዳ' እናተባህለ ዝፍለጥ ኣብ ጐደናታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ቓዛን ዝተልዓለ ካልኣይ ናዕቢ ፍልስጤም ጸልሚቱ።

ሽዑ'ውን እስራኤል ኣብ እዋን ፖለቲካዊ ስግግር እያ ነይራ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኤሁድ ባራክ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፣ ኣሪኤል ሳሮን ድሕሪ ቍሩብ ሰሙናት ናብ ስልጣን ደዪቡ።

እቲ ካርታ፡ ልክዕ ከምቲ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዝተሰርሐ ካርታ ኦልመርት፡ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ነይሩ።