'ስምምዕ ሰላም ቃዛ'፡ ስለምንታይ እዩ መሰናኽላት ዝበዝሖ ዘሎ?

ሓማስ ኣብ ሓደ ካብቲ ብቴሌግራም ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺታቱ፡ ንእስራኤል ከም 'መጠንቀቕታ' ዘስምዕ ዀይኑ፡ ነቶም ኣሸማገልቲ 'ጎበጢት [እስራኤል] ግዴታታ ክትዋጻእ ጸቕጢ ንክገብሩ እኹል ግዜ ተዋሂቡዎም" ይብል።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ 'ተኵሲ ደው ናይ ምባል' ዝርርብ ኣብ ቀረባ እዋን ክቕጽል ተጽቢት ኣብ ዝተግበረሉ ኩነታት እዩ።

ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ሓማስ እቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተትሐዙ እስራኤላውያን ሓራ ንምስዳድ በሩ ክፉት ምዃኑ ግን ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ዘሎ መሰናኽላት ንኽፍታሕ ተወሳኺ ዕድል ዝህብ ዘሎ ይመስል።

እቲ መሰናኻልታ እንታይ እዩ?

ሓማስ ካብ ምድንጓይ ምምላስ ተመዛበልቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ምቕጻልን ገለ ዓይነታት ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣትዉ ዘይምፍቃድን ኣመልኪቱ ተኸታታሊ ጥርዓናት የቕርብ ኣሎ።

ካልኦት ምስ ሓማስ ርክብ ዘይብሎም ሰበስልጣን ፍልስጤም ድማ፡ እስራኤል ነቶም ኣባይቶም ዝዓነወ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን ንምዕቃብ ቃፍላያት መካይን ናብ ቃዛ ክኣትዋ ፍቓደኛ ዘይምዃና ጠቒሶም።

መንግስቲ እስራኤል ሲቪላት ካብ ቓዛ ንኽወጹ ዘተባብዓሉ መንገድታት ብግልጺ ኣብ ዝዛተየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ስግኣት መስጓግ ኣሕዲሩ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ብዶናልድ ትራምፕ ዝጋደድደ ዘሎ ስግኣት እዩ።

እቲ ምድረበዳ ቓዛ ዳግማይ ክህነጽ ከሎ፡ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ካብኡ ክወጽኡ ኣለዎም፡ ዝብል ፕረዚደንት ትራመፕ ከም ዋዛ ዝተጀመረ ሓሳብ ቀስ ብቐስ ናብ "ኩሎም ክወጹን ኣመሪካ ንቓዛ ክተትቈጻጸርን' ናብ ዝብል ተቐይሩ ኣሎ።

ትራምፕ ነዚ ሓሳቡ ብደጋጊሙ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ሓማስ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ዝርርብ'ቲ 'ተኹሲ ደው ምባል'፡ ምርካብ ዋጋ ኣለዎ ድዩ ዝብል ሕቶ ክፈጥረሉ ግድን እዩ።

እቲ ዝርርባት ብልክዕ እንታይ እዩ?

ትራምፕ፡ኣብዚ ከም 'ጽለላ' ዝረአ ዘሎ ሓሳቡ ዝጽንዕ እንተኰይኑ፡ ፍልስጤማውያን ንቃዛ ይስእንዋ ከምዘለዉ ይፈልጡ እዮም።

መጽለሊ ምኽላእ እኹል ኣይክኸውንን እዩ፡ ሓይሊ ምጥቃም ከም ዘስዕብ'ውን ዳርጋ ርግጸኛ ምዃን ይከኣል።

ትራምፕ ድማ ነቲ ነገር ኣባኣኢሱ ይሕነ እዩ ዘሎ።

ኩሎም እቶም ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዝርከቡ እስራኤላውያን ጅሆ ክሳብ ቀዳም እንተዘይተመሊሶም ነቲ 'ስምምዕ' ከምዘፍርሶን፡ ካልእ ሓሳብ ከምዘቕርብን ኣፈራሪሑ ኣሎ፡ ኩሉ ነገር 'ገደል ይእቶ' ድማ ኢሉ።

እንተዀነ፡ ንሱ ንባዕሉ ይዛረብ ከምዘሎን "እስራኤል ክትገድፎ ከምእትኽእልን" ኣብሪሁ።

ሓማስ ዳግማይ ምጅማር ኲናት ኣብ ዝሰግአሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ዝተረፉ ጅሆ ንምፍታሕ እንታይ ድርኺት ኣሎ ዝብል ሕቶ'ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ዘረበታት ትራምፕ፡ ጠንቂ ተወሳኺ ጭንቂ

ንኣዝማድን ፈተውትን ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓንቀፍቀፍ፡ ከምኡ'ውን ትራምፕ ዘስመዖ ዘሎ ዓውዓውታ፡ ጠንቂ ሓድሽ ጭንቀት ኰይንዎም ኣሎ።

ዱዲ ዛልማኖቪች ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነፍሲ ወከፍ ካብዞም መግለጺታት ወይ ምልክታታት፡ ብርግጽ ንሓማስ ዝያዳ ዓንቃጺ ይገብሮ" ኢሉ።

ወዲ ሓዋ ንብዓልቲ ቤቱ፡ ኦመር ሸም ቶቭ ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዙ ይርከብ።

ዛልማኖቪች ብዛዕባ ትራምፕ እንትዛረብ፡ "ንሱ ውሑድ ተሳትፎ ክህልዎ እየ ዝመርጽ" ኢሉ።

እስራኤል እንተዀነተ'ውን፡ ብዛዕባ እቲ ምኽንያት ምድንጓይ ምልቃቕ ጅሆ ዝተትሐዙ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጥርጣረታት ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ዝተራኣዩ ዝተጓሰቐሉ ጅሆታት ሓማስ፡ ዓለም ነቶም ኻልኦት ዝተረፉ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ክትሪኦም ከይትደሊ ስግኣት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብቲ ብተለቪዥን ዝቐረቡ ትርኢታት፡ ጽቡቕ ዕጥቂ ዝዓጠቑ ተጋደልቲ ሓማስ ነዊሕ ሰልፊ ዝገብሩን፡ ሕቶታት ፈጢሩ ኣሎ።

ከምኡ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ እዋን ኲናት ክንዲ ዝጠፍእ ወተሃደራት ከም ዝመልመለ መጠንቀቕታታት ኣስሚዑ ነይሩ።

እዚ ብጥንቃቐ ዝተገብረ ሽምግልና፡ ብደረጃ ዝተዳለወ መስርሕ ክፈርስ ቀሪቡ ድዩ ኣይኮነን ንምባል፡ ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ዝፈርስ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ድሕሪ መብዛሕትኡ ኣወንታዊ ጅማሮ ግን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓንቀፍቀፍ ኣሎ።