ጤለበዱ ብምቕታሉ ክህደን ዝጸንሐ ኮኾብ ቦሊዉድ ካብ ፈተነ ቅትለት ኣምሊጡ

ኮኾብ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ሰልማን ካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ህንዲ፡ ንገዛ ተዋስኣይ ቦሊዉድ ሳልማን ካን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ጠበንጃ ብምፍጻም ዝተጠርጠሩ ክልተ ኣባላት ጕጅለ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ዝተዋስአ ኮኾብ፡ ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመት ክልተ ጤለበዱ ብምቕታል ነቲ ዕሉል ናይ ‘ቢሽኖይ’ [ላውረንስ ቢሽኖይ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ገበነኛ] ጕጅለ ከምዘቘጥዖ ፖሊስ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ካብ ሓደ ነታ እንስሳ ከም ዝተቐደሰት ዝቘጽራ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ዝወጽአ እዩ።

ሰልማን ካን ዝዀነ ጉድኣት ኣይበጽሖን፤ እዚ ፈተነ ቅትለት ግን እቲ ተዋሳኣይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝወረዶ ተኸታታሊ ስግኣታት እቲ ናይ ቀረባ ኰይኑ’ሎ።

ፖሊስ ሙምባይ፡ እቶም ክልተ ሰባት ሰንበት ንግሆ ብሞተር ብሽክለታ ናብቲ ሃብታማት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ብምኻድ ሓሙሽተ ግዜ ተኲሶም ከምዝሃደሙ ሓቢሩ።

በዚ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ወዲ 24 ዓመት ቪኪ ጉፕታን ወዲ 21 ዓመት ሳጋር ኩማር ፓላክን ድማ ትማሊ ምሸት ኣብ ጉጃራት ጥቓ ሓደ ቤተ መቕደስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ መንበሪ ገዛ ኮኾብ ተዋስኣይ ሰልማን ኣብ ዝተፈጸመ ተዅሲ ተሳትፎ ከም ዝነበሮም ተኣሚኖም ኣለዉ።

እቲ ተዋስኣይን ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብቲ ገዛ እንተነበሩ’ኳ ዝዀነ ሰብ ግን ኣይተጐድአን።

እቶም ሰባት ኣባላት ናይቲ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዕሉል ገበነኛ ሎረንስ ቢሽኖይ ዘቘሞ ገበናዊ ጕጅለ ምዃኖም ፖሊስ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ጕጅለ፡ ሰልማን ካን ኣብ 1998 ‘ሁም ሳት-ሳት-ሃይን’ ዘርእስታ ፊልም ክሰኣል ኣብ ራጃስታን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነተን ጤለበዱታት ቀቲልወን ብዝብል ከፈራርሖን መጥቃዕቲ ከውርደሉን ክፍትን ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ብዙሓት ፊልምታት ህንዲ ዝነገሰ ሰልማን፡ ነተን ሓለዋ ዝግበረለን እንስሳታት ብምህዳኑ ኣብ 2018 ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ'ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ፍርዱ ብይግባይ ተቛሪጹ።

ዕሉል ገበነኛ ሎረንስ ቢሽኖይ፡ ኣብ 2022 ብዝተፈጸመ ቅትለት ህንዳዊ ራፐር ሲድሁ ሙስ ዝርከቦም ኣብ ሓያሎ ልዑል ስም ዘለዎም ቅትለታት ብምስታፍ ገበነኛ ተባሂሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ማእሰርቲ ፍርዱ ይፍጸም ኣሎ።

ሰብመዚ ከም ዝበልዎ፡ እቲ ንወዲ 58 ዓመት ተዋስኣይ ብጥይት ንምቕታል ዝተፈጸመ ፈተነ ንእሽቶ ሓው ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ሎረንስ ዝዀነ ኣንሞል ቢሽኖይ ብመንገዲ ፌስቡክ ዘሕለፎ መልእኽቲ ዘበገሶ እዩ። እቲ ጽሑፍ ፌስቡክ ድማ ካብ ካናዳ ከምዝተፈነወ ይግለጽ።

እቶም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝበሃሉ ሰባት ንመዓልታት ምንቅስቓስ ካን ከምዝተኸታተሉን ኣብ ጥቓ መንበሪኡ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ገዛ ተኻርዮም ከምዝጸንሑን ካልእ ኣባል ጕጅለ ቢሽኖይ ንፖሊስ ሓቢሩ’ሎ።

ካብ ሓሙሽተ ግዝኣታት ህንዲ ዝተኣከቡ ኣባላት ፖሊስ ዝሓቘፈ ጕጅለ፡ ነቶም ብድሕሪ እቲ ፈተነ መጥቃዕቲ ዘለዉ ሰባት ንምሓዝ ዝተዋደደ ኣለሻ ከምዘካየዱ ይግለጽ።

እቶም ክልተ ተጠርጠርቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ነቶም ጥርጡራት ንምኽሳስ መርትዖታት ክእከብ ኣለዎ ብዝብል ንዳኛ ተወሳኺ ግዜ ሓቲቶም ኣለዉ።

ክሳብ ዝቕጽል ኣብ 25 ሚያዝያ 2024 ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ከኣ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ እዮም።