መገዲ እንዳ ዓባዮም ስሒቶም 13 ዓመታት ጠፊኦም ዝጸንሑ ኣሕዋት

ኒቱ ኩምሪ ስእሊ ደቃ ሒዛ

ምንጪ ስእሊ, NARESH PARAS

መግለጺ ስእሊ, ኒቱ ኩምሪ ስእሊ ደቃ ሒዛ

ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ሰነ 2010፡ ክልተ ብዝሃርምዎም ወለዶም ዝተበሳጨው ቈልዑ ካብ ገዛኦም ጠፊኦም።

ጓል 11 ዓመት ራኪን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ባብሉን፡ ካብ ገዛኦም ሓደ ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ናብ እትነብር ዓባዮም ክኸዱ እዩ ነይሩ እቲ መደብ።

እንተዀነ፡ ገለ መዕጸፊ ቦታታት ብምስሓት ጠፊኦም።

እዞም ቈልዑ፡ ሓገዝ ተሓለቕቲ መሰል ህጻናት ተሓዊሱዎ ናብ ገዛኦም ንኽምለሱ 13 ዓመታት ወሲዱ።

ኣብ ማእከል መዕበዪ ህጻናት ዝዓበየ ባብሉ፡ “መዓልታዊ ንኣደይ ይናፍቓ ነይረ፤ ሕጂ ናብ ስድራይ ብምምላሰይ ሕጕስ’የ” ኢሉ።

ኣብ ታሕሳስ ዝወጽኡ ኣሳእል፡ ኣደኦም ኒቱ ኩማሪ፡ ንባቡሉ ሓቚፋ ክትበክን ንፈጣሪኣ ከተመስግንን የርእዩ።

ባብሉ ደሓር ነቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናብ ስድራኣ ንዝተሓወሰት ሓፍቱ ይሓቝፋ።

እዞም ኣሕዋት፡ እንትርፎ እቲ ንዝተወሰኑ ዓመታት ዝነበሮም ምርኻብ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት’ዮም ዝራኸቡ ዘለው።

እቲ ምፍልላይ

ባብሉን ራኪን፡ ኣብ ህንዲ ምስ መዓልታዊ ሸቃሎ ዝዀኑ ወለዶም ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣግራ ይነብሩ ነይሮም።

ብ16 ሰነ 2010፡ ኣብታ መዓልቲ ስራሕ ክትረክብ ዘይክኣለት ኣደኦም ኒቱ፡ መግቢ ንምስራሕ እትጥቀመሉ ብዝነበረት ናይ ሓጺን መንቀርቀር ተጠቒማ ንራኪ ትሃርማ፤ ሕርቃና እያ ተውጽእ ነይራ።

ራኪን ባብሉን ኣደኦም ካብ ገዛ ምስ ወጽአት፡ ንሶም’ውን ወጺኦም።

“ኣቦይ'ውን ሓሓሊፉ ትምህርተይ እንተዘይኣጽኒዐ ይሃርመኒ ስለ ዝነበረ፡ ራኪ ናባይ መጺኣ ናብ ዓባየይ ንኺድ ምስኣ ንንበር ምስ በለትኒ ተሰማሚዐ" ይብል ባብሉ።

ምስ ጠፍኡ ድማ ሓደ መራሒ መኪና ናብ መደብር ባቡር ኣብጺሑዎም።

ናብ ባቡር ምስ ተሳፈሩ፡ ሓንቲ ኣብ ገባሪ ሰናይ ህጻናት እትሰርሕ ጓል ኣንስተይቲ ርእያቶም።

እታ ባቡር ካብ ገዝኦም ኣስታት 250 ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ሜሩት ምስ በጽሐት ናብ ፖሊስ ኣረኪባቶም፤ ፖሊስ ድማ ናብ መንግስታዊ መዕቆቢ ዘኽታማት ወሰዶም።

“ገዛና ክንከይድ ከም እንደሊ ነጊርናዮም፤ ብዛዕባ ወለድና ክንነግሮም ፈቲንና። ፖሊስ ይዅን ሓለፍቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ግን ንስድራና ኣይደለዩዎምን" ይብል ባብሉ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቶም ኣሕዋት ተፈላልዮም።

ራኪ ናብ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ህንዲ ደልሂ ብዘሎ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝመሓደር መዕቆቢ ኣዋልድ ተሰጋጊራ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ባብሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ላክኖው ናብ ዝርከብ ካልእ መንግስታዊ መዕቆቢ ዘኽታማት ተሰጋጊሩ።

ዳግም ምርኻብ

ድሕሪ 13 ዓመታት ዝነበረ ምርኻብ ኣዝዩ ስምዒታዊ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, NARESH PARAS

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝዀኑ ኣገደስቲ ሓለፍቲ፡ ሰራሕተኛታት ግብረ ሰናይ ወይ ጋዜጠኛታት ናብቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ክበጽሑ እንከለዉ፡ ባብሉ ምስ ሓፍቱ ክራኸብ’የ ብዝብል ተስፋ ብዛዕባ ራኪ ይነግሮም ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ብ2017 ፍረ ኣፍርዩ። ሓንቲ ካብቶም ሓደስቲ ኣለይቲ መዕቆቢ፡ ሓፍቱ ኣብ ከባቢ ደልሂ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ዘኽታማት ዓበይቲ ኣዋልድ ከም ዝተላእከት ምስ ነገራ ክትሕግዞ ወሲና።

“ኣብ ኖይዳን ዓባይ ኖይዳን (ከባቢታት ደልሂ) ንዝርከቡ ነፍሲ ወከፍ መዕቆቢ ዘኽታማት ደዊላ፤ ራኪ እትበሃል ሰብ እንተለየት ኢላ ሓቲታቶም። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ድማ ረኺባታ" ይብል ባብሉ።

“ኣሕዋት ምፍላይ ናይ ብሓቂ ጭካነ ምዃኑ ንመንግስቲ ክነግሮ እደሊ። ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓደ ክቕመጡ ኣለዎም። ምፍልላይ ፍትሓዊ ኣይኰነን” ኢሉ።

እዞም ኣሕዋት ምስ ተራኸቡ፡ ብተሌፎን ከዕልሉ ጀሚሮም። ወለድና ክንረክብ ኢና ዝብል ግን ንራኪ ዘይሕሰብ ነበረ።

“13 ዓመት ቀሊል ኣይኰነን፤ ኣደና ክንረኽባ ኢና ዝብል ጸቢብ ተስፋ እዩ ነይሩኒ” ትብል።

ባብሉ ብኣንጻሩ፡ ዝዀነ ጥርጣረ ኣይነበሮን።

“ንራኪ ምስ ረኸብኩዋ ብኣመና’የ ተሓጒሰ፤ ድሕሪኡ ኣደና’ውን ክረኽባ’የ ዝብል ምሉእ ርእሰ እምነት ተሰሚዑኒ” ኢሉ።

ባብሉ፡ ኣብ ሓደ እቶም ዝዓበየሎም ማእከላት፡ እቶም ናበይትን ብዕድመ ዝዓብዩዎ ቈልዑን ይሃርሙዎ ከም ዝነበሩ ይዛረብ። ክልተ ግዜ ክጠፍእ ፈቲኑ፤ ደሓር ፈሪሑ ተመሊሱ።

ራኪ ድማ፡ ኣብቲ ዝዓበየትሉ ዘይመንግስታዊ ትካል ጽቡቕ ናብዮት ከም ዝረኸበት’ያ ትገልጽ። ኣብ ገዛኺ ምዓበኺ ዝተፈለየ ነገር’ዶ ምነበረ? ኢልና ሓቲትናያ።

“ዝዀነ ዘጋጥመና ነገር ንጽቡቕ’ዩ ኢለ’የ ዝሓስብ፤ ምናልባት ካብ ገዛ ምጥፍአይ ጽቡቕ ህይወት ክረክብ ገይሩኒ’ዩ። ዋላ ሓደ ሃሪሙኒ ኣይፈልጥን፤ ጽቡቕ ናብዮት’የ ረኺበ። ትምህርቲ፣ ጽቡቕ ሕክምናን ካልእ ኣገልግሎትን ረኺበ’የ” ኢላ።

ብ20 ታሕሳስ 2023፡ ኣብ ኣርጋ ማእከሉ ዝገበረ ተሓላቒ መሰላት ህጻናት ናሬሽ ፓራስ፡ ኣብ ቤንጋሉር ካብ ዝነብርን ስራሕ ዘለዎን ባብሉ ተሌፎን ይድወለሉ።

“ብዙሓት ስድራቤታት ዳግም ክራኸቡ ገይርካ ኢኻ፤ ናተይ ክትረኽቦም’ዶ ምሓገዝካኒ” ክብል ሓተቶ።

ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ህጻናት ክሰርሕ ዝጸንሐ ፓራስ፡ ቀሊል ኣይኰነን ኢሉዎ።

እዞም ኣሕዋት ስም ኣቦኦም ኣይዝክሩዎን፤ ኣብ መለለዪ መንነቶም ዘሎ ስም ከኣ ዝተፈላለየ’ዩ። ብዛዕባ እቲ ዝመጽእሉ ምምሕዳር ኣይፈልጡዎን፤ እቲ ኣብ መዕበዪ ዘኽታማት ዘሎ መዝገቦም ድማ ካብ ከተማ ቢላስፑር ዝመጽኡ’ዮም ይብል።

ፓራስ፡ ናብ ፖሊስ እታ ከተማን ኣብታ ከተማ ዝርከብ ማእከል ዘኽታማትን ደዊሉ፤ ኣይሰመረን።

ድሒሩ፡ ባብሉ ኣብ ከባቢ እቲ መጀመርታ ምስ ጠፍኡ ባቡር ዝተሳፈርሉ፣ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀነ ባቡር ከም ዝዝክር ይነግሮ።

“ሽዑ መደበር ኣግራ ክኸውን ከም ዘለዎ ተረዲአ” ይብል ፓራስ።

ኣብ መዛግብቲ ፖሊስ እታ ከተማ ድማ፡ ኣብ ሰነ 2010 ኣቦ እዞም ቈልዑ ዘቕረቦ ጥርዓን ይረክብ።

ነታ ስድራ ክደሊ ምስ ከደ ግን ተኻረይቲ ከም ዝነበሩን ናብ ካልእ ከም ዝግዓዙን እዩ ተነጊሩዎ።

ድሕሪኡ ራኪ፡ ስም ኣደኣ ኒቱ ከም ዝበሃልን ኣብ ክሳዳ ምልክት ምንዳድ ከም ዘለዋን ነገረቶ።

ብድሕሪኡ ፓራስ ናብቲ ኣብ ኣግራ ዝርከብ ወትሩ ንግሆ መዓልታዊ ሸቃሎ ስራሕ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ዝእከብሉ ቦታ ከደ።

ንኒቱ ኣይረኸባን፤ ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሸቃሎ ግን ከም ዝፈልጥዋን መልእኽቲ ከም ዘብጽሑሉን ቃል ይኣትውሉ።

ኒቱ ኩማሪ ደቃ ከም ዝተረኽቡ ምስ ሰምዐት ናብ ፖሊስ ከደት፤ ድሕሪኡ ፖሊስ ምስ ፓራስ ኣራኺቡዋ።

ድሕሪ 13 ዓመታት ዝነበረ ህሞት

ኒቱ ኩምሪ ምስ ደቃን ተሓላቒ መሰላት ህጻናት ፓራስን

ምንጪ ስእሊ, NARESH PARAS

መግለጺ ስእሊ, ኒቱ ኩምሪ ምስ ደቃን ተሓላቒ መሰላት ህጻናት ፓራስን

ፓራስ ንኒቱ ምስ ረኸባ፡ ስእሊ ናይቶም ህጻናትን ቅዳሕ ናይቲ ጥርዓን ፖሊስን ኣርእያቶ። ምስ ባብሉን ራኪን ብቪድዮ ምስ ኣራኸቦም ክኣ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ከለልዮ ኣይተጸገሙን።

ኒቱ ኩማሪ ንፓራስ "ንራኪ ብምውቃዓ ከም ዝተጣዓሰት" ከምኡ'ውን ብዛዕባ ደቃ ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣዕሊላቶ።

“ገለ ገንዘብ ተለቂሐ ናብ ፓትና [ርእሰ ከተማ ግዝኣት ቢሃር] ከይደ፣ ደቀይ ኣብኡ ኣብ ጐደናታት ክልምኑ ከም ዝተራእዩ ምስ ሰማዕኩ። ደቀይ ብሰላም ንኽምለሱ ኣብ ኣብያተ መቕደስ፡ መሳጊድ፡ ጉሩድዋራን ኣብያተ ክርስትያናትን ይጽሊ ነይረ” ኢላ።

ኣብቲ ምስ ወዳን ጓላን ዝነበረ ስምዒታውን ንብዓት ዝመልኦን ዳግመ ምርኻብ ሓድሽ ህይወት ከም ዝረኸበት ገሊጻ።

ራኪ፡ ዳግማይ ንኣደኣ ክትሪኣ ትጽቢት ስለ ዘይነበራ፡ "ኣብ ፊልም" ከም ዘላ ኰይኑ ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ። “ኣዝየ ሕጕስቲ’የ” ትብል።

ባብሉ፡ "ዝተሓዋወሰ" ስምዒት ከም ዝተሰምዖ ይዛረብ።

“ፓራስ ስድራይ ንምርካብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ምውሳዱ ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ። ብተደጋጋሚ ሓቲተዮም ዘይሓገዙኒ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዕጉብ ኣይነበርኩን፤ ምስ ኣደይ ክዛረብ ከለኹ ግን ኣዝየ ተሓጒሰ። ንሳ 'ስለምንታይ ገዲፍካኒ ኬድካ’ ኢላ ትበኪ ነይራ። 'ፈጺመ ገዲፈኪ ኣይምኸድኩን፤ ጠፊአ'የ ኢለያ" ኢሉ።