ሽዱሽተ ሰሙናት ዝወስድ ዝዓበየ ምርጫ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊ መረጻ ህንዲ 2024፡ ካብ 19 ሚያዝያ ክሳብ ሓደ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝካየድ እቲ ዝዓበየ መረጻ ዓለምና እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ፡ ንሳልሳይ ግዜ ክዕወት ተስፋ ይገብር ኣሎ።
ተቓወምቲ ሰልፊታት ግን፡ ንሱ ኣብ ስልጣን እንተቐጺሉ ህንዲ ብዙሕ ናጽነታት ክትከስር እያ ይብሉ።
ኣንጻር ሰልፊ ሞዲ ዝዀነ ቢጄይፒ ዝነሓንሑ ሰልፊታት
ባህራቲያ ጃናታ (ቢጄፒ)፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ህንዲ እዩ።
እዚ ሰልፊን መላፍንቱን፡ ንሳልሳይ ግዜ ንታሕተዋይ ቻምበር ባይቶ ህንዲ ክዕወቱ’ዮም ዝብሉ ግምታት ኣለው።
እቲ ታሕተዋይ ቻምበር፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር መሪጹዎ፤ ንሱ ኸኣ ሚኒስትራት መንግስቲ ይመርጽ።
ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ እቲ ሰልፊ 303 መናብር ክዕወት እንከሎ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥምረት ውድባት ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ ብሓፈሻ 352 መናብር ሒዙ።
ኣብ 2024 እቲ ቀንዲ ብድሆ ካብቲ ብዓቢይ ተቓዋሚ ሰልፊ ህንዲ ሃገራዊ ኮንግረስ ዝምራሕ ጥምረት ፖለቲካዊ ውድባት ዝመጽእ እዩ ክኸውን።
ልዕሊ 24 ደርዘን ተጸንቢረን ሃገራዊ ልምዓታዊ ሓቛፊ ኪዳን ህንዲ (ብሓጺሩ “ህንዲ”) ኣቚመን ኣለዋ።
ኣብዚ ጕጅለ ዘለዉ ወሰንቲ ፖለቲከኛታት ፕረዚደንት ኮንግረስ ማሊካርጁን ካርገ፡ ከምኡ'ውን ኣሕዋት ራሁልን ፕርያንካ ጋንዲን ይርከብዎም፤ ኣቦኦም ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ራጂቭ ጋንዲ እዩ።
ኣደኦም ሶንያ ጋንዲ ድማ፡ ሓያል መራሒት ተቓዋሚት ኰይና ግን ከምቲ ኣብ 2019 ዝገበረቶ ጽዑቕ ጎስጓስ ክትገብር እያ ዝብል ትጽቢት የለን።
ንደልሂ ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ኣም ዓድሚ (AAP) ምስ ሓያሎ ኣገደስቲ ዞባዊ ውድባት ጥምረት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሰለስተ መራሕቲ ኤኤፒ ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲን ዝመርሖ ሰልፊ ቢጄፒን ኣብ ልዕሊኡ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ፣ ቢጄፒ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጐ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊ መራጻ ህንዲ ስለ ምንታይ ኣገዳሲ ኰይኑ?
ሞዲ፡ ህንዲ ሳላ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባን ምስታ ህንዲ ኣንጻር ቻይና መሓዛኣ ክትከውን እትደሊ ኣመሪካ ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድናን፡ ዓለማዊ ደረጃኣ ዓብዩ’ዩ ክብል ይኽእል።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ን800 ሚልዮን ድኻታት ህንዲ ብነጻ እኽሊ ምሃብን ካብ ትሑት እቶት ዘለወን ስድራቤታት ንዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ 1250 ሩፒ (16 ዶላር) ምወላ ዝኣመሰሉ መደባት ድሕነት ኣተኣታትዩ።
ኮንግረስ ህንዲ፡ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ከም ዘሎ ይገልጽ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ክፍሊት ድሕነት ክረኽባ፤ ሰለስተ ሚልዮን ተወሳኺ ዕድል ስራሕን ካብ ኮሌጅ ዝወጽኡ ድማ ናይ ስራሕ ልምዲ ዝረኽብሉ ዕድላት ንምሃብን ተመጻቢዑ ኣሎ።
ህንዲ “ናብ ምልካዊ ስርዓት” ከይትወርድ ንምክልኻል ከም ዝሰርሕ’ውን ቃል ኣትዩ።
ውሑዳት ጕጅለታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣድልዎን መጥቃዕትን ከም ዘጋጥሞምን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሞዲ ድማ “ካልኣይ ደረጃ” ዜጋታት ኰይኖም ክነብሩ ከም ዝተገደዱን ይዛረቡ፤ ሰልፊ ሞዲ እዚ ኣይቕበሎን።
ንዓለምለኻዊ ሲቪላዊ ሓርነታት ዝጕስጕስ ጕጅለ ፍሪደም ሃውስ፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ንመንግስቲ ሰልፊ ቢጄፒ ዝምጕቱን ዝበጽሖም ምግፋዕ እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ይገልጽ። ህንዲ “ብኸፊል ጥራይ ነጻ” ዝዀነት ሃገር ኢሉ ይምድባ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መረጻ ስለ ምንታይ ነዊሕ ግዜ ይወስድ?
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝተዳለው ቦታታት፡ ኣብ 7 መዓልታት መረጻ ክካየድ እዩ፤ እዚ ድማ 19 ሚያዝያ፡ 26 ሚያዝያ፡ 7 ግንቦት፡ 13 ግንቦት፡ 20 ግንቦት፡ 25 ግንቦትን 1 ሰነን ዝካየድ ክኸውን እዩ።
ውጽኢት እዚ መረጻ ክኣ 4 ሰነ 2024 እዩ ክግለጽ።
ኣካላት ጸጥታ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ነቑጣታት ምርጫ ንክሕልዉ፡ እቲ ድምጺ ዝወሃበሉ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክኸውን ተገይሩ ኣሎ።
ነዚ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኤሌክትሮኒካዊ ማሽናት ተዳልዮም ኣለው።
መን ንመን ይመርጽ?
ህንዲ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ፤ 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ኣለዋ።
ካብዚኦም፡ እቶም 969 ሚልዮን ሰባት ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ድምጾም ክህቡ እዮም ተባሂሉ ይግመት።
መረጽቲ ዜጋታት ህንዲ ክዀኑ ኣለዎም፣ ዕድመኦም 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክዀኑን ኣብ መዝገብ መረጽቲ ዝተመዝገቡን’ውን ክዀኑ ኣለዎም።
ብተወሳኺ፡ ሕጋዊ ናይ መራጺ መለለዪ ካርድ የድልዮም።
እቶም፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ 13.4 ሚልዮን ዜጋታት ህንዲ’ውን፡ ተመዝጊቦምን ናብ ህንዲ መጺኦምን ኣብዚ መረጻ ክሳተፉ ይኽእሉ።
ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ (ሎክ ሳባ) 543 ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ ኣለው፤ ሓደ ውልቀ ሰልፊ ወይ ጥምረት ምምሕዳር ንምምስራት ብውሑድ 272 መናብር የድልዮ።
ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶ ንሓደ ምርጫ ዞባ ወኪሎም ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሑ ኰይኖም፡ እቲ ዝሰዓረ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሕጹይ ይኸውን።
ነቶም “መደብ ማሕበራዊ ቀጸለታት” (Scheduled castes) ከምኡ’ውን “መደብ ቀቢላታት” (Scheduled tribes) ዝበሃሉ ኣባላት ባይቶ 131 መናብር ተሓዚኡ ኣሎ።
እዚኦም ብወግዒ ድኻታት ጕጅለታት ኰይኖም፡ ኣስታት ርብዒ ህዝቢ ህንዲ ዝሓቘፉ እዮም።
ህንዲ፡ ሲሶ ናይቲ መንበር ንደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ሕጊ ኣጽዲቓ’ኳ እንተነበረት፡ እዚ ግን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን።
ድምጺ ብኸመይ ይእከብ?
ህንዲ 3.3 ሚልዮን ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዋ ኰይና፡ ሕጋጋት ምርጫ እታ ሃገር ናብ ነፍሲ ወከፍ ነበርቲ ዝቐረበ ነቑጣ ምርጫ ክህሉ ኣለዎ ይብል።
ኣብ 2019 ዝተኻየደ መረጻ ክሳብ እቲ ኣብ ጉጃራት ከባቢ ሃገራዊ ሕዛእቲ ጊር ኣብ ጫካ ንዝነብር ሓደ ሰብኣይ ዝኸውን ነቝጣ መረጻ ነይርዎ።
ኣብ ምርጫ 2024፡ ሰበስልጣን ድምጺ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መራጺት ንምእካብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ እትርከብ ግዝኣት ኣሩናቻል ፕራደሽ ናብ እትርከብ ሓንቲ ቍሸት ን39 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ክጓዓዙ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







