ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር እንታይ ዘትዮም?

ትማሊ 2 መጋቢት 2023 ኣብ ዩጋንዳ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፡ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ብምርኻብ ኣብታ ሃገር ዝረኸብዎ ዕድላት ብምምስጋንን ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕን ሓደ መዓልቲ ዝወሰደ፡ The Eritrean Diaspora Investment Conference ዝተሰመየ ዓውደ ዘተ ኣካይዶም።

ሓንቲ ካብ ወደብቲ እቲ ዓውደ ዘተ ዝኾነት ቅሳነት ቴድሮስ፡ ቀንዲ ዕላም እቲ ዘተ፡ ነቲ መንግስቲ ዩጋንዳ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሩ ንኸውፍሩ ዝፈጠሮ ምቹእ ባይታ ንምምስጋን ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ጐድኒ ጐድኑ ኸኣ ኣብ ባይታ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ እታ ሃገር ከምዝዘተይሉ ገሊጻ።

እቲ ዓውደ ዘተ ንምሉእ መዓልቲ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ቤት ጽሕፍት ፕረዚደንት ዘማእከሎ ኣብ ኣዳራሽ ባይቶ እታ ሃገር’ዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዓውደ ዘተ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ክሳተፉ እንከለዉ፡ ካብ ሰብ መዚ ኡጋንዳ ልዕሊ 30 ሚኒስተራትን ወከልቶምን ተሳቲፎም።

ሚኒስተር ካምፓላ ሲቲ ሓጃት ሚኒሳ ካባንዳ፡ ሚኒስተር መሬት ጁዲዝ ናቦኮባ፡ ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸረ ብልሽውና፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀነራል ዳቪድ ሙሆዚ፡ ዳይረክተር ጀነራል ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሄንሪ ምወበሳ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ሚኒስተር ፍትሕን ቅዋምን፡ ሚኒሰትር ንግድን ኢንዲስትርን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ካልእ ጽፍሕታትን ዘለዎም ሓለፍቲ ኣብቲ ዓውደ ዘተ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ዩጋንዳ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ቱሪዝም፡ ሕርሻ፡ ጸሓያዊ ጽዓት፡ ህንጻ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ኢንዳስትሪን ካልኦት ንግዳውያን ትካላትን ኣውፊሮምን ተዋፊሮምን ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዩጋንዳ ስደተኛታት ኰይኖም ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት ይግመቱ። ብዙሓት ካብኦም ድማ ኣብ ብውልቃዊ ስራሕ ህወቶም ይመርሑ።

ኣብ 2022 ብቢቢሲ ሓንቲ ካብተን 100 ጽልዋ ዝፈጠራ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰመየት ቅሳነት ቴድሮስ፡ “ኣብዚ ዓዲ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ብልሽውና ዝተሓሓዝ ጸገማት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ናበይ’ዮም ከመልክቱ ዘለዎም? ቀንዲ ተሓታቲ መን’ዩ ወይ ኣየናይ ትካል እዩ፡ ኣብ ዝብል ንጹር ስእሊ ንኽንሕዝ ሓጊዙና’ዩ” ትብል።

ወናኒትን ማነጂን ዳይረክተርን ቢየም ሆቴል ኤርትራዊት ክሪስቲና የማነ’ውን ሓንቲ ካብቶም ነዚ ዓውደ ዘተ ዝወደቡ ኰይና፡ እዚ ዓውደ ዘተ ልዕሊ ዝዀነ ነቶም ብሕጂ ኣብ ዩጋንዳ ወፍሪ ከካይዱ ዝደልዩ ኤርትራውያን ባይታ ዘጣጥሕ ከምዝዀነ’ያ ትሕብር።

“ጋሻ ኴነካ ናብ ሓደ ሕብረተሰብ ኣቲኻ ዝዀነ ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይድ ኣብ እትሓስበሉ፡ ቀዳማይ ክትፈልጦ ዘለካ ነገር ምስቲ ንስኻ እትገብሮ ወፍሪ ኣብ ዝተኣሳሰር ሕጊ እታ ሃገር እንታይ’ዩ ዝብል ምፍላጥ’ዩ” እትብል ክሪስቲና፡ እዚ ዓውደ ዘተ ነዚ ነገራት ዘነጽር ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝነበረ ትገልጽ።

ክሪስቲና ኣተሓሒዛ፡ “መንግስቲ ዩጋንዳ ንሕና ዘሎና ኣረኣእያ ክሰምዓና ምኽኣሉ ሓደ ጽቡቕ ነገር ኰይኑ፡ ንሕና ብርእሰ ተኣማማንነት ዝጀመርናዩ ወፍሪ ክንቅጽልን ካልእ ክንጅምርን እንተኽኢልና ካልኦት ኣውፈርቲ ናብዚ ዓዲ ክመጽኡ ከምዝኽእሉ እኹል ምርድዳእ ተገይሩ’ዩ” ትብል።

“ጌጋ ሓበሬታን፡ ምስ ዘይምልከቶም ሰባት ተራኺቦም ኣብ ዘይዕዉት ወፍሪ ኣካይዶም ዝኸሰሩ ሰባት ኣለዉ፡ እዚ ዋዕላ እዚ ኸኣ እንታይ ከተውፍር እንተደሊኻ ምስ መን ትራኸብ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ካብ መን ትረኸቦን ንዅሉ ዝሕግዝ ሓበሬታ’ዩ ነይሩ” ትብል ክሪስቲና።

ቅሳነት ቴድሮስ ብወገና፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ንኤርትራውያን ትከታተል ‘Eritrean affairs’ ዝተበሃለት ቤት ጽሕፈት ክትክፈት ምዃናን፡ ዝዀነ ኤርትራዊ ዘለዎ ጸገማት ብቐረባ ትሰምዕ ክትከውን ምዃናን ቃል ተኣትዩልና ኣሎ” ብምባል፡ እዚ ከም ኤርትራውያን ነበርቲ ዩጋንዳ ሓሳብናን ድሌትናን ክንስማዕ ዝሕግዝ ዓቢይ ነገር’ዩ ትብል።

ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ሰብ ትካላት ኣብ ዩጋንዳ ኣመልኪቱ፡ ንቢቢሲ ትዕዝብቱ ዘካፈለ፡ ኣብ ዓውደ ቱሪዝም ዝነጥፍ ጸላዊ ዩጋንዳዊ ኣሞስ ወኬሳ፡ "ኤርትራውያን ዘለዎም ባህሊ ስራሕ፣ ሓቢርካ ምስራሕን ፈጠራውነትን ዝድነቕ እዩ፤ ንሕና ዩጋንዳውያን ካብኣቶም ብዙሕ ክንመሃር ይግባእ. . . ንምሃር'ውን ኢና፡" ኢሉ።

ኣሞስ ኣተሓሒዙ፡ ኣበርክቶ ኤርትራውያን ኣብ ምፍጣር ዕድላት ስራሕን ምስግጋር ክእለታትን ንዩጋንዳውያን ኣገዳሲ ተራ እዮም ዝጻወቱ ዘለዉ ድሕሪ ምባል፡ ዩጋንዳ ከም ካልኣይቲ ዓዶም ኰይና ክትስምዖምን፡ ምስ ዩጋንዳውያን ውህደት ፈጢሮም ቀሲኖም ክነብሩን ዝያዳ ከዋፍሩን ኢና ንደሊ ኢሉ።

እዚ ትማሊ ኣብ መንጐ ኤርትራውያንን ሰበስልጣን ዩጋንዳን ዝተኻየደ ዘተ፡ ነቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ዕንቅፋታታትን ቢሮክራስያዊ ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ዘኽእል ኣሰራርሓ ንምትእትታው ባይታ ክፈጥር ተሳተፍቲ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።