ወለድኹም ፈጺሞም ዘይነግሩኹም ታሪኽ

ስነ ጥበባዊ ቻርሊ ኤክሲኤክስን ኣባል ባይቶ ፕሪቲ ፓተልን፡ ካብቶም ብ1971 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ዩጋንዳ ዝሃደሙ ኤዥያዊ ሓረግ ዘርኢ ዘለዎም ኢንግሊዛውያን ኤስያውያን እዮም።

ውልቀ መላኺ ዩጋንዳ ኢዲ ኣሚን፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 70 ሽሕ ኤስያውያን ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክትወጽኡ ኣለኩም ዝብል መምርሒ ሂቡ ነይሩ።

እዚ፡ ሎሚ 50 ዓመት መሊኡዎ ኣሎ።

ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ብ1894፡ ዩጋንዳ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣኒያ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ብዙሓት ህንዳውያን መገዲ ባቡር ክሃንጹ፡ ናብ ዩጋንዳ መጺኦም።

እቶም ኣብኡ ዝተረፉ፡ ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር ዓብላልነት ዘለዎም ኮኑ፤ ኢዲ ኣሚን ግን ነዚ ኣይተቐበሎን።

መብዛሕትኦም ፓስፖርት ብሪጣኒያ ዝነበሮም ብውሑድ 30 ሽሕ ዝዀኑ ኤስያውያን ደማ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ መጺኦም።

እቶም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝርከቦ ብዙሓት ጸገማት ኣጓኒፉዎም’ዩ።

ገሊኦም ክኣ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ከም ብሓድሽ እግሮም ክተኽሉ ጻዕሪ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ዓሌታውነት ገጢሙዎም።

ሎሚ፡ ኡጋንዳውያን ኤስያውያን ኣዝዮም ዕውታት ትካላት ዝውንኑን ንመጻኢ ወለዶኦም ባይታ ዘንጸፉን ኰይኖም ኣለው። እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ብዙሓት ንደቈም ዘይዛረቡዎ ታሪኽ ኣለዎም።

ሕጂ፡ 50 ዓመት ናይ ስደት ህይወቶም ኣብ ዝዝክርሉ ግዜ፡ መናእሰይ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክሓቱዎም ጀሚሮም።

‘ህድማ’

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንኩር ዲሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ንፈለማ እዋን ኣዲኡ ኣብ ዩጋንዳ ብዛዕባ ዝነበራ ናይ ቁልዕነት እዋን ሓቲቱዋ።

እቲ፡ ካብታ ሃገር ወጺኦም ክኸዱ ዝተዋህበ መምርሒ “ሃንደበት ዝመጽአ’ዩ” እትብል ምሩዱላ፡ ሰባት እቲ መምርሒ ሓቂ ከምዘይመሰሎም ትገልጽ።

“ኢዲ ኣሚን፡ ደቂሱ እንከሎ ኩሎም ህንዳውያን ካብ ዩጋንዳ ከወግዶም’የ ኢሉ እዩ ሓሊሙ ይብሉ ነይሮም። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን፡ ናይ እማን ምዃኑ እናርኣዩዎ መጺኦም፤ ሰራዊት ክኣ ምስ ሰባት ክጓነጹ ጀሚሮም።

ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ምኻድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ። እቶም ወተሃደራት ጠጠው የብሉዎም፣ ይሃርሙዎም፣ ዝሓዙዎ ይሰርቁዎም ነይሮም። ወርቂ፣ ገንዘብ - ኩሉ። ኩሉ ሰብ ንክሃድም ጥራይ ይጓየ ነይሩ” ትብል።

ይኹን’ምበር፡ ምሩዱላ ቅድሚ እዚ ብኢዲ ኣሚን ዝተዋህበ ቀጢን መመርሒ ዘዋህለለቶም ጽቡቓት ዝኽርታት ኣለውዋ።

“ኣብ ዩጋንዳ ዝነበረ ህይወት ፈጺመ ኣይርስዖን። እተን ናይ 90 መዓልታት ትእዛዝ እንተዘይመጽኣ ነይረን፡ ኣዝዩ ብሉጽ ህይወት ምነበርና ነይርና” ኢላ።

ኣንኩር፡ ኣዲኡን ስድራቤቱን ዘሕለፉዎ ህይወት ምስማዕ፡ ዓይኑ ከም ዝኸፈተሉ ይዛረብ።

“ጽንዓቶምን ቆራጽነቶምን ንኹላትና ጸገም ኣብ ዘጋጥመና እዋን ትምህርቲ'ዩ። ወለደይ ምስቲ ክሰግርዎ ዝነበሮም ዕንቅፋታትን መሰናኽላትን ብምንጽጻር፡ ንዓይ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ መድረኽ ክህቡኒ ከይተሓለሉ ሰሪሖም"።

‘ዓይንና ተሸፊኑ መጺእና’

ኣቦ ሳንጄይ ዳታኒ ሳኒል፡ ተመሃራይ መባእታ ቤት ትምህርቲ እንከሎ’ዩ ካብ ዩጋንዳ መጺኡ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ፋብሪካታት ስራሕ ረኺቡን መራሒ ኣውቶብስ ኰይኑ ሰሪሑን።

ዩጋንዳውያን ኤዥያውያን፡ መንፈስ ፈጠራውነት ስራሕ ኣለዎም ይብሃል። ብ1981 ድማ፡ ሱኒል ኣብ ሌስተር ናይ ባዕሉ ንግዲ ከፊቱ - ሬድ ሮዝ ሽም እቲ ናይ መርዓ ስእልን ቪድዮን ዝሰርሓሉ ትካሉ’ዩ።

ኣቡኡ፡ ካብ ህንዲ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ መጽአ ዝሰርሖ ንግዲ ስለ ዝዀነ ንሱ’ውን ነዚ ኣሰር ክኽተል ድልየት ሓዲሩዎ።

ግን፡ ቀሊል ኣይነበረን።

“ናብዚ ዓይንና ተሸፊኑ ኢና መጺእና። ከቢድ ነይሩ፤ ከበድቲ ጊዜያትን ንክትነብረሉ ዝኸብድ ቦታን። ትሸዓተ ቈልዑ ዝርከቦ ስድራ ኣብ ሓደ ገዛ ኢና ንነብር ነይርና” ይብል።

ብ1972፡ ካውንስል ከተማ ሌስተር፡ ሰባት “ናብ ሌስተር ከይመጽኡ” ዝብል ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣ ዩጋንዳ ኣሕቲሙ።

ሱናሊ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ መጽአ ዓሌታውነት ገጢሙዎ’ዩ።

ግን “ንዕኦም’ውን ሓድሽ ነገር ኰይኑዎም’ዩ ኢለ ይግምት። ከመይ ኢሉ’ዩ ኩሎም ኤስያውያን ናብዚ መጺኦም?” ይብል።

ወዱ ሳንጄይ፡ ዋላ’ውን እቶም ማሕለኻታት እንተበዝሑ፡ “እቲ ኩነታት ብዘየገድስ፡ ንግዲ ምጅማር፣ ምፍታንን መዋጽኦ ምፍጣርን ኣብ ደምና ዘሎ ነገር’ዩ” ኢሉ።

‘ኣካል ኩሉ ታሪኽና’

ጓል 29 ዓመት ቫኒሻ ስፓርክስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ “መበቈለይ ዋላ ሓደ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፤ ብፍላይ ብዛዕባ ዩጋንዳ” ትብል።

ኣዲኣ ጄዮቲ ሓንቲ ካብቶም መጀመርታ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው ክልተ ሽሕ ኤስያውያን እያ።

ናብታ ሃገር ምስ መጽኡ፡ መጀመርታ ኣብ ሳፎልክ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ እዮም ኣትዮም። እዚ ኣርኤኤፍ ስትራንዲሻል ዝበሃል ቦታ ሕጂ ቤት ማእሰርቲ እዩ።

“ኩሉ ነገር ተገዲድካ ንድሕሪት ገዲፍካዮ ምውጻእ ፈጺመ ክሓስቦ ኣይክእልን። ማለት፡ ልክዕ፡ ሰባት ገዛኺ ብሓዊ ክቃጸል’ዩ እሞ ሒደት ዘድልየኪ ነገራት እንታይ ኣሎ ክብሉኻ እንከለው እዩ” ትብል ቫኒሻ።

ንሳ፡ እቲ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን ዝሓለፉዎ ህይወት ዚያዳ ንምርዳእ ናብቲ ተዓቊቦምሉ ዝነበረሉ ሕጂ ቤት ማእሰርቲ ዝዀነ ቦታ ከይዳ እያ።

“ኣብዚ ዘለው ሰባት፡ እዚ ጥራይ ጁባኦም ዝመጽኡ ኤስያውያን መዕቈቢ ኰይኑ ዘገልገለ ቦታ ኣይፈልጡዎን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገራት ብዙሕ ዝኽሪ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ታሪኽ ዩጋንዳዊ ኤስያዊ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ኣካል ኩሉ ታሪኽና ስለ ዝዀነ ኩሉ ብሪጣኒያዊ ክፈልጦ ዘለዎ እዩ”።

‘ኣፍሪቃ ኣብ ደምካ’ያ’

ኣደ ራፐር ፕሪሜዝ፡ ካብ ዩጋንዳ ኣቡኡ ድማ ካብ ኬንያ እዮም።

“ቈልዓ እንከለኹ፡ ካብኡ ከም ዝመጽኡ ፈሊጠ፤ ግን የደናግረኒ ስለ ዝነበረ ‘ኣብ ህንዲ ዝነበርና መሲሉኒ’ ይብል ነይረ” ይብል።

ፕሪሜዝ፡ ስድራቤቱ “ኣፍሪቃ ኣብ ደምካ’ያ” ይብሉዎ ከም ዝነበሩ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ድሕረ ባይትኡ ኣይርድኡዎን።

“ኣደይ ካብ ኣፍሪቃ ከም ዝዀነት ክነግሮም እንከለኹ፡ ‘ዋእ፤ ጸሊም ኣይኰንካን ይብሉኒ”።

ብ1997፡ ገለ ኣባላት ስድርኡ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ናብ “ገዝኦም” ክምለሱ ዘቕረቦ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉዎ ይዛረብ።

“ኣብኡ ንግዲ ጀሚሮም ይነብሩ ኣለው፤ ሕጉሳትን ብልጹጋትን’ዮም” ኢሉ።

ታሪኽ ወለዱ ምስማዕ፡ ፕሪሜዝ፡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ኣመለኻኽታ ክሕዝ ጽልዋ ኣሕዲርሉ’ዩ።

"በቃ፡ ንዕኡ ካልእ ዓይነት ኣድናቖት ኣለኒ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ንርእሰይ ጻዕራም ሰብ እየ ኢለ’የ ዝወስድ። ኣነ ግን ኣብቲ ደረጃ ከም ዘይበጻሕኩ ርዱእ'ዩ። እቲ ንሳቶም ዝሓለፉዎ፡ ዝተፈለየ’ዩ።

"እቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዩጋንዳ ዘጋጠመ ነገር ዝኸበደን ዝኸፍአን ነገር እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ግን ናብዚ ምስ መጽኡ ቀይሮምዎ።

"ብሓቂ ካብ ሕማቕ ኩነታት ዝበለጸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ሰባት ጥራሕ ኢዶም እዮም መጺኦም፤ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ሰሪሖም'ዮም።"