ዓሌታዊ ዘይማዕርነት ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ሕቡእ ጽልዋ እንታይ'ዩ?

እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሰብ ኣንጻር ማሽን ዝገበሮ ቃልሲ እዩ ነይሩ።

ኣብ 1800ታት ጸሊም ኣሜሪካዊ ሰራሕተኛ ባቡር ጆን ሄንሪ፡ ሓይሉ ክሳብ ንሞት ዝቃላዕ ጸንቂቝ ክጥቀም ዘገድድ ውድድር ኣጋጢምዎ።

ሽዑ፡ ህንጸት መንገዲ ባቡር ቸሳፒክን ኦሃዮን ኣብ ጐድኒ ግሪንብሪየርን ኒው ሪቨርን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ይቘጽር ነይሩ።

ሰራሕተኛታት መገዲ ባቡር ብቐንዱ መጋሕፈል፡ ዓረብያ ኢድ፡ በቕሊ፡ ከምኡ'ውን ጸሊም ባሩድ ተጠቒሞም ኣኻውሕን ሓመድን ብምእላይ ነቲ መገዲ ባቡር የዳልዉ።

ብመሰረት እቲ ኣፈ-ታሪኽ፡ ሄንሪ ሓደ ካብዞም ሰራሕተኛታት ባቡር ኰይኑ ስርሑ ንፍንጀራ ድሉው ዝዀኑ ብረታት ቀጥቂጡ ናብ ከውሒ ምእታው’ዩ ነይሩ።

ሽዑ ብትሕቲ ጎቦ ዝሓልፍ መገዲ ንምስራሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ቀጸላ ኣኻውሕ መዶሻን ሰርሳሪትን ተጠቒሞም ጉድጓድ ይዅዕቱ ነይሮም።

ሓደ ሰራሕተኛ ነቲ ከውሒ ብመዶሻ ብዝተኻእሎ መጠን ኣበርቲዑ እናሃረመ እታ ሰርሳሪት ናብቲ ከውሒ ክትኣቱ ይገብር። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ማህረምቲ ነቲ ከውሒ ቅሩብ ይግልብጦን ሓመድ ካብቲ ጉድጓድ ንምውጻእ ይንቐንቘን። ድሕሪኡ፡ እቶም ጉድጓዳት ብባሩድ ተመሊኦም ይፍንጀሩ እሞ፡ እቲ ከውሒ ናብ ንኣሽቱ ኣኻውሕ ይሰባበር። በዚ መስርሕ ዓበይቲ ኣኻውሕ ካብቲ ትሕቲ መሬት ክወጹ ይገብር ነይሩ።

ከምቲ ዛንታ ጆን ሄንሪ ዝሕብሮ፡ እቲ ኩባንያ ባቡር፡ ነቲ ስራሕ ንምቅልጣፍ፡ ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ክኹዕት ዝኽእል ብሃፋ ዝሰርሕ ሰርሳሪ ማሽን ኣምጺኡ። እዚ ማሽን ውሑድ ጻዕሪ ዝሓትት ግን ንመነባብሮ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ነይሩ።

ጆን ሄንሪ ካብቶም ኣብ መንገዲ ባቡር ዝሰርሑ ዝሓየለን ዝቐልጠፈን ሰብ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ንሱ፡ ካብቲ ማሽን ንላዕሊ ብዝቐልጠፈ ክዅዕት ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ ኣንጻር እቲ ማሽን ክወዳደር ጀሚሩ። ክልተ 10 ፓውንድ ዝምዘን መዶሻታት ብክልተ ኢዱ ተጠቒሙ፡ ነታ ሰርሳሪት ኣዝዩ ብቕልጡፍን ኣዝዩ ኣበርቲዑን እናሃረመ፡ ልዕሊ 4 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጉድጓድ ኵዒቱ። እቲ ማሽን 2.7 ሜተር ጥራይ ከምዝዃዓተ ይንገር።

ኣንጻር ኵሉ ዕድላት፡ ጆን ሄንሪ፡ ዘለዎ ሓይሊ ጸንቂቑ ነቲ ማሽን ረቲዕዎ'ኳ እንተዀነ ድሒሩ ግን ብድኻም ሞይቱ።

ዛንታ ጆን ሄንሪ ኣርእስቲ ብዙሓት ህዝባዊ ደርፊታት፡ ዛንታታት፡ ተዋስኦታት፡ መጻሕፍትን ፊልምታትን ከምኡ’ውን ሳይንሳዊ ጽንሰ-ሓሳብ ወይ ግምት ኰይኑ እዩ።

ኣብ 1970ታት፡ እቲ ሕጂ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ዝሰርሕ ክኢላ ስነ-ሕማም ለበዳ (epidemiologist) ሼርማን ጄምስ፡ ጥዕና ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝምልከት ዘጨንቕ ነገር ኣስተብሂሉ።

ህይወቱ ብዘደንቕ መገዲ ዛንታ ጆን ሄንሪ ዘቃልሕ ሓደ ሰብኣይ ምስ ረኸበ’ዩ ዝጅምር።

ብሓቂ እቲ ሰብኣይ እንተላይ ስሙ ከም ስም እቲ ሰራሕተኛ ባቡር ነይሩ።

እቲ ሰብኣይ ጸሊም ሓረስታይ ኰይኑ ጆን ሄንሪ ማርቲን ይበሃል።

ንሱ’ውን ኣንጻር ሓደ “ማሽን” ኣብ ዘይምዕሩይ ቃልሲ ተሳቲፉ ነይሩ። እቲ “ማሽን” ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ገጠራት ደቡባዊ ኣሜሪካ ዝነበረ ዘይማዕርነት እዩ።

ካብ ድኻ ወለዲ ዝተወልደ ጆን ሄንሪ ማርቲን ድሕሪ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቲ ኣቋሪጹ። ንነብሱ ምንባብን ምጽሓፍን ምሂሩ፡ ዕድመኡ 40 ምስ በጽሐ ድማ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ልዕሊ 30 ሄክታር መሬት ክውንን ክኢሉ። ንሕርሻኡ ዝተለቅሖ ዕዳ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ንምኽፋል ወሲኑ ስለ ዝነበረ፡ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ነይሩ።

እቲ ዅሉ ጻዕሪ ግን ዋጋ ዘየኽፈለ ኣይነበረን። ማርቲን ኣብ 50ታት ዕድሚኡ ብሕማም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ቅርጥማት ወይ ሪሕን ነድሪ ከስዐን ይሳቐ ነይሩ። ብርግጽ ኣዝዩ ከቢድ ነድሪ ከስዐ ስለ ዝሓመመ፡ 40 ሚእታዊ ከብዱ ክእለ ግድን ነይሩ።

“ዛንታኡ ንዛንታ 'ቲ ጆን ሄንሪ ዝበሃል ሰራሕተኛ ባቡር ዘቃልሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንተመኵሮ ህይወት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ዘቃልሕ’ዩ” ክብል ሼርማን ጀምስ ንፖድካስት ሶሻል ሳይንስ ባይትስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።

‘ጆን ሄንሪዝም’፡ ምስ ዘይምዕሩይነት፡ ፋይናንሳዊ ጸገምን ዓሌታዊ ኣድልዎን ተቓሊስካ ምስሳን ዘስዕቦ ሃሳዪ ጽልዋ ጥዕና የመልክት።

እዚ ጽንሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ውሽጢ ትሑት ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ኰይኖም ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ጸቕጢ ብንጥፈት ዝጻወሩ ውልቀሰባት፡ ካብቶም ዝዓበየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ዘለዎም ዝለዓለ ደረጃ ጸቕጢ ደም ከጋጥሞም ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ጆን ሄንሪዝም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ማሕበረሰባት፡ ከምኡ’ውን ብዓለም ደረጃ ኣብ ፊንላንድ፡ ሆላንድን ብራዚልን ኣጋጢሙ’ዩ።

ኣብ መንጎ ካልኦት ውሑዳት ህዝቢታት ዘሎ መርትዖታት ዝተሓዋወሰ እዩ። ኣብ 2006 ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ብተዛማዲ ሃብታማት ህንዳውያንን ቻይናውያንን ስደተኛታት እቲ ጽልዋ ኣይተረኣየን። እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ካልእ መጽናዕቲ ኣብ ዲትሮይት ኣብ ዝርከቡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ማሕበረሰባት ላቲኖ ተራእዩ እዩ።

ጆን ሄንሪዝም ብፍላይ ምስቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘይተመጣጠነ ቍጽሪ ጸለምቲ ውልቀሰባት ዝቐተለ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ኵነታት ንምርዳእ እኹል’ኳ እንተዘይኰነ፡ እቲ ጽንሰ-ሓሳብ ዘቐምጦም ጽልዋታት ኵነታት ልብን ልዑል ጸቕጢ ደምን፡ ሓደጋ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ክገብር ይኽእል።

ከምቲ ጀምስ ሼርማን ዝገልጾ፡ ዓወት እቲ ሰራሕተኛ ባቡር ጆን ሄንሪን ዓወት እቲ ሓረስታይ ጆን ሄንሪ ማርቲንን፡ ውልቀሰባት ነቶም ጸገማት ክሰግርዎም ከም ዝኽእሉ’ዩ ዝሕብር፡ ግን ከኣ “ብዘይ ቃልሲ ኣይኰነን፡ ብዘይ ዋጋ’ውን ኣይኰነን።”