ትግራይ፡ ኵነታት ድርቂ ብዓይኒ ጋዜጠኛ ቢቢሲ

ጋዛ ዝበልዓ ቈልዑ

እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናትን ዘስዐቦ ምፍንቓል፡ ብርሰትን ምምህማን ኵሉ ዓይነታት ዓቕሚን፡ ተወሰኾ ባህሪያዊ ጸገማት - ዋሕዲ ዝናብ ክረምትን ዝሰዓበ ድርቂን - ኣብ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ፡ ህዝቢ ንሕሱም ጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ኵነታት ብቐረባ ንምዕዛብን ንምጽብጻብን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ፡ ብከቢድ ተጠቒዑ ካብ ዝበሃል ከባቢ ዓድዋ፡ ቍሸት ዓዲ ማርቆስ ተንቀሳቒሱ ትዕዝብቱ ብኸምዚ ዝስዕብ የዘንቱ።

***

ነበርቲ ዓዲ ማርቆስ፡ ስድራ ኣቦይ ሓጐስ ኣበበ ብድርቂ ካብ ዝተጠቕዑ ስድራቤታት እዮም። ቍሸት ዓዲ ማርቆስ ብኩርባን ታባን ዝተኸበበ ኣፃድፍ ዝበዘሖ እሞ ድማ ኣንጉዕኻ ዘምክኽ ሃሩር ዘይፍለዮ ቆላ እዩ።

መሬት እንዳ ኣባ ፃሕማ ጥምየት ዘይፈልጥ ሃብታም ከም ዝነበረ እዮም ነበርቲ ዝገልጹ።

ቁሸት ዓዲ ማርቆስ ኲናትን ድርቂን ተባርዮም ማይ ንማይ ምስተረፈ፡ ኣያ ሓጐስ ዕኹቲ ለሚኖም ናብ ዝረኽብሉ ሃፅ ኢሎም ጠፊኦም።

በዓልቲ እንዳኦም ሃረያ ቀሺ በሪሁ፡ ውቃጦ ኣፍ ልባ ወሓለ ብቒሔፅልሚ ዝሰፈየቶ ወርቂ መሶብ ይመስል። ሎሚ ብሰንኪ ጥሜት ብርለ ክሳዳ ሓልቂሙ ዝሰተየቶ ማይ ኣብ ጎሮረኣ ክወርድ ይረአ፤ ሸውዓተ ቈልዑ ወሊዱ ዘዕበየ ሑቘኣ ሎሚ ደኺሙ እዩ።

ሃረያ ወጋሕታ ፀላም ተሲኣ ነታ ኣብ ማእከል ገደናኣ ዝበቘለት ኦም ጋባ ነኒዋ ነኒዋ ብኣፃብዕቲ ዝቝፀር ፍረ ጋባ ኣርያ፣ ንደቃ ተቝርስ፤ ደቃ ጋባ ላዕሊ ላዕሉ በሊዐን ኣይምሕረኦን፣ ነቲ ንቑፅ ፍረ ጋባ ብመድቆስ ኣብ መዲድ ሰይረን ኣንጉዕ ጋባ እውን ይለቕማ፤ እዚ ረኺበን ግን ‘ተመስገንካ!’ ይብላ።

ደቃ በዓል ቅብእተን፡ ለትሽን ምሕረትን ሃንዛን ጎጎን ዓጊፀን ኣጅቦ ዘጢረን ከም ሃገረን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ማርቆስ ኣስኳላ ዘስለጣ ንፉዓት ነይረን። ካብ ሕዳር 2023 ንናዘ ኣብ ገዛ ዝለሓስ ዝቝርጠም ምስተስኣነ፡ ፍረ ጋባ ኣብ ኢደን ሰኒቐን ራሕባ ኣንጠልጢለን ናብ ሩባ ወርዒ ይወርዳ፤ ይርከባ ይስኣና ወርቂ ክኣርያ።

ኣብ እግሪኦም ዝመሃሩ ተምሃሮ

ሰንበት ንግሆ ምስ በዓል ቅብእተን ናብ ወርዒ ወሪድና። ኣሳጕማአን ገዓት ብጠስሚ ዝገጠጣ እምበር ፍረ ጋባ ቆርጢመን ዝወፈራ ኣይመስላን። እሞ ድማ ብውዳእ ሳእኒ፣ ምሕረት ፀጋማይ እግራ ብዘይ ሳእኒ መገዲ ይስጕማ።

ጐራዙ ዓዲ ማርቆስን ገለበዳን ምዓለን ኣብ ሩባ ወርዒ ኰይኑ ረኺብናዮ። ሓመድ ፍሕር ውዒለን፡ ሩባ ወሪደን ሑፃ ብማይ ሓሕየን ብዓይኒ መርፍእ ሶቲኻ ትሓልፍ ወርቂ ክደልያ የምስያ። መሬት ዓይኒ ምስ ሓዘ ገሊአን ማይ ዓዂተን ገሊአን ብዓይኒ ብኽንደይ ጉድ ዝልለ ካብ ሑፃ ዝደቅቕ ወርቂ፡ ካብ 5 ክሳብ 20 ቅርሺ ሸይጠን ናብ ገገዛአን ይምለሳ።

በዓል ቅብእተን ብዝኣረያኦ ወርቂ ሸይጠን ዝረኸባኦ ንወላዲተን ንሃረያ የረክባ። ሃረያ ደቃ ብሰላም ክምለሳላ ኣብ ደገ ሰላም ቤታ ከተቋምት ተምሲ። ብዝሃባኣ ሳናቲም ክልተ ወይ ሰለስተ ሸሓኒ ሕሩጭ ገዚኣ መዋስኽቲ ጋባ ስብቆ ተድርረን።

ሃርያ ድርቂ 1977 ቈልዓ ኰይና ኣርኪባትሉ እያ፤ "ከምዚ ናይ ሎምዘበን ግን ኣይረኣናን" ትብል።

ደቁ ብጥምየት ከብደን እናሓኸኻ ደው ኢሉ ክርኢ ዝኸበዶ ኣያ ሓጐስ ዛጊድ ኣይተመልሰን። ዝነበራኦ ጥሪት ሸይጡ ዘለዎ የብሉን። ደቁ ካብ ትምህርቲ በዂረን ወርቂ ኣርየን ተመሊሰን ጐደሎ ቤተን ክምልኣ ኣብ ዘይዕድመአን ኣብ ሓሳብ ጥሒለን።

ዓዲ ማርቆስ ዝተረፈ የብላን፤ ተዘሚታ። ህዝባ ፋሕ ብትን ኣትይዎ፣ ጥሪቱ ተሓሪደን፣ ቤት ትምህርቲ ዓንዩ። ዝናብ ክረምቲ ሓሪሙ ድማ ዘራእቲ ኣብ ግራት እንከሎ ማህሚኑ።

"ኣቦይዝጊ እውን በዲሎምና እዮም" ትብል ሃርያ።

ቤት ትምህርቲ ዓዲ ማርቆስ ኣብ ርእሲቲ ዘይነበራ፡ ናሕሲ ተቓፂሉ፣ ተምሃሮ ብማይ ጠልቅዮም፣ ብፀሓይ ቀርኒዖም ብደሮና ፋሕሽዮም ይውዕሉ። ንማለቱ ደኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ኢሎም መፂኦም እምበር ኣብ ኢዱ ወይ ኣብ ቦርሳኡ ጋባ ዘይብሉ ይከሰስ፤ ኣብ መንጐ ትምህርቲ ጋባን መቒዕን እናመወፁ ሓሰኻ ከብዶም ይቐትሉ።

መምህር የማነ ተኽላይ፡ ዕድመ ሂብዎም ነዚ ሕማቕ እዋን ርእዮም፣ "ንተምሃሮ ክነርድእ ንሓደ ኣርእስቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክንደጋግመሎም ንግደድ” ይብሉ። ቀልቢ ተምሃራይ ናብ ከብዱ እምበር ናብ ሓንጐሉ ኣይኮነን።

ተምሃሪት ፍረይ ኣብርሃ፡ "እቲ ኵነታት ከምዘለዎ እንተቐፂሉ ንሕና እውን ከም መሓዙትና ትምህርቲ ምቍራፅና ኣይቐርን" ብምባል ዘለዋ ስግኣት ትገልጽ።

ኣብ እምኒ ተቐሚጦም ዝመሃሩ ህጻናት

ብመሰረት ፀብፃብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብደረጃ ክልል ልዕሊ 200 ሽሕ ተምሃሮ ብሰንኪ ጥምየት ትምህርቶም ኣቋሪጾም፤ እቶም ዘየቋረፁ እውን ዝተማልአ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ዘይብሉ እሞ ድማ ዝዓነወ መረባዕ ይመሃሩ ኣለዉ።

ህዝቢ ዓዲ ማርቆስ ብሰንኪ ኲናትን ጥምየትን ኣመና ተሃስዩ እንከሎ’ውን ጋሻ ክቕበል ኣጎዛኡ ዘንፅፍ ሓላል ህዝቢ እዩ። ወይዘሮ ሃረያ "እዛ ግዜ ሓሊፋስ ንዝክራ ዶንኾን" ብምባል ተስቆንቁን። ለይትን ቀይትር ብሓሳብ ከምእተስቈርቁር ገፃ ይምስክር፣ "ሎሚ ዶ ይድቀስ እዩ፣ ሎሚ እኮ ዓሻ እምበር ለባም ኣይድቅስን" ብምባል ኣምሪራ ትገልፅ።

"ንደቂና ዝኸውን ግዜ የምፀልና" ብምባል ድማ ንሳ ከም ምሕላፉ ከምዝሓለፈቶ ትዝክር። ኣብ ሰናይ ዘበን ዝተወልዱ ቈልዑ መዕበይኦም ዓቕላ ኣፅቢቡላ ምሒር ተስተማስል።

ኣብቲ ዓዲ ረድኤት ዝበሃል ወረ እውን ኣይስማዕን። ብፍላይ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት እዚ እዩ ዝበሃል ረድኤት ካብ ዘይወሃብ ዓመቱ ቀሪቡ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደቂ እንዳ ኣባ ፀሓማ ኣዋፂኦም ዝለኣኽዎ ገንዘብ መሸላ ባሕሪ ተሸሚቱ ምምሕዳር እቲ ኸባቢ ክዕድል ርኢና።

እንተ ስድራ ኣያ ሓጐስ ልክዕ ከምቶም ነበርቲ ጣብያ ዓረና ቁሸት ዓዲ ማርቆስ፡ ቀሪም መሸላ ረጊፆም ለዋህ ዘበን ክበርቀሎም ኣብ ቤተክርስትያን እንዳ ማርያም የርፍዱ።