ፕረዚደንት ቤላሩስ ብዛዕባ ሃለዋት መራሒ ቫግነር እንታይ ኢሉ?

የቭገኒ ፕሪጎዚን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሩስያ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ናዕቢ ዝመርሐ ሓላፊ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ኣብ ሩስያ ከም ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ተዛሪቡ።

ሃለዋት ፕሪጎዚን ካብቲ ናዕቢ ጀሚሩ ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ብመሰረት እቲ ነቲ ምትፍናን ንምቁራጽ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ተሰሪዙ ናብ ቤላሩስ ክግዕዝ ዕድመ ቀሪቡሉ ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ።

ትማሊ ሓሙስ ግን መራሒ ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ "ብዛዕባ ፕሪጎዚን ብዝምልከት፡ ኣብ [ሩስያዊት ከተማ] ሴንት ፒተርስበርግ'ዩ ዘሎ። ኣብ መሬት ቤላሩስ ኣይኮነን" ክብል ገሊጹ።

ቤተ መንግስቲ ክረምሊን፡ ንመግለጺ እቲ ደጋፊ ፕረደዚንት ቭላድሚር ፑቲን ዝዀነ ሉካሸንኮ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ምንቅስቓሳት ፕሪጎዚን "ኣይከታተልን" ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሉካሸንኮ ነቲ ናዕቢ ንምቁራጽ ነቲ ስምምዕ ክብጻሕ ኣሸማጊሉ ነይሩ፤ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ድማ ፕሪጎዚን ናብ ቤላሩስ ከም ዝኣተወ ገሊጹ ነይሩ።

ቢቢሲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ቤላሩስ እትበርር ዝነበረት ናይ ብሕቲ ጀት ፕሪጎዚን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ምሸት ናብ ሩስያ ክትምለስ እንከላ ተኸታቲሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሴንት ፒተርስበርግን ሞስኮን ሓያሎ በረራታት ኣካይዳ - ዋላ'ኳ ፕሪጎዚን ኣብታ ነፋሪት እንተነበረ ንጹር እንተዘይኮነ። ሉካሸንኮ፡ ብዛዕባ መራሒ ቫግነር ዘለወሉ ቦታ ዝሃቦ መግለጺ’ውን ቢቢሲ ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

ሉካሸንኮ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ" ዝተረፉ ተዋጋእቲ ቫግነር ገና ኣብ መዓስከራቶም ከም ዘለዉ - እዚ ድማ ምብራቓዊ ዩክሬን ወይ ኣብ ዞባ ክራስኖዳር ሩስያ ዝርከብ መዓስከር ስልጠና ከጠቓልል ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

መራሒ ቤላሩስ ቫግነር ንገለ ካብ ተዋጋእታ ኣብ ቤላሩስ ከዕርፉ ዝቐረበሉ ዕድመ - ክሳብ ሕጂ ከም ዘሎን መጽንሒም ዝኸውን ሓያሎ ኣብ ዘመነ ሶቭየት ዝነበረ ወተሃደራዊ ቦታታት ከም ዘቕረበን ገሊጹ።

እቲ ስጉምቲ ንጎረባብቲ ሃገራት ኔቶ ዘሰክፈ መብጽዓ ምንባሩ ይዝከር።

"ቫግነር ግን ዝተፈለየ ራእይ ኣለዎ" ዝበለ እቲ መራሒ፡ "ብርግጽ ብዛዕባ'ዚ ኣይነግረኩምን እየ" ኢሉ።

"ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ምግዓዞም ፍታሕ ኣይረኸበን።"

ዕጡቓት ቫግነር ኣብ ናዕቢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ጉጅለ ቫግነር ኣብ ዩክረይን ኣብ ጎኒ ስሩዕ ሰራዊት ሩስያ ተሰሊፉ ክዋጋእ ዝጸንሐ ብናይ ዝተዓሰቡ ወተሃደራት ዝቖመ ናይ ብሕቲ ትካል'ዩ።

ሉካሸንኮ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ዕጡቓት ቫግነር ኣብ ቤላሩስ ምህላዎም ከም ዘይሻቐል ብምግላጽ፡ "ብዝተወሰነ ቅድመ ኩነት" ኣብታ ሃገር ክህልዉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ን"ተመኩሮ" ቫግነር ብምንኣድ፡ "እቲ ቀንዲ ቅድመ ኩነት፡ ሃገርና ንምክልኻል ከነውጽኦም እንተድኣ ኣድልዩና፡ ብቕጽበት፡ ብዝኾነ ኣንፈት ክግበር'ዩ" ኢሉ።

እንተዀነ ቫግነር ኣብ ቤላሩስ ናዕቢ ካካየድ ተኽእሎ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።

"ኣብ ህይወት ኩሉ ዓይነት ነገራት ይፍጸም'ዩ፡ ንሕጂ ግን ከምኡ ኩነታት ኣይርኣየንን’ዩ.. . . ናብዚ እንተመጺኦም ብቐረባ ክንከታተሎም ኢና" ክብል መራሒ ቤላሩስ ገሊጹ።

ሉካሸንኮ ካብ 1994 ጀሚሩ ንቤላሩስ ዝመርሕ ዘሎ ኰይኑ፡ ስልጣን ንምዕቃብ ኣብ ምርጫ 2020 ከም ዘታለለ ብሰፊሑ ይግመት።

ቅድሚኡ ዝነበረ ምሸት፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ሩስያ፡ ንፕሪጎዚን ኣብ ውሽጢ ሓደ ብፖሊስ ዝተፈተሸ “ርሻን” ሃብቱን ኣጽዋሩን ብምርኣይ ክጅሃር ዘርኢ ጸብጻብ ኣቕሪባ ነይራ።

እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ጥማራት ጥረ ገንዘብ፡ እኩብ ዊግ፡ ምሉእ ዕጥቂ ዘለዎ ክፍሊ ሕክምናን ወርቃዊ ባርን ዘርኢ እዩ።

ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ሎሚ ኣብ ሚኒስክ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ሎሚ ኣብ ሚኒስክ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ነይሩ

ኣብቲ ናዕቢ ወተሃደራት ቫግነር ካብ ናይ ሜዳ መዓስከራት ዩክረይን ናብ ደቡባዊት ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ሰጊሮም ንገለ ወተሃደራዊ ትካላት ተቖጻጺሮም።

ብድሕሪኡ ናብ ሰሜን ኣንፈት፡ ናብ ሞስኮ ገጾም ብምግስጋስ፡ ክረምሊን ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝርከቦም ብዙሓት ዞባታት ጽኑዕ ጸጥታ ከተኣታቱ ኣገዲዶሞ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሒሩ ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ኣብረርቲ ሩስያ ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ነፈርቲ ከም ዝዓነዋን ኣሚቱ ነይሩ።

ፑቲን ፈለማ ነቲ ጉጅለ ብኽድዓት ከሲስዎ እኳ እንተነበረ፡ ብመሰረት እቲ ነቲ ናዕቢ ዘህድአ ስምምዕ ግን ንፕሪጎዚን ጸጥታዊ ውሕስነት ክህቦ ቃል ኣትዩሉ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ቫግነር ዘቕረበቶ ገበናዊ ክሲ ድማ ተቛሪጹ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ ወይ ምስ ስሩዕ ሰራዊት ውዕል ክፈርሙ፡ ናብ ዓዶም ክኸዱ ወይ ድማ ናብ ቤላሩስ ክሰግሩ ከም ዝኽእሉ ተነጊርዎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብሳተላይት ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ኣብ ጥቓ ሚንስክ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ነበር፡ ዝትከል ዘሎ ቴንዳታት ዝመስል ከምዘሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ናብኡ ከምዝተወስዱ ዝሕብር ምልክት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን።