ንደቅና ብዛዕባ ዓሌትነት ብኸመይ ንምህሮም?

ምስ ወድኹም ኣብ ኣውቶቡስ ኮፍ ኢልኩም ከምዘለኹም ሕሰቡ። ሓደ ዕማመት ወይ ጥምጣም ዝለበሰን ጀለብያ ዝተኸደነን ኣትዩ ኣብ ጥቓኹም ኮፍ ይብል።

ወድኹም ኣተኲሩ ነቲ ሰብኣይ ድሕሪ ምጥማት ናባኹም ዘይሩ "እዚ ቀምሽ ዝተኸደነ ሰብኣይ ጭሕሙ ነዊሕ’ዩ? ግብረሽበራዊ ድዩ?" ኢሉ ይሓተኩም።

እንታይ ትብሉ?

መብዛሕትና ኣዝዩ ሓፍረት ይስምዓና። እንወስዶ ቀዳማይ ባህርያዊ ስጉምቲ ድማ ወድና ስቕ ክብል ምግባር እዩ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰብኣይ ዘይርና ይቕሬታ ዝሓትት መንገዲ ፍሽኽ ንብል።

ግን ቅኑዕ ግብረ መልሲ ድዩ?

ዓሌትነት፡ ገለ ዓሌታት ብተፈጥሮኦም ካብ ካልኦት ዝበልጹ ወይ ዝንእሱ እዮም ምሕሳብ ወይ ነዚ ዘንጸባርቕ ተግባር ምፍጻም ማለት እዩ።

ብመሰረት’ዚ ዝፍጸም ኣድልዎ፡ ኣብ ሃብትን ኣታዊን፡ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን፡ ሲቪላዊ መሰላትን ካልኦት መዳያትን ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ዘደልድሉ ስርዓታት ፖለቲካ፡ ቁጠባ ወይ ሕጋዊ ትካላትን የጠቓልል።

ዓሌታውነትን ዓሌታዊ ኣድልዎን ብዙሕ መልክዕ ዘለዎን ንኹሉ መዳያት ህይወት ዝጸሉን እዩ።

ንዕድል ስራሕ፡ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ማዕረ ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ መግቢ፡ ማይ ወይ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ቤት ፍርዲ ክጸልው ተኽእሎ ኣሎ።

ዓሌትነት፡ ጽልኢ ወጻእተኛታትን፡ ምስዚ ዝተኣሳሰር ኣድልዎን ዘይተጻዋርነትን ኣብ ኵሎም ሕብረተሰባት ዝርአ እዩ።

ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንዅሉ ሰብ ይጸልው - ኣድልዎ፡ ምፍልላይ፡ ዘይምትእምማን፡ ዘይተጻዋርነትን ጽልእን ክሕይል እንከሎ፡ ጥዕና፡ ኣፍራይነት፡ ሰላም፡ ውሕስነት እቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ እናተሃሰየ ከምዝኸይድ ኣየካትዕን።

ዓሌትነት ንህጻናት ብኸመይ ይጸልዎም?

ገለ ክኢላታት፡ ዓሌትነት ንህጻናት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝጸልው ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ “ሕማም” እዩ ይብሉ።

ህጻናት ዓሌታዊ ጸርፊ ከጋጥሞም፡ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ዓለታዊ ኣድልዎ ክፍጸም ክርእዩ ይኽእሉ'ዮም።

ህጻናት ጐዳኢ ጽልዋታት ዓሌታውነት ኣብ ውሽጦም ክሕዙን ምስ ግዜ ኣብ መንነቶምን ርእሰ-ምትእምማኖምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናት’ውን ብዓሌትነት ይጽለው’ዩ። ዓሌትነት ዝዀኑ ህጻናት ዝለዓለ መጠን ጭንቀት፡ ቅዛነት ባህሪያዊ ጸገማትን ከምዝህልዎም መጽናዕትታት የመልክቱ።

ዓሌትነት ህጻናት ዝዓበይሉ ሃዋህው፡ ጽሬት ኣብያተ ትምህርቱ፡ ዘተንፍስዎ ኣየር፡ ዝሰትይዎ ማይ ከይተረፈ ዝጸልው ስፍሕ ዝበለ ማሕበራዊ ጉዳይ እዩ።

ህጻናት ኣብ ክንደይ ዕድሞም ብዛዕባ ዓሌትነት ይርድኦም?

ደቅና ዘይክርድኦም ይኽእል’ዩ ብዝብል ወይ ድማ እቲ ኣርእስቲ ተሃዋሲ ስለዝዀነ ብዛዕባ ዓሌታውነት ምስኦም ምዝርራብ ከፍርሓና ይኽእል’ዩ።

ምናልባት ብዛዕባ ዓሌትነት ንምፍላጥ ወይ ንምሕሳብ ዕድሚኦም ገና ክመስለና ይኽእል።

መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ ግን፡ ህጻናት ንገዛእ ርእሶም ምስ ዝዀነ ጉጅለ ምምዳብ ዝጅምሩሉ ዕድመ ገና ኣብ 2 ዓመቶም እዩ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ዝህሉ ወገናውነት ተባሂሉ ዝፍለጥ የርእዩ።

ብቐሊል ኣዘራርባ፡ ህጻናት ንኣብነት ኣብ ጸወታ ንኻልኦት እናኣግለሉ፡ ምስቶም ዝያዳ ዝመስልዎም ወይ ዝፈተውዎም ምጽዋት ምምራጽ ይጅምሩ።

ብመሰረት መጽናዕቲ፡ 3 ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት ከይተረፉ፡ ዝተፈላለየ ዓሌታት ምፍላይ ይኽእሉ እዮም። ይኹን’ምበር፡ ገና ዕሸላት ስለዝዀኑ ምስ ፍሉይ ስምዒት ወይ ክብርታት ዓሌት ኣየተሓሕዝዎን’ዮም። እዚ ምግባር ዝጅምሩ ምስ ግዜ ካብ ከባቢኦም እናተማሃሩ እዩ።

ስለዚ ከም ወላዲ መጠን፡ ካብ ብኣጋኡ ኣትሒዝና ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ንምምካት ንጡፍ ክንከውን ይግባእ።

እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ገና ሓሳቦም ብዝግባእ ምግላጽ ዘይጀመሩ ህጻናት ብዛዕባ ዓሌትነት ንኽርድኦምን እወታዊ ኣተሓሳስባ ንኸማዕብሉን ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል ዝብል እዩ።

ብሎገር፡ ጸሓፊት ስክሪንን ደራስን ኡጁ ኣሲካ፡ ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ ዓሌትነት ግልጺ ዕላል ክጅምሩን ዘነቓቓሑ ሓይሊ ክዀኑን ዝሕግዙ ዝበለቶም እዞም ዝስዕቡ ምኽርታታ ተካፍል።

ንህጻናት ዓሌትነት ብኸመይ ንገልጸሎም?

ብዙሓት ህጻናት ዘይተጸበናዮ ወይ መልሲ ክንህብ ዘይተዳለውናሉ ሕቶታት ክሓቱ ምስማዕ ልሙድ እዩ። ከም ወለዲ ህጻናት ሱቕ ክብሉ ምእዛዝ፡ ንሕቶታቶም መልሲ ዘይምሃብ ክንመርጽ ንኽእል።

እዚ ግን ዝጠቅም ነገር ኣይምህሮምን፤ ድሒሮም ዝያዳ ዝኸበደ ሕቶ ካብ ምሕታት’ውን ኣይዓግቶምን’ዩ።

ስለዚ ወለዲ ህድእ ኢሎም ንሕቶ ደቆም መልሲ እንተሃቡ ዝሓሸ ከምዝዀነ ክኢላታት ይገልጹ።

እቲ ሰብኣይ ስለምንታይ ቀምሽ ከምዝተኸደነ ወይ ጭሕሙ ስለምንታይ ከምዘንውሐ በዚ ፍሉይ ነገር ድማ ከምዝሕበን እንተገለጽናሎም እዮም ዕግበት ዝረኽቡ።

ኣዝዩ ዘይተጸበናዮን ዘይተዳለናሉን ሕቶ ሓቲቶም መስ ዘሰንብዱና፡ ወይ ንሕቶም መልሲ ንምሃብ ኣብ ዘይምችእ ኵነታት እንተሃሊና፡ ህድእ ኢልና፡ "ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ገዛ ምስ በጻሕና ብዛዕባ’ዚ ዝያዳ ክንዛራረበሉ ኢና" ዝብል መልሲ ምሃብ ዝሓሸ ይኸውን።

ብዛዕባ ዓሌትነት ምስ ደቅና ክንዘራረብ እንከለና ካብ ዘይተወሳሰበ ሓሳብ እንተጀመርና ዝሓሸ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። ብዛዕባ ዘሰንብዱ ፍጻመታት ዓሌትነትን ጽልኢታትን ብምግላጽ ከነባህርሮም ኣይግባእን።

ንኣብነት ብቐሊሉ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ብሄርን ከምኡ’ውን ናይ ቀደም ወለዶና ብኸመይ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ከምዝመጹ ከነብርሃሎም ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ መልክዕና፡ ኣከዳድናና ወይ ብሓፈሻ ኣብ ባህልታትና መሰረታዊ ፍልልይ ከምዝተፈጠረ ክርድኦም ንገብር።

ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ዝተፈላለዩ ክመስሉ ከምዝኽእሉ ንግለጸሎም፤ ንኣብነት ሓደ ሓው ቅይሕ ዝበለ ሓፍቱ ድማ ጽልም ዝበለት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ክህሉ ዝኽእል ምምስሳልን ፍልልይን ከምዝነገርናዮም ነረጋግጽ።

ብዛዕባ ዓሌትነት ዝግበር ምይይጥ፡ ኵሉ ግዜ ኣብቲ ዝፈላልየና ነገር ዘይኰነስ ኣብቲ ፍሉይ ዝገብረና፡ ዘሐጉሰና፡ ሰብ ዝገብረና ዘድህብ ክኸውን ይግባእ። እቶም ህጻናት ኣብ ዘተኣሳስሮም ነገራት ዘተኰረ ይኹን።

ብግልጽን ብዝርዝርን ነዛርቦም

ብዛዕባ ዓሌትነት ምስ ደቅና ኣብ ንዘራረበሉ እዋን ከይተሰከፍና ግልጽን ኣድላዪ ዝርዝር ሓበሬታን ካብ ምሃብ ኣይንሕመቕ። ኰይኑ ግን ዓቢ ኣርእስቲ ስለዝዀነ፡ ንኹሉ ብሓንሳብ ክንነግሮም ኣይንፈትን።

ደቅና ሕማቕ ነገራት ክፍጸሞም ወይ ሕማቓት ሰባት ከጋጥምዎምን ብዛዕባ ዓሌቶም ከላግጹን ተኽእሎ ከምዘሎ ንንገሮም። እንተዀነ ግን ሓገዝ ዝረኽብሉ ወይ ኣንጻር ዓሌትነት መርገጺ ዝሕዝሉ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ።

ሓቂ ንንገሮም

ኵላትና ንደቅና ውሑስ ክንከውን ንደሊ ኢና፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ሓቂ ብምንጋር እዩ።

ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ክዛረቦም ወይ ክገብር ከሎ ከመይ ገይሮም ደው ክብሉ ወይ ሓሳቦም ክገልጹ ከምዝኽእሉ ነርእዮም። ባህርያት ሓደ ሰብ መስመር ክሰግር እንከሎ፡ ከመይ ገይሮም ብጽንዓት ‘ዓገብ ’ ወይ ‘ኣይፋል’ ወይ ‘ከምዚ ዓይነት ነገር ኣይፈቱን’ ክብሉ ከምዘለዎም ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ድማ ካባና እዮም ክምሃርዎ ዝኽእሉ።

ዕድሚኦም ንእስ ንዝበለ ቆልዑ ድማ፡ ጣልቃ ምእታው ወይ ድማ ገጽካ መሊስካ ምኻድ ምርሓቕ መዓስ እቲ ዝበለጸ ግብረ መልሲ ከምዝኸውን ንኽፈልጡ ንሓግዞም።

ደቅና ለውጢ ከምጽኡ ለውጢ ንኹኖም

ህጻናት ዓበይቲ ዝብልዎ ጥራይ ዘይኮነስ ዓበይቲ ዝገብርዎ ከምዝኽተሉ ኣይንረስዕ። ስለዚ ዝያዳ ሕያዎት፡ ፍትሓውያንን ንኹሉ ዝሓቁፉን ክኾኑ እንተደሊና፡ ንገዛእ ርእስና ከምኡ ምዃንና ነረጋግጽ።

ንነብስና ከነስተምህርን ኣድማስ ስድራቤትና ከነስፍሕን እንኽእለሉ መንገድታት ንሕሰብ - ንኣብነት ብመጻሕፍትን መደባት ቲቪን ኣቢልና እዚ ክንገብር ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ዓሌትነት ብእወታዊ ኣገባብ ዝገልጹ ዛንታታት ደሊና ነካፍሎም።

ደቅና ሓይሊ እወታዊ ለውጢ ክዀኑ ነተባብዕ

ዓሌትነት ብስቕታ እንተተሓሊፉ፡ ህጻናትን ዓበይትን ረዳኢ ዘይብሎም ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል’ዩ።

ኣንጻር ዓሌትነት መርገጺ ምሓዝ ግን ብብዙሕ መዳይ ለውጢ ከምጽእ ተኽእሎ ኣሎ።

ብውልቃዊ ደረጃ፡ ኣካል ፍታሕ ሓደ ዝዀነ ጸገም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክርእዩ ምግባር፡ ቆልዑ ተስፋ ክቖርጹ ዘይኰነስ ሓይሊ ከምዘለዎም ክስምዖም’ዩ ዝምህሮም።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብውልቃውን ብማሕበራዊን ደረጃ ዓሌታዊ ማዕርነትን ፍትሕን ከስፋሕፍሑ ይተባብዑ።