ቶክኒዝም፡ እንታይ ማለት እዩ፡ ስለምንታይከ የገድሰና?

ኣብ መወዳእታ 2020ታት፡ ገለ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮታት ኣብ ቅድሚት ገጽ ብዙሓት ፍሉጣት መጽሔታት ፋሽን ይወጻ ነይረን።

ሪሃና ኣብ ብሪጣንያዊ ቮግ፡ ሉፒታ ንዮንግ'ኦ ኣብ መጽሔት ፖርተር ኮኾብ ኰይና፡ ዝተሓዋወሰ ዓሌት ዘለዋ ሩት ነጋ ድማ ኣብ ማሪ ክሌር ዓባይ ብሪጣንያ ቀሪበን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ግን ኣይኰነን።

ቢዮንሴ ኣብ ዩኤስ ቮግ፡ ናኦሚ ካምበል ኣብ ቮግ ፓሪስ፡ ትሬሲ ኤሊስ ሮስ ኣብ ኤለ ካናዳ፡ ኒኪ ሚናጅ ናይ ሽፋን ኮኾብ ቮግ ዓረብ፡ ዘንዳያ ድማ ኣብ ማሪ ክሌር ዩኤስ ቀሪበን ነይረን።

ኣብቲ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ኣብ መጽሔታት ፋሽን ክቐርባ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ነይሩ።

ምክትል ኣሰናዳኢት ኤለ ዓባይ ብሪጣንያ ኬንያ ሃንት፡ "ኣብ ዕዙዝ ጽልዋ ዘለወን መጽሔታት ብዙሓት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ምርኣይ፡ ብርግጽ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ" ኢላ ነይራ።

ኣሰናዳእቲ፡ ኢንዱስትሪ መጽሔታት ናብ ምውሳኽ ብዙሕነት ዝገብርኦ ዝነበራ ስጉምቲ፡ ዓለም ትቕየረሉ ዝነበረት ኣገባብ ነጸብራቕ ምዃኑ ምዝራቦም ይግለጽ።

ዓወት ከም ብላክ ፓንተር ዝኣመሰላ ፊልምታት ነቲ ለውጢ ደሪኸን ክዀና ይኽእላ እየን።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ መወዓወዕቲ ስሒበን ክዀና ይኽእላ። ግን ብሓቂ ከምኡ ድዩ?

ኣብ 2017፡ እተን 19 ልዑል መሸጣ ዝነበረን ወርሓዊ መጽሔታት ካብ ዝሕተማኦም 214 ገጻት፡ እተን 20 ጥራይ ጸለምቲ ዝሓዛ ከምዝነበራ ትንታነ ጋርድያን ይሕብር።

ብሪጣንያዊት ቮግ ኣብ ቅድሚት ናይ መስከረም ሕታማ ገፁ፡ ጸላም ጓል ተነስተይቲ ሒዙ ክወፅእ 102 ዓመታት’ዩ ወሲዱሉ።

ገለ ሰባት ኣብ ቅድሚት ገጽ መጽሔታት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ምቕራበን ካብ "ትረንድ" ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ከምዝኽእል ስክፍታኦም ኣልዒሎም ነይሮም።

እሞ እንታይ ድኣ ክኸውን ይኽእል? ብዛዕባ ቶክኒዝም ከ እንታይ ንፈልጥ?

ቶክኒዝም፡ ምስሉይ ማዓርነት

ከም ማሕበራዊ ኣምር- 'ቶክኒዝም' ኣብ መወዳእታ 1950ታት እዩ ኣብ ህዝባዊ ባህሊ ኣመሪካ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዓሌታዊ ምፍልላይ ዕቱብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቶከኒዝም ንሓደ ጉዳይ ብጭቡጥ ከይፈትሖ እንከሎ ከም ኣፍልጦ ዝህብ መፍትሒ ኰይኑ ተቐልቂሉ።

ሓደ ትካል፡ ካብ ዓቕሚ ዘይብሎም ማሕበረሰባት ዝመጹ ንኣብነት ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣባላት ውሑዳት-ብሄራት፡ ኣካለ ጉዱኣት ዝኣመሰሉ ውልቀሰባት ልዑል ደረጃ ዘለዎም ተራታት ክሕዙ ይገብር።

እዚ፡ 'እቲ ትካል ማዕረ ዕድል ዝህብ’ዩ' ዝብል ጦብላሕታ ንምፍጣር ዓሊምካ- ዝግበር ክኸውን እንከሎ ቶክኒዝም ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ቶክኒዝም፡ ኣካየድቲ ትካላት ንደቂ ኣንስትዮ፡ ንኣባላት ንኡሳን ብሄራትን ኣካለ ጉዱኣትን ዘይምችእ መሓውራትን ኣገባባትን ንምሽፋን ወይ ዕሽሽ ንምባል ዝወስድዎ ሲኒካዊ ስጉምቲ ይውክል።

በዚ መንገዲ እዚ እቶም ውልቀሰባት ብውልቂ ክጥቀሙ ዝኽእሉ እኳ እንተዀነ፡ ተራኦም ግን ዕላማ ጉጅለታቶም ንክስጉም ዝሕግዝ ኣይኰነን።

ተጣባቒ ሲቪላዊ መሰላት ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር፡ ‘ዋይ ዊ ኬንት ወይት’ ኣብ እትብል ብ1964 ዝተሓትመት መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ኣርእስቲ ቶክኒዝም ኣልዒሉ ነይሩ።

ንሱ፡ ቶክኒዝም ንጸለምቲ ሰባት ኣብ ቀንዲ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ተቐባልነት ንክረኽቡ ውሑድ ኣበርክቶ ከምዝገበረ’ዩ ጽሒፉ።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ማልኮም ኤክስ እውን ኣብ 1963፡ "ቶከኒዝም ምስሉይነት እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ሓደ ክልተ ጸለምቲ ተማሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲታት ክኣትዉ ምፍቃድ ማለት ምስሉይነት ጥራይ ምዃኑ’ዩ ኣመልኪቱ።

ውህደት ጸለምቲ ኣብ ኣሜሪካ ብጥረ መልክዕ ምስሉይነት ብምባል፡ ንእሽቶ ቶክኒዝም ብምግባር ‘ድሕሪኡ 'ንሕና ንገብረልኩም ዘለና ተመልከቱ’ ዝብል ምስሉይነት ምዃኑ ይገልጽ።

ኦክስፎርድ ለርነርስ ዲክሽነሪ፡ ቶክኒዝም “ሓደ ነገር ሕጊ ዝጠልቦ ንምፍጻም ወይ ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ሰባት ንምዕጋብ ጥራይ ዝግበር፡ ግን ከኣ ናይ ብሓቂ ቅኑዕና ዘይብሉ ተግባር” ክብል ይገልጹ።

ሓደ ትካል ኣድልዎ ከምዘይፍጽም ንምርግጋፅ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክቑፀሩ፡ ቦታ ክረኽቡ ወይ ብዕቱብ ክፅወሩ እቲ ምትእትታው ቶከኒዝም ዝኸውን። ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ድማ ማዕርነት ኣይረጋግጽን።

ብፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዕ ወይ ብቑጠባዊ መዳይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ጥራይ ኣባላት -ውሑዳት ጉጅለታት ክሕወሱ ምግባር እዩ። ቶከኒዝም ብሓቂ ማዕርነት ዘሎ ንምምሳል ዝግበርን ንኹሉ ዝሓቁፍ ባህርያት ዘይብሉን ግዱድ መልክዕ ብዙሕነት እዩ።

ዝያዳ ዝተፈላለየ ሰባት ኣብ ሚድያ፣ ቲቪ፣ ፊልም፣ ስራሕቲ ስነ ጥብብ ክሳተፉ ምግባር ኣብ መጀመርታ ንኹሉ ዝሓቁፍ ማዓርነታዊ ኣገባብ መሲሉ ክረአ ይኽእል፤ እንተዀነ ግን እቲ ሰባት ዝቑጸሩሉ ኣገባብ ነቲ ተራ ቅኑዕ ምዃኖም ብዘረጋገጸ መልክእ እምበር፡ ንኣብነት ጸለምቲ ሰባት ‘ቆጺርና’ ንምባል ጥራይ ዝግበር ክኸውን ኣይነበሮም።

ሓደ ትካል ኣብ ስራሕ ቦታኡ ንዘሎ ናይ ብዙሕነት ዘይምዕሩይነት ካብ ሱሩ ንምእራም ኣፍልጦ ክህብ፡ ክምልስን ክፈትሕን ፍቓደኛ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን እዩ ቶክኒዝም ኣብ ግብሪ ዝውዕል።

ጽልዋ ቶክኒዝም

ኣብ ስራሕ ቦታ ቶክኒዝም ዝፍጠር፡ ትካላት ንውልቀሰባት ብብቕዓቶም ወይ ክእለቶም መሰረት ዘይኰነስ ብቐንዱ ብዙሕነት ንምምልካት ክቖጽራ እንከለዋ እዩ።

ስለዚ ዘይቅኑዕ ውክልና ዝህብ ስጉምቲ ስለዝዀነ፡ ብዚ ኣገባብ ዝተቖጸሩ ሰባት፡ ጭቡጥ ናይ ውሳነ ስልጣን ዘይክወሃቦም ይኽእል’ዩ። ስለዝዀነ ድማ ኮታ ንምምላእ ኣብኡ ዘለዉ ኰይኑ ክስምዖምን ብውጽኢታዊ መንገዲ ዘይክሰርሑን ይኽእሉ። ናይ ተነጽሎ፡ ምግላል ወይ ምትላል ስምዒታት እንተሓደሮም እውን ዘገርም ኣይኸውንን።

ቶከኒዝም ኣብ ልዕሊ ኣእምሮኣዊ ጥዕና'ውን ፍጹም ኣዕናዊ ጽልዋ ክስዕብ ተኽእሎ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ኽእለቶም ክጠራጠሩ ይገብር፡ ብሓቂ ኣብ ስርሖም ንፉዓት ከምዘይኰኑ ይስምዖም፡ ከምኡ’ውን ብዙሕነት ንምምላእ ጥራይ ከምዝተቖጽሩ ክኣምኑ ስለ ዝጅምሩ፡ ርእሰ-እምነቶም ይዳኸም።

ብሰንኪ ፍርሒ ምብራር ስክፍታታቶም ወይ ሓሳባቶም ንምግላጽ ድሕር ድሕር ወይ ዕሽሽ ክብሉ ይመርጹ።

እዚ ኵነታት ድማ ናብ ምስልቻውን ስእነት ዕግበት ስራሕን ክመርሖም ስለዝኽእል ኣብ መወዳእታ ኣፍራይነቶም ክዕቅቡ ይጽገሙ፤ ብሰንኪ'ዚ ብሓፈሻ ኣፍራይነት እቲ ትካል’ውን ይጽለው።

እንታይ ምግባር'ከ ይከኣል?

ቶክኒዝም ንምቅላስ፡ መጀመርታ ኣብ መንጎ እወታዊ ስጉምትን እወታዊ ኣድልዎን ዘሎ ሕጋዊ ፍልልይ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

እወታዊ ስጉምቲ፡ ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ጉዱኣት ኣካላት ወይ ኣባላት ውሑዳት-ጉጅለታት ንስራሕ ወይ ንተበፃሕነት ኣገልግሎትን ካልእን ብማዕረ ዕድል ንክወዳደሩ ምእንቲ ማዕረ ሜዳ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

ሓደ ሰብ ብዝያዳ ውጽኢታዊ መንገዲ ንምርኣይ ዝሕግዝ ተወሳኺ ስልጠና፡ ወይ ደገፍ ምሃብ ከጠቓልል ይኽእል። እዞም ናይ ሚዛን ስጉምትታት ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ርትዓዊ ውጽኢት ንምርካብ፡ ንምትብባዕ ዝሕግዝ ኣቀራርባን ኣገባባትን ፍልልይ ከድሊ ከምዝኽእል ዘንጸባርቑ እዮም።

እወታዊ ኣድልዎ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ሰብ ዘለዎ ባህሪ ጥራይ መሰረት ብምግባር ውሳነታት ምልመላንን ዕቤትን ምውሳን የመልክት፤ ብመሰረት’ዚ ጾታ እቲ ሰብ ወይ ካልእ ባህርያቱ ኣብ ምልመላ ወሳኒ ረቛሒ ክኸውን ምግባር ማለት እዩ።

ይኹን'ምበር ቶክኒዝም እወታዊ ኣድልዎ ዘይኰነስ፡ ምስሉይነት ስለዝዀነ ክንቃለሶ ይግባእ።

ቶክኒዝም ንምክልኻል፡ ውህደት ማዕርነት፡ ብዙሕነትን ምትእትታውን ክህሉ ኣለዎ። ብዙሕነት፡ ብማዕርነትን ምትእትታውን እንተዘይተሰኒዩ ኵሉ ግዜ ኣብ መጻወድያ ቶከኒዝም’ዩ ዘወድቕ።

ቶከኒዝም ንምምካትን ሓቀኛ ብዙሕነትን ምትእትታውን ንምዕባይን፡ ትካላት ኩለመዳያውን ዘላቕን ኣገባብ ክኽተላ ኣለወን።

ገለ ኣብነታት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፤

ፖሊሲታት ምግምጋም፡ ወገናውነትን ኣድልዎን ኣሰራርሓታት ንምውጋድ፡ ንፖሊሲታት ምልመላ፡ ዕቤትን ካሕሳን ብቅኑዕ ዓይኒ ምግምጋም።

ምትእትታው ምትሕውዋስ፡ ንዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዋጋ ዝህብ፡ ንጹር ርክብ ዘተባብዕ፡ ከምኡ'ውን ኵሎም ሰራሕተኛታት ድምጾም/ሓሳቦም ከምዝተሰምዐን ከምዝተመስገኑን ክስምዖም ዝገብር ናይ ስራሕ ቦታ ባህሊ ምዅስኳስ።

ጉጅለታት ጸጋታት ሰራሕተኛታት፡ ትሑት ውክልና ዘለዎም ሰራሕተኛታት ንኽራኸቡ፡ ተመኩሮታት ንኽካፈሉን ንለውጢ ንኽጣበቑን መድረኽ ክረኽቡ ምግባር።

ስልጠና ወገናውነት ምትግባር፡ ንኣመራርሓ ሓዊሱ ንዅሎም ሰራሕተኛታት ኵለመዳያዊ ናይ ወገናውነት ስልጠና ብምክያድ ብዛዕባ ዘይንቑሕ ወገናውነት ዘሎ ንቕሓት ምዕባይን ምትሕውዋስ ንምድንፋዕን።