እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ገያሾ ኬንያ ካብ ሓድሽ መስርሕ ቪዛ ነጻ ምዃኖም ተሓቢሩ
ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኬንያ፡ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ካብቲ ኣብ ፈለማ ጥሪ እዚ ዓመት ዝተኣታተወ ሓድሽ መስርሕ ቪዛ ነጻ ከም ዝዀና ኣፍሊጡ።
በዚ ኸኣ ኤርትራውያን ዜጋታት ካብን ናብን ኬንያ ብነጻ ክገሹ ክኽእሉ እዮም።
እዘን ምስ ኤርትራ ተዘርዚረን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣቐዲመን ምስ ኬንያ ስምምዕ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝተፈራረማ ኰይነን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮሞሮስ፡ ኮንጐ-ብራዛቪል፡ ሞዛምቢክ፡ ሳንማሪኖን ደቡብ ኣፍሪቃን እየን።
ኤርትራን ኬንያን ከኣ፡ ብመገዲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መዘናኡ ዊልያም ሩቶን ኣብ ለካቲት 2023 ዜጋታቶም ካብን ናብን እተን ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ከምዝተሰማምዓ ይዝከር።
ኤርትራውያን ገያሾ ነዚ ዕድል ተጠቒሞም፡ ንኬንያ ብዘይ ቪዛ ክኣትው ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኣታተወ ሓድሽ ኣገባብ መስርሕ ቪዛ፡ ጕዕዞም ክተዓናቐፍ፣ ገለ ድማ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝመጽዎ ክምለሱ ከምዝተራእዩን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ሓድሽ መስርሕ ፍቓድን ክፍሊትን ቪዛ ኬንያ ነጻ ከምዝዀኑ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኬንያ ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ከም ዝሓበረ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገሩ ንኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ብዘይ ቪዛ ክትቅበል ምዃና ብምግላጽ፡ በቲ ኻልእ ግን በቲ ከማልእዎ ዝሕተቱ ሓድሽ ረቛሒታትን ክፍሊትን ነቲ መስርሕ ከም ዝሓላለኾን ገያሾ ከማርሩ ከምዝጸንሑን ይፍለጥ።
በዚ ድማ፡ ኵሎም በጻሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብታ ሃገር ዝገብርዎ ጕዕዞ 30 ዶላር ክኸፍሉ ስለዝገደዱ፡ እቲ መስርሕ፡ ብኻልእ መገዲ ኣታዊ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ነቐፌታታት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስርዓተ-ቪዛ፡ ተጓዓዝቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ብምእታው፡ ብውሑዱ ቅድሚ 72 ሰዓታት መገሻኦም፡ ነቲ ኤሌክትሮኒክ ትራቨል ኦቶራይዘሽን (ETA) ብምምላእ፡ ቪዛ ይረኽቡ።
እዚ መስርሕ ብፍላይ በተን ብብዝሒ መገሻታት ናብ ኬንያ ዘካይዳ ሃገራት ተሪር ወቐሳ ከስዕብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ተዓጻጻፊ ከምዘይኰነን፡ ንህጹጽ መገሻታት ዘፍቅድ ተኽእሎታት ከምዘይብሉን’ውን ከዛርብ ጸኒሑ እዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ መንግስቲ ኬንያ ምስተን ጥቡቕ ንግዳዊ ዝምድናታት ዘለዎ ሃገራት ብዕቱብ ክዘራረበሉ ከምዝጸንሐን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ለውጢታት ከምዝተኣታተወን፡ ከከም ኣድላይነቱን ኵነታቱን ምምሕያሽ ክግበር ከምዝኽእል ከኣ ብተወሳኺ ተፈሊጡ ኣሎ።