ንገያሾ ዘደናግር ዘሎ 'ካብ ቪዛ ናጻ' ዝብል ውሳነ መንግስቲ ኬንያ እንታይ'ዩ?

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገሩ ንኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ብዘይ ቪዛ ክትቅበል ምዃና ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ተናኢዱ እኳ እንተነበረ፡ ብዙሓት ግን በቲ ከማልእዎ ዝሕተቱ ሓድሽ ረቋሒታትን፣ ክፍሊትን ተገሪሞም እዮም።

ኣብ ጀርመን ዝነብር ተወላዲ ዚምባብወ ዝኾነ ኣዲዮ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ናብ ኬንያ ክገይሽ ምስ ሓሰበ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሬመን፡ ጀርመን፡ ዝኾነ ዕንቅፋት ክገጥመኒ’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን።

ኣብቲ ገያሾ ሰነዳት ኣቕሪቦም ዝሓልፍሉ መተኣናገዲ ጠረጴዛ ምስ በጽሐ ግን ናብ ኬንያ ክኣቱ ዘኽእል ፍቓድ ከምዘለዎ ዘረድእ ሰነድ ከርኢ ተሓቲቱ።

"ኣብቲ ቦታ ሓጺር ክትዕ ነይሩና። ከምዘየድልየኒ ተኻቲዔ ነይረ" ይብል እቲ ኣብ ጽላት ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ወዲ 33 ዓመት መንእሰይ።

ኣዲዮ ቅድሚኡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እንተዝገይሽ ነይሩ እቲ ዘምጽኦ መጐተ ልክዕ ምኾነ ነይሩ።

ዜጋታት ዚምባብወ ምስ ካልኦት ዜጋታት ልዕሊ 40 ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኬንያ ኣትዮም ኣብ ፓስፖርቶም ማሕተም ሒዞም ከይከፈሉ ክኣትዉ ይኽእሉ ነይሮም።

'ናጻ ቪዛ ማለት ካብ ቪዛ ነጻ’ዩ ማለት ኣይኮነን'።

ኬንያ ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚራ ንኹሉ ሰብ ብዘይ ቪዛ ክኣቱ ከተፍቅድ ምዃና ምስ ኣፍለጠት፡ ኣዲዮ ተመሳሳሊ ሕግታት ክትግበር እዩ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ።

“ናብ ኬንያ ንምእታው ዘኽእል ሓድሽ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ስልከይ ሓንሳብ ምስ ፈተሽኩ ካብ ቪዛ ነጻ ማለት፡ ፈጺሙ ካብ ቪዛ ነጻ ከምዘይኮነ ተረዲኡኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንዝቐጸላ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ጭንቀት ኮይኑ፡ ነቲ ሓድሽ መስርሕ መመልከቲ ብቅልጡፍ ክዳለወሉ ንዝተፈላለያ ትካላት ክሓትት እንከሎ፡ እዚ ድማ ኣስታት 160 ዶላር ወጻኢ ክገብር ከምዘገደዶ ይገልጽ።

እቲ ሰነዳት ኣብ ኢዱ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ከኣ ቀዳማይ እግሪ በረራኡ ኣምሊጡ’ዩ። ኣዲዮ ከም ካልኦት፡ ኬንያ ዝወሰደቶ ሓድሽ ፖሊሲ ነጻ ቪዛ፡ መገሻ ከቃልል እዩ ዝብል ተስፋ ነይርዎ።

ብመሰረት ሓድሽ ሕግታት ግን ተጓዓዝቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ ኬንያ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ጉዕዞ (ኢቲኤ) ክረኽቡ የድልዮም።

እቲ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ሓንሳብ ናብ ኬንያ ንምእታው ዘፍቅድ ኮይኑ ን90 መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ዋጋኡ 30 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ሓተትካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ዝወሃብ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሃገራት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ቡሩንዲ፡ ደ. ሪ ኮንጎ፡ ርዋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን) ዝመጹ ዜጋታት ጥራይ እዮም ካብዚ ነጻ ዝኾኑ። ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ንምርካብ ዘድልዩ ሰነዳት ዝርዝር በረራን ሆቴል ከምዝሓዝካ ዘርኢ ሰነድን የጠቓልሉ።

"ከማይ ንዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምቹእ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ፡ ዋላ ሓንቲ ከየድለየና ናብ ኬንያ ክንመጽእ ንኽእል ኔርና፡" ይብል ኣዲዮ።

ኬንያዊ ጠበቓ ኢሚግሬሽን ዳቪስ ንያጋህ፡ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ጉዕዞ ብመሰረቱ "ቪዛ ብኻልእ መልክዕ" ምዃኑ ይኣምን። "ብዓይኒ ሕጊ ኣብ መንጎ ‘ኢቲኤ’ ን ቪዛን ዝኾነ ፍልልይ የለን። እቲ እንኮ ፍልልይ ኬንያ ድሕሪ ደጊም ነቲ ናይ ኣብ ፓስፖርትኻ ዝልጠፍ ቪዛ ዘይምጥቃማ እዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሕጂ ኩሎም በጻሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝኣትዉሉ እዋን 30 ዶላር ክኸፍሉ ስለዘለዎም፡ ኣታዊ ክብ ናይ ምባል ባእታ እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ተጓዓዝቲ ንዓመታት ክጸንሕን ብተደጋጋሚ ክትጥቀመሉን ንእትኽእል መእተዊ ቪዛ 50 ዶላር ከፊሎም ይረኽቡዎ ነይሮም።

ምትእትታው ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ጉዕዞ ዘይተለምደ ነገር ኣይኮነን። ንኣብነት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝጥቀማሉ ኮይነን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ከተኣታትዎ እዩ።

ካልኦት ከም ርዋንዳ ዝኣመሰላ፡ ካብ ቪዛ ነጻ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ቅድሚ ናብታ ሃገር ምብጻሕካ ዝኾነ ናይ ፍቓድ ጉዕዞ ኣይጠልባን፤ ንዝበዝሑ ገያሾ'ውን ክፍሊት ኣይሓታን።

ርዋንዳ ኣብ 2018 ናብታ ሃገር ንምእታው ዘድሊ ቪዛ ድሕሪ ምእላያ ኣብ ሓደ ዓመት ብ14 ምኢታዊት ወሰኽ ኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ከምዝተርኣየ ገሊጻ።

ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ 30 ዶላር ተኽፍል ነይራ። ሕጂ ግን ሰባት ከይከፈሉ ክሳብ 30 መዓልታት ክጸንሑ ይኽእሉ።

ኣብቲ ኬንያ ሓድሽ ዘተኣታተወቶ ስርዓት፡ ጸጥታዊ ባእታ ኣሎ።

ጸሓፊ ፕረስ መንግስቲ ኬንያ ሳሊም ስዋለህ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ጉዕዞ፡ ነቶም ገያሾ ንምምርማር ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ።

"ሽበራ ኣብዚ እዋን'ዚ ሓደ ካብቶም ዓለማዊ ስግኣታት ስለዝኾነ፡ ኩሉ ናብ ኬንያ ዝመጽእ ሰብ ንሃገር [ሓደጋ ዘይምዃኑ] ዘረጋግጹ ኣገባባት የድልዩና፡" ኢሉ።

ኬንያ ካብ ጎረቤት ሃገር ሶማልያ ብዝመጹ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣልሸባብ ዒላማ ኮይና ጸኒሓ ኣላ።

እቲ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ጉዕዞ ኣብ ቱሪዝም ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብዝተኣሳሰር ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋ ከምዘይህልዎ ሚስተር ስዋለህ ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ንኣጠቓቕማኡ ዝቐለለ ስለዝኾነ ኣብ መወዳእታ ቁጽሪ በጻሕቲ ክውስኽ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።

እዚ ብዛዕባ ቢሮክራስያዊ ዝርዝራት ዝግበር ክትዕ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሩቶ ንገያሾ ቪዛ ከምዘየድልዮም ዝገለጾ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ።

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ "ኣብ መንጎና ናይ ቪዛ ገደብ ምህላው ኣንጻርና ይሰርሕ ከምዘሎ... ክንርዳእ ግዜኡ'ዩ" ኢሉ።

"ብጸጋም፡ የማንን ማእከልን መምርሒታት ቪዛ ኣሎ። ሰባት እንተዘይተንቀሳቒሶም ኵላትና ኢና እንኸስር፡" ኢሉ ፕረዚደንት ሩቶ።

እዚ ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ኣብታ ኣህጉር ፍሕፍሐ ዘይብሉ ምንቅስቓስን ንግድን ዝብል ፓን-ኣፍሪቃዊ ራእይ ብምዃኑ ተናኢዱ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ዕዳጋ ንምፍጣር ዝዓለመ ኣህጉራዊ ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ፡ እገዳታት መገሻ ምቅላል ኣድላዪ ምዃኑ ተመራመርቲ ስነ-ቑጠባ ገሊጾም። ሓደ ኣፍሪቃዊ ፓስፖርት ናይ ምፍጣር ራእይ እውን ተራእዩ እዩ።

ሕጂ ግን ገለ ሰባት፡ ኬንያ በቲ ኣብ ኣፍሪቃውያን ተጉዓዝቲ ጌራቶ ዘላ ጠለባት፡ ገለ ክትከስር ከምእትኽእል ይግምቱ።

"በጻሕትን ንግድን ንምስሓብ ነቲ ረቋሒታት ምዝላቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ክኢላ ስነ-ቑጠባን ክኢላ ህዝባዊ ፖሊሲን ኣንቶኒ ምቨያንገ።

"ስለዚ፡ እዚ ኣብ ሓጺር ክሳብ ማእከላይ እዋን ንቁጠባ ኬንያ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክጎድኦ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬንያ ኢሳቕ ማይጉዋ ምዋራ፡ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ጉዕዞ "ዓብይ ጸገም" ከምዘለዎ ንቢቢሲ ተኣሚኑ'ኳ እንተነበረ፡ "ምስ ግዜ ክዕረ'ዩ" ኢሉ።

ዛጊድ ልዕሊ 60 ሽሕ ሕቶ ቪዛ ተሰሪሑ ከምዘሎን እቲ ኣገልግሎት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዓልቲ ኣስታት 5 ሽሕ ሕቶታት ክሕዝ ከምዝኽእልን ወሲኹ ገሊጹ።

ነተን ቅድሚ ሕጂ ምስ ኬንያ ካብ ቪዛ ነጻ ስምምዕ ዝነበረን ከም እኒ ዝምባብዌ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣመልኪቱ ክዝራብ ከሎ "ድሕሪ ገለ እዋን ዳግመ ግምት ክህሉ'ዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

ክቡርን ዝተሓላለኸን ናይ ቪዛ ረቛሒታት ንንግዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ቦትስዋናን ዚምባብዌን፣ ከምኡ’ውን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዩጋንዳን ሓዊሱ ሓያሎ ሃገራት ክልተኣዊ ብዘይ ቪዛ ዝግበር ስምምዓት ነጻ ምንቅስቓስ ጌረን እየን።

ኤርትራን ኬንያን'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ክንቀሰቐሱ ዘኽእል ክልተኣዊ ስምምዕ ብምብጽሐን ነጻ ምንቅስቓስ ጸኒሕወን እዩ።

ኣንጎላ ን14 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ን98 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክኣትው ክተፍቅድ እንከላ፡ ኣርባዕተ ሃገራት - ቤኒን፡ ሩዋንዳ፡ ሲሸልስን ዘ ጋምብያን - ሕጂ ንዜጋታት ኣፍሪቃ ካብ ቪዛ ነጻ ኮይነን ኣለዋ።

እንተኾነ ግን ነዊሕ መንገዲ ኣሎ።

ሕጂ’ውን ሰላሳ ሃገራት፡ ንዜጋታት ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት እታ ኣህጉር ቅድሚ መገሻ ቪዛ ክወስዱ ይጠልባ።

ሊብያ፣ ሱዳን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ግብፂን ገለ ካብተን ተሪር ረቛሒታት ቪዛ ዘለወን እየን።

ብዓይኒ ኣዲዮ ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ።

"ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ከባቢ ሸንገን ይነብር ስለ ዘለኹ፡ ዶብ ካልእ ሃገር ከም ዝሰገርኩ ዝፈልጥ ኣብ ተሌፎነይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ጽሑፍ ምስ ዝመጸኒ'ዩ።"

"ኣብ ኣፍሪቃ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እታ ሃገር ክንደየናይ ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ገና ነዊሕ መስርሕ'ዩ ዝጽበየና ዘሎ" ዝበለ ዚምባብያዊ ኣድዮ "ዝሓሸ ክንገብር ኣለና።" ኢሉ።