እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘዘውትረን ዓይነት ክዳውንቲ ኣብ ባይቶ ከይልበሳ ውሳነ ሓሊፉ
ባይቶ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ወትሩ ዘዘውትረን ብሽም ፕረዚደንት ዛምብያ ነበር ኬነዝ ካውንዳ ዝጽውዓ ዓይነት ክዳን ኣባላት ባይቶ ኬንያ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ገይሮመን ከይኣተዉ ዝኽልክል ሕጊ ኣጽዲቑ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኬንያ ሞሰስ ዋተንጉላ ነተን ካውንዳ ተባሂለን ዝጽውዓን ‘ኣፍሪካን ድረስ’ ተባሂሉ ዝጽዋዓ ዓይነት ክዳንን ገይርካ ናብ ባይቶ ኬንያ ምእታው ከም ዘይፍቐድ ብዝልዓለ ድምጺ ባይቶ ከም ዝጸደቐ’ዩ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ብዙሕ ወግዓዊ መገሻታት ነተን ካውንዳ እናተባህላ ዝጽውዓ ዓይነት ክዳን'ዩ ዝኽደን።
ብዙሓት ኬንያውያን ፖለቲከኛታት ነቲ ካውንዳ ዝብሃል ዓይነት ክዳን ምስ ጅንስ ስረ ክመልሱ ይርኣዩ’ዮም፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ’ውን ዘዘውትርዎ ዓይነት ኣከዳድና’ዩ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ክዳን ክሳብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር’ውን የዘውትርዎ’ዮም።
እቲ ክዳን መራሒ ቻይና ነበር ማኦ’ውን የዘውትሮ ስለ ዝነበረ ማኦ ዘዶንግ እናበሉ ዝጽውዕዎ’ውን ኣለዉ።
እዚ ክዳን መብዛሕተኡ ግዜ ሃሳስ ወይ ድሙቕ ሰማያዊ ሕበሪ ዘለዎ ኰይኑ ሓጺር እጅገ ዘለዎን ኳሌታ ዘይብሉ’ዩ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኬንያ ሞሰስ ዋተንጉላ ሎሚ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ እዚ ዓይነት ኣከዳድና ከም ፋሽን ኰይኑ ብብዙሓት ኣባላት ባይቶ ይዝውተር ከም ዘሎን ንግቡእ ኣከዳድና ኣባላት ባይቶ ዝብልልን ዘይምስሉ ዝህብን’ዩ ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ ኣባላት ባይቶ “ባድላ ምስ ካራቫትኡ፡ ነዊሕ እጅግኡ ካምቻ፡ ነዊሕ ስረ፡ ካልሲ፡ ጫማንን ክገብሩ እንከለዉ’ዩ ግርምኦም” ኢሉ።
እቲ ኣፈ ጉባኤ ብምስዓብ “ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ክሳብ ትሕቲ ብርከን ዝሽፍን ‘ኦፊሻል’ ክዳን ክኽደና ኣለወን እግጀ ዘይብሉ ክዳን ከኣ ኣይፍቐድን’ዩ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ እዚ ካውንዳ ዝብሃል ዓይነት ክዳን ኣብ ባይቶ ፍቁድ’ዩ ነይሩ፡ ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ኬንያ ከኣ ልክዕ ከም መለለይኦም ከዘውትርዎ ጸኒሖም’ዮም።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኬንያ ሞሰስ ዋተንጉላ እዚ ዓይነት ኣከዳድና ክሳብ ሕጂ “ክጽወር ጸነሑ’ዩ” ብምባል ካብ ሕጂ ንድሓር ግን ኣብ ባይቶ ክምለስ ከም ዘይብሉ ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ ኢሉ።
እዚ ክዳን ኣብ ባይቶ ከምዝተከልከለ ውሳነ ምስ ተመሓላለፈ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሮ ክትዓት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ገለ ውሃበቲ ርእይቶ መለለዩ ኣፍሪቃ ዝኾነ ክዳውንቲ ምኽልኣል “ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትናፍቕ’ዩ” ዘስምዕ ርእይቶ ሂቦም።