ብርእሲ ተጣቢቐን ዝተወልዳ ኤርትራውያን መናቱ ናብ ስዑዲ ኣምሪሐን

ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወለዳ ኤርትራውያን መናቱ ንሕክምናዊ መርመራ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምእታወን ተገሊጹ።

እተን ኣስማን ሱመያሕን ጃዕፈር ዓብዱ ዝተበሃላ መናቱ ምስ ወለደን ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ሪያድ ድሕሪ ምብጽሐን ናብ ስፐሻሊስት ሆስፒታል ንጉስ ዓብደላ ከምዝተወሰዳ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ጸብጺበን።

ኣብቲ ብሚኒስትሪ ሃገራዊ ሓለዋ ዝካየድ ሆስፒታል ብመጥባሕቲ ክፈላለያ ዝኽእላ እንተዀይነን መርመራ ክካየደለን ምዃኑ’ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እተን መናቱ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ከረን እየን ተወሊደን።

ድሒረን ናብ ክፍሊ ምክትታል ናጽላታት ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ - ኣስመራ፡ ተወሲደን ክንክን ይግበረለንን፡ ጥዕናአን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ምንባሩን ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ርእይቶኡ ንቢቢሲ ዝሃበ ሓላፊ ክፍሊ ምክትታል ናጽላታት ዶ/ር ዘሚካኤል ዑቕበ እተን ናጽላታት ብመጥባሕቲ ክፈላለያ ዝኽእላ እንተዀይነን ምርግጋጽ ዘኽእል መሳርሒ ኣብ ኤርትራ ከምዘነበረ ብምንጻር ንሓገዝ ጸዊዑ ነይሩ።

“ዓቢ ንጻረ ዘለዎ ‘ኢሜጂን ሲስተም’ ኣብዚ ስለዘይብልና፡ ኣየናይ መትንታት ርእሰንን ሓንጐለንን’ዩ ናይ ሓባር ዘሎ ክንጽረልና ኣይከኣልን ዘሎ።”

ኣተሓሒዙ’ውን ከምዚ ተጣቢቘም ዝተወልዱ ናጽላታት፡ ብመጥባሕቲ ክፈላለዩ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ክልተ ዓመት ምስ መልኡ ጥራይ መጥባሕቲ ከምዝግበረሎም እዩ ሓቢሩ።

ተጣቢቘም ንዝተወለዱ መናቱ ንምፍልላይ ዝግበር መጥባሕቲ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ዘድልይዎ፡ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድን እዩ።

ስርዓተ ጥዕና ኤርትራ ንኸምዚ ዝበለ ዝተሓላለኸ ሕክምና ንምክያድ ዘኽእል ዓቕሚ የብሉን።

እተን ናጽላታት ካብ ኣስመራ ብሕክምናዊት ነፋሪት ዝተጕዓዛ ኰይነን እቲ ወጻኢታት ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ እዩ ክሽፈን።

ወለዲ ኣስማን ሱመያሕን፡ መንግስትን ህዝብን ስዑዲ ዓረብ ስለዝገበሩሎም ምውቕ ኣቐባብላን እንግድቶን ምስጋናኦም ምግላጾም ‘ሳውዲ ጋዜት’ ጸብጺባ።

እቶም ወለዲ ኣብ ኣምላኽን ኣብታ ጕጅለ ሕክምና ስዑድን ምትእምማን ከምዘለዎም ምግላጾም’ውን ሓቢራ።

ኣብ 1990 ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝተበገሰ ፕሮግራም ግብረ ሰናይ ምፍልላይ ተጣቢቘም ዝውለዱ መናቱ፡ ካብ 23 ሃገራት ንዝመጹ መናቱ ንምፍልላይ ልዕሊ 50 መጥባሕቲ ከምዘካየደ ጸብጻባት ይሕብሩ።