ኤርትራ፡ ብርእሲ ተጣቢቐን ዝተወልዳ መናቱ ኩነታተን ከመይ ኣሎ?

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ከረን ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወልዳ፡ ክልተ ወርሒ ኰይኑወን ዘሎ መናቱ ናጽላታት፡ ኣብ ክፍሊ ምክትታል ናጽላታት ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ - ኣስመራ፡ ክንክን ይግበረለን ከምዘሎን ጥዕናአን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፡ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ሓላፊ ክፍሊ ምክትታል ናጽላታት ዶ/ር ዘሚካኤል ዑቕበ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዩ።

ዶክተር ዘሚኪኤል ኣብ ሓበሬታኡ፡ “ጽቡቕ ክንክን’ዩ ዝግበረለን ዘሎ ኣካላዊ ዕብየት’ውን የርእያ ኣለዋ” ኢሉ።

ኣተሓሒዙ እቲ ዶ/ር፡ ከምዚ ተጣቢቖም ዝተወልዱ ናጽላታት፡ ብመጥባሕቲ ክፈላለዩ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ክልተ ዓመት ምስ መልኡ ጥራይ መጥባሕቲ ከምዝግበረሎም ሓቢሩ።

“እንተኾነ ዓቢ ንጻረ ዘለዎ ‘ኢሜጂን ሲስተም’ ኣብዚ ስለዘይብልና፡ ኣየናይ መትንታት ርእሰንን ሓንጎልንን’ዩ ናይ ሓባር ዘሎ ክንጽረልና ኣይከኣልን ዘሎ፡” ብምባል ንቕድመ መጥባሕቲ ዘሎ ሕክምናዊ መስርሕ ኣሚቱ።

ዶ/ር ዘሚኪኤል፡ “ኣበይን መንን’ዩ ነቲ መጥባሕቲ ክገብሮ ሚኒስትሪ ጥዕና’ዩ ዝምልክቶ፤ ነቲ ጉዳይ ድማ ሒዝዎ ኣሎ” ኢሉ።

“ብርግጽ ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ ኣብ ወጻኢ’ዩ ክግበር ዝከኣል፡ ቅድሚኡ ግን እዘን ናጽላታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሓንጎል ድዩ ዘለወን? እቶም መትንታት ሓንጎል ናይ ሓባር ድዮም በበይኖም? እዚታት ዓቢ ንጹሩነት ብዘለዎ መሳርሒ መርመራ ሓንጎል ‘ኤምኣርኣይ’ ክግበር ኣለዎ” ኢሉ።

ተጣቢቖም ንዝተወለዱ መናቱ ንምፍልላይ ዝግበር መጥባሕቲ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ዘድልይዎ፡ ዝተሃላለኸን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ከምዝዀነ ዝሓበረ ዶክተር ዘምኪኤል፡ “እቲ መርመራ ዝህበካ ውጽኢት’ዩ መጥባሕቲ ክግበርን ዘይክግበረን ክሕብር ዝኽእል” ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ተመሳሰልቲ መንታ ‘ኣይደንቲካል ትዊንስ’ ከምዝርከብን ዝሕብር ዶክተር ዘሚካኤል “ርእሱ ንርእሱ ተጣቢቖም ዝውለዱ ናጽላታት [conjoint twins] ካብ ነፍሲ ወከፍ 2.5 ሚልዮን ወሊድ ሓደ’ዩ ዘጋጥም” ኢሉ።

“ቅድሚ ሕጂ’ውን ከብዲ ንኸብዲ ተጣቢቖም ዝተወለዱ መጺኦምና ነይሮም’ዮም፡ ከምኡ ኸኣ ሓደ ዝዓኾኸን ምስ ርእሱ ዝተላገበ ንእሽተይን ርእስን ሒዙ ዝተወለደ ናጽላ፡ ቅደሚ 15 ዓመታት ኣቢሉ መጺኡና፡ ነቲ ዘይዓኾኸ ንእሽተይ ተጣቢቑ ዝተወለደ ርእሱ ኣሊና ዘፋነናዮ ኣሎ፡” ብምባል ቅደሚ ሕጂ ንዝነበረ ተመሳሳሊ ክስተታት ኣብሪሁ።

ካብ ሓንቲ እንቃቕሖ ጓል-ኣንስተይትን ሓደ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይን ዝፍጠር ድቂ፡ ኣብ ከባቢ ክልተ ሰሙን እቲ ውህደት ዘርኢ ናብ ክልተ ክምቀል ከምዝጅምር ድሕሪ ብምግላጽ፡ እቲ ምምቃል መስርሕ ምስ ዝውዳእ ክልቲኦም ዕሸላት ተመሳሰልቲ ማናቱ ኮይኖም ከምዝውለዱ፣ ከይተወድአ ምስ ዝተርፍ ግና፡ እቶም ዕሸላት ብዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም ተጣቢቖም ከምዝውለዱ ኣብሪሁ።

ዶ/ር ዘሚኪኤል “ብርእሶም ተጣቢቖም ዝውለዱ ናጽላታት ብመጥባሕቲ ንኽፈላለዩ 20-30 ሚእታዊት ዕድል’ዩ ዘለዎም፡ መብዛሕትኡ እቲ መጥባሕቲ ዘይዕዉት’ዩ ዝኽውን፡” ብምባል ንተኽእሎታት እቲ መጥባሕቲ ኣሚቱ።

ኣተሓሒዙ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብመጥባሕቲ ነቲ ለጊብዎ ዝዓበየ ዘይዓኾኸ ርእሱ ዝኣለይሉ ህጻን ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፈልጡ’ዩ ሓቢሩ።

“ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ከጋጥም እንከሎ ብሕማቕ ስለዝርድኦ፡ ዋላ እቲ ወላዲ’ዩ ዝሽቑረር፡ እቶም ወለዲ፡ ሽዑ ድሕሪቲ መጥባሕቲ’ውን ተመሊሶም ክመጽኡና ሓቢርናዮም ነይርና ክመጽኡና ግን ኣይክኣሉን፡” ብምባል፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ኣመልኪቱ።

ኣደ’ዘን ኣስታት ክልተ ወርሒ ጌረን ዘለዋ ናጽላታት፡ ነባሪት ሊበና ዝዀነት ወይዘሮ እሙና መሓመድ፡ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ዛጊት ኣይሰለጠን።