ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ይላባዕ ኣሎ - ውድብ ጥዕና ዓለም

ሰዓል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ጄኤን.1 ዝተበሃለ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብዓለም ደረጃ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ብሰንኪ፡ "ብቕልጡፍ ዝውስኽ ዝርጋሐኡ" ዓለምለኻዊ ትዅረት ክወሃቦ ከም ዝግባእ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ዘርኢ ኦሚክሮን ዝዀነ ጄኤን.1፡ ኣብ ከም ህንዲ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓለም ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከጋጥም ተኽእሎኡ ትሑት’ዩ፤ እንተዀነ እዋናዊ ክታበታት መከላኸሊ ምሃብ ይቕጽሉ ከምዘሎ፡ እቲ ውድብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ይዅን’ምበር ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኮቪድን ካልኦት ረኽስታት ክውስኹ ከምዝኽእሉ የጠንቅቕ።

ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ከም ሰዓል፡ ቫይረስ ስርዓተ ምስትንፋስ፡ ሕማም ሳንቡእ ህጻናትን ዝኣመሰሉ ሕማማት ይውስኹ ኣለዉ።

እቲ ኮቪድ ዘስዕብ ቫይረስ ጄኤን.1 ምስ ግዜ ብቐጻሊ ይቕየር ዘሎ ኰይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ሓደስቲ ዓይነት ቫይረሳት ክምዕብሉ ዝገብር’ዩ።

ኦሚክሮን ንገለ እዋን ብዓለም ደረጃ ዓብላሊ ዓይነት ኮቪድ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ጄኤን.1 ዝርከብዎም ምስ ኦሚክሮን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ዓይነታት እቲ ቫይረስ፡ ዋላ'ኳ ዘተሓሳስቡ ኰይኖም እንተዘይተቘጸሩ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ውድብ ጥዕና ዓለም ብተገዳስነት ምክትታል ይገብረሎም ኣሎ።

ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ኣብ መስከረም ዝተረኸበ ጄኤን.1 ግን ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለም ብቕልጡፍ’ዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ።

ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ጄኤን.1 ኣብታ ሃገር ካብ 15-29 ሚእታዊት መልከፍቲ ከምዝሽፍን ይሕብር።

ኤጀንሲ ጸጥታ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ ካብ ዝተረኸቡ መርመራታት ኮቪድ ኣስታት 7 ሚእታዊት ጄኤን.1 ከምዝዀነ ይሕብር። ብዛዕባ እዚን ካልኦት ዓይነታት ቫይረስን ዘሎ ኵሉ መረድኢታትን’ውን ምክትታል ከምዝቕጽል ገሊጹ ኣሎ።

ቤተ-ፈተነ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማዕበል ክረምቲ

ጄኤን.1 ኣብ ኵሉ ዞባታት ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ኣሎ፤ ምናልባት ምስቲ ቢኤ.2.86 ዝተበሃለ ዓይነት ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ኮሮናቫይረስ ናብ ሰብ ዝኣትወሉ መንገዲ ተወሳኺ ምትዕርራይ ስለዝሐዘ ክኸውን ይኽእል።

"እዚ ፍልልይ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ክረምቲ ዝርከባ ሃገራት፡ ካልኦት ብቫይረስን ባክተርያን ዝመጹ ረኽሲታት ኣብ ዝውስኹሉ ዘለዉ እዋን፡ ወሰኽ ሕሙማት ሳርስ-ኮቭ-2 [ኮሮናቫይረስ] ከስዕብ ከምዝኽእል ይግመት" ይብል ውድብ ጥዕና ዓለም ዘካየዶ ገምጋም ሓደጋ።

ጄኤን.1 ክንደይ ዝኣክል ብክታበት ክዳኸም ከምዝኽእል ዘርእዩ መርትዖታት ክሳዕ ሕጂ ድሩታት ምዃኖም እቲ ውድብ ይገልጽ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እውን ብዝያዳ ከም ዝሓመሙ ዝሕብር ጸብጻብ የለን።

ሃገራት ብዛዕባ ኮቪድ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ሰባት ብዝምልከት ዝህባኦ መረዳእታ ኣዝዩ ስለዝነከየ ግን፡ እቲ ኣብ ጥዕና ዘሎ ጽልዋ ንምፍላጥ ዝያዳ መጽናዕትታት ከምዘድሊ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘስምር።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ረኽስን ከቢድ ሕማምን ንምክልኻል እዞም ዝስዕቡ ስጕምቲታት ክውሰዱ ይምዕድ፡

  • ኣብ ህዝቢ ዝበዝሖም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ምግባር
  • ክንስዕልን ክንህንጥስን ከለና ኣፍናን ኣፍንጫናን ምሽፋን
  • አእዳዉና ብቐጻሊ ምሕጻብ
  • ብፍላይ ተቓላዕቲ እንተዄንና ብዛዕባ ክታበት ኮቪድን ሰዓልን እዋናዊ ሓበሬታ ምርካብ
  • እንተሓሚምና ኣብ ገዛና ምጽናሕ
  • ምልክታት እንተርኢና መርመራ ምግባር