ኮቪድ ስለምንታይ ሕጂ እውን ንገለ ሰባት የጥቅዕ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መሓዙተይ ሕማም ኮቪድ ብዘይተጸበይዎ ደረጃ ምስኣጥቅዖም፡ ናብ ኣእምሮይ ክመላለስ ዝጀመረ ሕቶ ኣሎ።
እቲ ንሳልሳይ ግዜ ዘጋጠሞም መልከፍቲ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ።
ኣብታ ሐሚሙ ዝደቀሰላ ዓራት ኮይኑ፡ "ኵሉሻብ ሓደ ሕማም ደጊሙ ክሕዘካ ከሎ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበሮ ዝቐለለ ከምዝኸውን እየ ዝሓስብ ነይረ" ኢሉኒ።
እዚ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ብዙሓት ዝተዛረብዎ እዩ።
እንተዀነ መሓዙተይን ኣብ ኣፍደገ ኣብያተ ትምህርቲ ዝረኸብኩዎም ሰባትን፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብከቢድ ሕማም ኮቪድ ከምዝተጠቕዑ ገሊጾምለይ።
እቶም ልሙዳት ምልክታት፡ ኮቪድ ሰዓል፡ ፍልጸት ርእሲ ወይ ድማ ልዑል ረስኒ ሰብነት ስዒቡ ዝመጽእ ነዊሕ ዝቕጽል ድኻም እዮም።
እንተዀነ፡ እቲ ሕማም ዝተፈላለዩ ምልክታት ከምዘለዉዎ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ክታበት ቅድሚ ምጅማሩ'ውን፡ ገለ ዕድለኛታት ቀሊል ሕማም እዩ ዘጋጥሞም ነይሩ፤ ወይ ድማ ፍጹም ምልክት ኣየርእዩን።
ንገለና እቲ ሕማም ቀሊል እዩ፡ ዋላ ንባዕልና እውን ክንምርመር ድልየት ዘይክህልወና ይኽእል።
ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ዘጽንዑ ተመራመርቲ ግን፡ ኮቪድ ሕጂ እውን ካብቲ ዝቐድመ ዝገደደ ረኽሲታት ይፈጥር ከምዘሎን ንሰሙናት ከደቅስ ከምዝኽእልን የጠንቅቑ ኣለዉ።
እንታይ ደኣ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ንኮቪድ ምስተቓላዕና ዝህልወና ኵነታት፡ ኣብ መንጐ እቲ ቫይረስን መስርሕ ምክልኻል ሰብነትናን ዝለዓል ኲናት እዩ።
እቶም ናይ መጀመርታ ደረጃታት፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰብነትና ክንደይ ዝኣክል ቦታ ይሕዝን ክንደይ ይሕይልን ስለዝውስኑ ኣገደስቲ እዮም።
ኰይኑ ግን ምድኻም ምክልኻል ሰብነትናን ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስን ነቲ ሚዛን ይውስኑ።
‘ከቢድ ሕማም ተሰሚዑኒ’
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢደንብራ በዓልቲ ሞያ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ሰብነት (ኢሚኖሎጂስት) ፕሮፌሰር ኢሊነር ሪለይ ንባዕላ ካብ ዝተጸበየቶ ‘ኣዝዩ ዝኸፍአ’ መልከፍቲ ኮቪድ ከምዘጋጠማ ትገልጽ።
"ምናልባት መጠን ምክልኻል ሰባት (ኣንቲቦዲ) ምስ ኮቪድ ክነጻጸር እንከሎ፡ ከምቲ ኣብ ምጅማር ክታበት ዝነበሮ ድኹም እዩ ዘሎ።"
ስርዓት ምክልኻል ሰብናትና፡ ኣብ ዝባን እቲ ቫይረስ ተጣቢቘም እቲ ቫይረስ ንዋህዮታት ሰብትና ከየጥቅዕ ዝከላኸሉ እዮም፤ ብዓይኒ ከምዘይረኣዩ ሚሳይላት ክንሓስቦም ንኽእል።
ስለዚ ብዙሓት 'ኣንቲቦዲታት' እንተሃልዮምኻ፡ ብቐጻሊ ነቲ ቫይረስ ክቈጻጸርዎ ስለዝኽእሉ፡ እቲ ረኽሲ ቀሊልን ንሓጺር እዋን ዝጸንሕን ይኸውን።
"ሕጂ ግን መጠን ኣንቲቦዲታት ውሑድ ስለዝዀ፡ ብዙሕ ቫይረስ ናብ ሰብነትና እናኣተዉ ዝኸፍአ ሕማም ይፈጥሩ ኣለዉ" ትብል ፕሮፌሰር ሪለይ።
መብዛሕትና ክታበት ካብ እንወስድን በቲ ቫይረስ ካብ እንተሓዝን (ንሱ እውን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይውስኽ እዩ) ነዊሕ እዋን ስለዝገበርና መጠን ኣንቲቦዲና ትሑት እዩ።
ኣብ ኮሌጅ ኢምፐርያል ለንደን ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ፒተር ኦፐንሻው፡ "ቅድሚ ሕጂ ዓብይ ለውጢ ኣምጺኡ ዝነበረ፡ ሰፊሕ ምክፍፋል ክታበት እዩ። ዋላ መንእሰያት እዮም ክታበት ወሲዶም፤ እዚ ድማ ገዚፍ ለውጢ ኣምጺኡ" ይብል።
ሎሚ ዓመት ንውሑዳት ሰባት እዩ ክታበት ቀሪቡሎም፤ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ብሪጣንያ ንዅሎም ልዕሊ 50 ዓመት ክታበት ቀሪቡሎም ነይሩ። ሎሚ ግን ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት እንተዘይኰይኖም፡ ንልዕሊ 65 እዩ ቀሪቡ።
ፕሮፌሰር ኦፕንሻው፡ "ብዙሓት ሰባት ንብዙሕ መዓልቲታት ወይ ሰሙናት ዘደቅሶም ከቢድ ሕማም" ከምዘጋጥሞም ይግምት።
"መንእሰያትን ኣብ ጽቡቕ ቍመናን ዘለዉ ሰባት ከቢድ ሕማም ኮቪድ የጋጥሞም ከምዘሎ እውን እሰምዕ ኣለኹ። ብዘገርም ኵነታት ዝቀያየር ሕማም እዩ፤ ገለ እዋን ሰባት ኣዝዮም ክሓሙ ብምግባር ’ነዊሕ ንዝጸንሕ ኮቪድ’ የቃልዖም" ይብል።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ክታበት ብኮቪድ ክሞቱ ንዝኽእሉን ሕክምና ዘድልዮምን ክወሃብ እዩ ወሲኑ።
እዚ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝነበረ ጸቕጢ ዘቃልል እዩ።
ፕሮፌሰር ሪለይ፡ "እዚ ግን ትሕቲ 65 ዓመት ዘለዉ ሰባት ኮቪድ ኣይሕዞምን፡ ኣዝዮም ኣይሓሙን ማለት ኣይኮነን።
"ነዞም ሰባት ክታበት ዘይምሃብ ሳዕቤኑ ብዙሓት ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ካብ ስራሕ ዝተርፉ ሰባት ምህላው ይመስለኒ።"
ክታበት ንመን ይወሃብ ዝብል ውሳነ ጥራይ ኣይኮነን ዝቕየር ዘሎ፤ መልክዕ እቲ ቫይረስ እውን ይቕየር እዩ ዘሎ።
‘ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል’
ጸረ-ነፍሳት ኣብ መንጐኦምን ኣብ ክፋል እቲ ዘጥቅዕዎ ቫይረስን ኣብ ዘሎ ምምስሳል ስለዝምርኮሱ ውጽኢታዊ እዮም።
እቲ ቫይረስ ቅርጹ እናለዋወጠ ኣብ ዝኸደሉ ግን እቶም ጸረ-ነፍሳት ውጽኢታዊነቶም ይትሕት።
"እቶም ኣብዚ እዋን ዝዘዋወሩ ዘለዉ ቫይረሳት፡ ካብቶም ኣብ መጀመርታ ንምስራሕ እቲ ቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ወይ ንመወዳእታ እዋን ዝለኸፉዎም ዝተፈለዩ እዮም" ይብል ፕሮፌሰር ኦፐንሻው።
ብዙሓት ሰባት ንኦሚክሮን ቫይረስን ዓሌቶምን ዝነኣሰ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎም።
ከቢድ ሕማም ኮቪድ እንተሒዙኩም ወይ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ እንተዀይኑ፡ ጠንቁ ድኹም ጸረ-ነፍሳትን ምስፍሕፋሕ ቫይረሳትን ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ናይ ምሕማም ይዅን ሆስፒታል ናይ ምእታው ዕድልኩም ዝለዓለ እዩ ማለት ኣይኰነን።
መልከፍቲ ከጋጥመና እንከሎ 'ቲ-ሰልስ' ዝበሃሉ ካልኦት ኣካል ስርዓት ምክልኻል ስራሕ ይጅምሩ፤ እዚኦም በቶም ዝሓለፉ ካልኦት መልከፍቲታትን ክታበታትን ዝሰልጠኑ እዮም።
ብኮቪድ ዝተለኸፉ ዋህዮታት ብምልላይ ስለዝቐትሉ ቅርጾም ብዝቐየሩ ቫይረሳት ብቐሊሉ ኣይጥቅዑን።
"ኣዚኻ ከይትሓምምን ናብ ሆስፒታል ከይትበጽሕን ይከላኸሉልካ፤ እንተዀነ ነቶም ቫይረሳት ኣብ ዝቐትልሉ እዋን ከቢድ ሕማም ክስመዓካ ዝገብር ሓበራዊ ጉድኣት ኣሎ" ትብል ፕሮፌሰር ሪለይ።
'ቲ-ሰልስ' ኮቪድ ጸሪጐም ንምውጻእ ዝህብዎ ምላሽ እዩ፡ ኣብ ሰብነትና ቃንዛ ጭዋዳ፡ ዋዕን ዛሕልን ዝፈጥር።
ስለዚ እቲ ኮቪድ ናብ ቀሊልን ልሙድን ሕማም እናተቐየረ እዩ ዝብል ርድኢት ኣበይ ይዓልብ?
ምልክታት ዓይነት ሰዓል ዘርእዩ ምስ ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰሩ ኣርባዕተ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ኣለዉ። ቀለልቲ ተባሂሎም ዝግለጹሉ ሓደ ምኽንያት ኣብ ቍልዕነትናን ዕድመና ምሉእን ዘጋጥና ስለዝዀኑ እዩ።
ፕሮፌሰር ኦፐንሻው፡ "ገና ኣብኡ ኣይበጻሕናን" ይብል ኣብ ጉዳይ ኮቪድ።
"ግን ምስ ተደጋጋሚ መልከፍቲ ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ክንሃንጽ ኣለና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







