እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንምንታይ’ያ ንታይዋን ክሳብ ኣፍንጫኣ ተዕጥቓ ዘላ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ታይዋን ኣጽዋር ኣመሪካ ንኽትዕድግ ኣብዚ ቀረባ እዋን 80 ሚልዮን ዶላር ከተጽድቕ እንከላ፡ ቻይና ብተግባር ዋሽንግተን “ከም ዝሓዘነትን ከም ትቃወሞን” ገሊጻ።
እዚ ኣመሪካ ንታይዋን ዘጽደቐቶ ሚልዮናት ንተራ ተዓዛቢ ዝተጋነነ ኣይኰነን።
ካብ ዋጋ ሓንቲ ነፋሪት ኲናት ዝነኣሰ እዩ። ታይዋን ልዕሊ 14 ቢልየን ዳላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ኣዚዛ እያ። ንምንታይ ደኣ እቲ 80 ሚልዮን ዶላር ዝያዳ ኣገዳሲ ኰይኑ?
ዋላ’ኳ ንታይዋን ዝግበር ዝዀነ ዓይነት ወተሃደራዊ ሓገዝ ምላሽ በይጂን ሕርቃን እንተዀነ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ዝተፈለየ እዩ።
እዚ 80 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ኣይኰነን፤ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካውያን ዝመጽአ ደኣ’ምበር። ኣመሪካ፡ ድሕሪ ልዕሊ 40 ዓመታት ንፈለማ እዋን እያ፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ናብ ዘይረኸበት ቦታ ኣጽዋር ንምልኣኽ ናይ ባዕላ ገንዘብ ትጥቀም ዘላ።
እዚ ተፈጻሚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ፋይናንስ ወጻኢ (FMF) ዝበሃል መደብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርር ጀሚሩ፡ ወተሃደራዊ ፋይናንስ ወጻኢ (FMF) ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ናብ ኪቭ ልኢኹ እዩ።
ናብ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ እስራኤል፡ ግብጽን ካልኦትን ቢልዮናት ንምልኣኽ’ውን እዚ ፕሮግራም ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ’ዩ።
እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ንዘለወን ሃገራት ወይ ትካላት ጥራይ እዩ ሚልዮናት ወይ ቢልዮናት ገንዘብ ሂቡ ዝፈልጥ፤ ታይዋን ኣፍልጦ ኣይተወሃባን።
ኣመሪካ፡ ብ1979 ዲፕሎማስያዊ ርክባ፡ ካብ ታይዋን ናብ ቻይና ምስ ቀየረት፡ ብመሰረት ውዕል ርክብ ታይዋን ናብዛ ደሴት ኣጽዋር ምሻጥ ቀጺላ።
እቲ ቀንዲ ጉዳይ ታይዋን ካብ ቻይና ንዘጋጥማ መጥቃዕቲ ንኽትከላኸል እዅል ኣጽዋር ምሻጥ ዝብል’ዩ ነይሩ። ንርክባት ዋሽንግተንን በይጂንን ንዘይምንዋጽ እቲ ዝግበር መሸጣ ኣጽዋር ውሱን’ዩ።
ኣመሪካ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ ንግዲ ንዘይምብታኽ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ዘይንጹርነት ተሸኺላ፡ ቀንዲ መሻርኽቲ ታይዋን ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ግን፡ እቲ ኣብ ወሽመጥ ታይዋን ዝነበረ ወተሃደራዊ ሚዛን ብዘደንቕ መልክዑ ተቐይሩ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ቀመር ኣይሰርሐን። ዋሽንግተን ፖሊሲኣ ከም ዘይቀየረት’ኳ እንተገለጸት፡ ኣብ ባይታ ግን ወሳኒ ብዝበሃል መልክዑ ተቐይሩ’ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኤፍኤምኤፍ ንታይዋን ዝዀነ ኣፍልጦ ከም ዘይሃባ ንምግላጽ ግዜ ኣይወሰደሉን። ዋሽንግተን ንታይዋን ዳግማይ ንኸተዕጥቕ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብምዕዛብ ግን፡ ምስታ ደሴት ዘለዋ ርክብ ተነጽሮ ከም ዘላ ግልጺ’ዩ።
ምስ ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ-ወንን ሓለፍቲ ኮንግረንስ ኣመሪካን ስጡም ርክብ ዘለዎ ኣርቃቒ ሕጊ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ዝዀነ ዋንግ ቲንግ-ዩ፡ “ኣመሪካ ወተሃደራዊ ዓቕምና ንምምሕያሽ ልዑል ድሌት ተርኢ ኣላ።
ብሓባር ደው ከም ዝበልና ንበይጂን ስትራተጂያዊ መልእኽቲ’ያ ትልእኽ ዘላ” ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን 500 ሚልየን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን መሳርሒታትን ንታይዋን ንምሻጥ ስልጣኑ ከም ዝተጠቐመ ዘዘኻኽር ዋንግ ቲንግ-ዩ፡ እዚ ናይ ሕጂ 80 ሚልየን ዶላር 'ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ’ ይብል።
ታይዋን፡ ድሕሪ 1970ታት ንፈለማ ግዜ፡ ክልተ በጦሎኒ ወተሃደራታ ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኣመሪካ ንምልኣኽ ትዳሎ ከምዘላ ድማ ይሕብር።
ንሱ ከም ዝብሎ ግን፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ገንዘብ’ዩ። ኣመሪካ ንታይዋን እትስልዖ ገንዘብ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ 10 ቢልዮን ዶላር ክብ ክብል ይኽእል።
ፕረዚደንት እቲ ኣብ ታይፐይ ዝመደበሩ ፋውንደሽን ፕሮስፐክት ኢ-ቻንግ ላይ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ዘጠቓልሉ ውዕላት ብልሙድ ክሳብ 10 ዓመት ከም ዝወስዱ የረድእ። ብኤፍኤምኤፍ ግን ኣመሪካ ብቐጥታ ብናይ ባዕላ ገንዘብ እያ ኣጽዋራት ትልእኽ ዘላ። ስለዚ ብናይ ምጽዳቕ መስርሕ ምኻድ ኣየድልን” ይብል።
ዝተኸፋፈለ ኮንግረስ ኣመሪካ፡ ብቢልየናት ዶላራት ዝግመት ሓገዝ ንዩክረይን መዲቡ ከም ዘሎ ዝግመት እኳ እንተዀነ፡ ታይዋን ግን ብኽልቲኦም ፖለቲካዊ ክንፊታት ዝያዳ ሓገዝ ዘለዋ ትመስል።
እቲ ኣብ ቓዛ ዝተወልዐ ኵናት፡ ከምቲ ናይ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ንታይፐይ ተቕርቦ ኣጽዋር ከም ዝጸልዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክረይንን እስራኤልን ናይ ኵናት ሓገዝ ይጠለብ ኣሎ፤ እዚ ንታይዋን’ውን ተወሳኺ ገንዘብ ክምደብ ዝብል'ውን እዩ።
ገንዘብ ኣመሪካ ንምንታይ ከም ዝውዕል፡ ኣብ ታይፐይ ንዝርከብ ሚኒስተር ምክልኻል ሕተቱ፤ መንከስ ገጢሙ ክምስ ካብ ምባል ወጻኢ፡ እቲ ምስጢር ኣይክነግረኩምን።
ዶክተር ላይ ግን፡ ኣዝዮም ውጽኢታውያን ዝዀኑ 'ጃቭሊንን ስቲንገርን' ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላት ከም ኣብነት ብምልዓል፡ ምሁራዊ ግምታት ምሃብ ከም ዝከኣል ይሕብር።
“ንሕና እኹል ነገር የብልናን፤ ብዙሕ’ዩ ዘድልየና። ኣብ ዩክረይን ስቲንገራት ብኣጋ’ዮም ተወዲኦም። ዩክረይን እትጥቀመሉ መገዲ እንተ ርኢና ንሕና 10 ዕጽፊ ከም ዘድልየና ዘእንፍት’ዩ” ይብል።
ገምጋም ተዓዘብቲ ንጹር’ዩ፤ እታ ደሴት ንመጥቃዕቲ ቻይና ብዘሕዝን ኵነታት ኣብ ትሑት ምድላው’ያ ትርከብ።
ብዙሕ ጸገማት እዩ ዘሎ። ሰራዊት ታይዋን ብኣማኢት ዝቝጸራ ዝኣረጋ ተዋጋእቲ ታንክታት፡ ውሑዳት ዘመናውያን ቀሊል ስርዓታት ሚሳይልን ኣለዎ።
መሓውር እቲ ሰራዊት፡ ኣሳእል ሰረተ-እምነታት ንፍርቂ ክፍለዘበን ኣይተሓደሱን። ኣሃዱታት ቅድመ ግንባር እታ ደሴት፡ 60 ሚእታዊት ጥራይ ሓይሊ እዩ ዘለወን።
ታይዋን ኣብ ልዕሊ ቻይና እትገብሮ ጸረ ስለያ ወፍሪታት የለን፡ ናይ ወተሃደራዊ ምልመላ ስርዓታ’ውን ለሚሱ’ዩ።
ኣብ ዓመተ 2013፡ ግዜ ወተሃራዊ ኣገልግሎት ካብ ሓደ ዓመት ናብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣውሪዳቶ። ግን ብዙሓት ብድሆታት’ዮም ዘለዉ። በዚ ኣገልግሎት ዝሓለፉ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ “ናይ ሓጋይ መዘናግዒ መዓስከር” ብምባል ይቕይዕሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐ ሓደ መንእሰይ፡ “ስሩዕ ልምምድ ኣይነበረን። ኣብ ክልተ ሰሙን ሓደ ግዜ ተዅሲ ልምምድ ንኸይድ። እንጥቀሞ ድማ ኣብ 1970ታት ዝነበረ ዝኣረገ ጠበንጃ ’ዩ። ንዒላማታት ወቒዕና ኢና። ከመይ ከም ንዕልም ግቡእ ትምህርቲ ስለዘይነበረ ግን ብዙሕ ሰብ ይጠፍእ ነይሩ።
ዋላ ሓደ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣይገበርናን። ዋላ ሓደ ቅድመ ምድላው ኣብ ዘይገበርናሉ፡ ኣብ መወዳእታ ፈተና ኣካላዊ ብቕዓት ኣሎ” ይብል፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቶም መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ንምስልጣን ዋላ ሓደ ድሌት ከም ዘይብሎም ብምሕባር።
ዋሽንግተን፡ ታይዋን ሰራዊታ ንምጽጋንን ዳግማይ ንምህናጽን እኹል ግዜ የብላን ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ሒዛ ኣላ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣመሪካ ንሰራዊት ታይዋን ዳግማይ ከተሰልጥን ጀሚራ ኣላ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ እታ ደሴት፡ ከቢድን ሓደገኛን ስለዝዀነ ቻይና ነታ ደሴት ንምውራር ኣይክትፍትንን ኣብ ዝብል እምነቶም ጸኒዖም ይርከቡ።
ቻይና ግን ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ወኒና ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ቲንክ ታንክ ዝተኻየደ መለማመዲ ግጥም ኵናት፡ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ታይዋን ኣብ ፈላሞት ናይ 96 ሰዓታት ኵናት፡ ብቻይና ከም ዝድምሰስ ኣረጋጊጹ።
ብሓያል ጸቕጢ ዋሽንግተን፡ ሕጂ ታይፐይ፡ ቻይና ነታ ደሴት ንምስዓር ናብ ኣዝያ ትጽገመሉ ስትራተጂ “ዕርዲ ታይዋን” ትቕየር ኣላ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝፍጸም ወራር ንምምካትን ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ፡ ኣብ ከተማታት ንዝርከብ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት (PLA) ንምውጋእን፡ እቲ ትዅረት ናብ ናይ መሬት ሰራዊት፣ እግረኛን መዳፍዕን ክሰግር’ዩ። እንተዀነ፡ እዚ ንታይዋን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት፡ ሰራዊታ ናብ ግዛኡ ዝሓለፎ ክምለስ ዝገብር’ዩ።
ዶክተር ላይ፡ “ኣመሪካ ኣብ 1979 ዝነበረ ዝምድናታት ብምቍራጻ፡ ሰራዊትና ምሉእ ተነጽሎ’ዩ ኣጋጢምዎ። ስለዚ ንሳቶም ኣብ ዘመነ ኵናት ቬትናም ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሰረተ-እምነት ኣመሪካ ‘ዮም ተሸኺሎም ዘለዉ” ይብል።
እንተዀነ፡ እዚ ንታይፐይ ይዅን ዋሽንግተን ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ኣየሻቐለንን ነይሩ። ኣብ 1990ታትን 2000ታትን ኩባንያታት ታይዋንን ኣመሪካን ኣብ ቻይና ፋብሪካታት ይሃንጻ ነይረን። በይጂን ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ክንትጽንበር ወፍሪ ትገብር ነይራ፡ ኣሳኺዓቶ ድማ። ዓለም ንቝጠባ ቻይና ተቐቢላቶ፤ ኣመሪካ ድማ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ ወሽመጥ ታይዋን ሰላም ከስፍን’ዩ ኢላ ሓሲባ።
ይዅን’ምበር ትንሳኤ ሺ ጂፒንን ናይ ሃገራውነት ሕላገቱን፡ ከምኡ’ውን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራርን፡ ነዞም መጸናንዕቲ ግምታት፡ ፍዅስ ኢሎም ክተርፉ ደረኽቲ ምኽንያታት ኰይኖም።
ታይዋን ካብ ወራር ዩክረይን ዝረኸበቶ ትምህርቲ ዘሰንብድ’ዩ ኰይንዋ። ልዑል ቅልጣፈ ብዘለዎ ተዅስን ብዘስካሕክሕ ኵነታትን፡ መዳፍዕ ንዓውደ-ግንባራት ዓብሊልዎ። ዩክሬናውያን ነዚ ንምምካት ምስ ተኰሱ ክንቀሳቐሱ ከም ዘለዎም ተማሂሮም’ዮም፤ እንተዘይኰይኑ ጸረ መጥቃዕቲ ሩስያ ናብ ዝተቘጻጸርዎ ከባቢ ምምጽኡ ኣይክተርፍን።
ብዙሓት ወተሃደራት መዳፍዕ ታይዋን ግን፡ ኣብ ኵናት ቬትናም ወይ ድማ ኣብ እዋን ኵናት ካልኣይ ዓለም ዝነበሩ ጠበንጃታት’ዮም ተዓጢቘም። እዚኦም ብኢድ ዝጸዓኑን ብቕልጡፍ ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉን’ዮም። ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ዝዀነ መከላኸሊ ኣይክህልዎምን።
እዚ ተቓላዓይነት ታይዋን፡ ዋሽንግተን ስጕምቲ ንኽትወስድ የገድዳ ኣሎ። ነዚ እዩ ድማ፡ ሓይሊ ምድሪ ወተሃደራት ታይዋን ንስልጠና ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹን፡ ኣመሪካውያን ኣሰልጠንቲ ንሓይሊ ባሕርን ፍሉይ ሓይልታትን ታይዋን ንምቕራጽ ናብ ታይፐይ ዝመጽኡን።
ኣብ ታይፐይ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ተመራማሪ ዝዀነ ዊልያም ቹንግ ግን፡ ታይዋን ሕጂ’ውን ርእሳ ክኢላ ንቻይና ክትገትኣ ከም ዘይትኽእል እዩ ዝገልጽ። እዚ፡ ካልእ ካብ ኵናት ዩክረይን ዝተረኸበ ትምህርቲ’ዩ።
“ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ታይዋን ክውስን ኣለዎ፤ ጕጅለ 7 [G7] ወይ ኔቶ ታይዋን ንረብሓኦም ኣገዳሲት እያ ኢሎም ዝሓስቡ እንተዀኖም፡ ኵነታት ታይዋን ዓለምለኻዊ ክንገብሮ ኣለና። ምኽንያቱ ቻይና ብዛዕባ እትኸፍሎ ዋጋ ክልተ ግዜ ንኽትሓስብ ዝገብራ እዚ’ዩ” ይብል።
ዶክተር ቹንግ’ውን፡ “ቻይና ኣብ ደቡባውን ምብራቕን ቻይና ምስፍሕፋሕ ተርኢ ኣላ” ብምባል፡ ባህርያት ቻይና ብዘይፍላጥ፡ ታይዋን እዚ ኣማራጺ ንኽትጥቀም ክሕግዛ ከም ዝጸንሐ ይዛረብ።
ኣመሪካ ንታይዋን ንምሕጋዝ ክሳብ ክንደየናይ ርሕቐት ክትጓዓዝ ትኽእል ኣብ ዝብል፡ ሕዚ ኣብ ዋሽንግተን ሓያል ክትዕ እዩ ዘሎ። ንብዙሕ እዋን ንቻይና ዝከታተሉ ተዓዘብቲ፡ ዝዀነ ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ህዝባዊ ቈራጽነት ኣብ ክንዲ ንቻይና ምግታእ ተኹታዃይ ከም ዝኸውን ይገልጹ። ዋሽንግተን’ውን፡ ታይዋን በይና ንርእሳ ክትከላኸል ከም ዘይተተስፉ ትፈልጥ እያ።