ብድሕሪ መጥቃዕቲ ቦምባ ፓሪስ ምንባሩ ዝተገለጸ ሰብ ድሕሪ 43 ዓመታት ተፈሪዱ

ኣብ ፓሪስ ኣብ ቤተ-መቅደስ ኣይሁድ ንዝተፈጸመ ኣርባዕተ ሰባት ዝተቐትሉሉ መጥቃዕቲ ክርኢ ዝጸንሐ ቤት-ፍርዲ፡ ዜግነት ሊባኖስን ካናዳን ዘለዎ ናይ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ቅድሚ 43 ዓመታት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ብምጥቃስ ፈሪድዎ።

ደያኑ እቲ ቤት-ፍርዲ ወዲ 69 ዓመት ሓሰን ድያብ፡ ኣብ 3 ጥቅምቲ 1980 ኣብ ሩ ኮፐርኒክ ነቲ ቦምባ ኣብ ሞተር ብሽክለታ ብምጽዋድ ከምዝፈጸሞ ገሊጾም።

በቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለው 38 ካልኦት ቆሲሎም።

ድያብ ነቲ ውሳነ ክቃወሞ እንከሎ ናብ ቤት-ፍርዲ ምቕራብ’ውን ኣብዩ። እቲ ቤት-ፍርዲ ግና ንሕልፈት ክእሰር በዪኑሉ ኣሎ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሱ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘሎ “ዘጠራጥር ከምዘይኮነ” እዮም ክምጕቱ ጸኒሐም።

ደገፍቱ እቲ ብይን ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

መጥቃዕቲ ሩ ኮፐርኒክ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ፈረንሳ ንኣይሁዳውያን ዒላማ ዝገበረ ፈላሚ መጥቃዕቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዝሰዓቡ ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ተራእዩ እዩ።

ድያብ ፍልስጤማዊ መበቆል ዘለዎ ሊባኖሳዊ ኮይኑ ኣብ 1993 ካናዳዊ ዜግነት ረኺቡ ኣብ ኦታዋ ሶስዮሎጂ ክምህር ጸኒሑ።

ንሱ ኣብ 1999 (20 ዓመታት ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ) ብዝተረኽበ ሓድሽ መርትዖ'ዩ ጥርጡር ምዃኑ ተገሊጹ።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ከኣ ፈረንሳ ዓለምለኻዊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ እኳ እንተኣውጽአት ክሳዕ 2014 ካናዳ ኣሕሊፋ ክትህቦ ፍቓደኛ ኣይነበረትን።

ኣብ 2018 ግና ደያኑ ፈረንሳ እቲ ጉዳይ ብምኽንያት እኹል መርትዖ ዘይምርካብ ከምዝተዓጸወ ክገልፁ እንከለዉ ድያብ ናብ ካናዳ ክምለስ ኣፍቂዶም።

ኣብ 2021 ግና ንምዕጻው እቲ ጉዳይ ዝምልከት ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ። እዚ ኣብ ፈረንሳ ምስ ግብረሽበራ ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ፈላሚ ምዃኑ ይንገር።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ጀሚሩ።

ድያብ ካብ ፈለማ ንጹህ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ንፍርዲ ናብ ፈረንሳ ኣይተመለሰን። ብይን ከኣ ኣብ ዘይተረኽበሉ እዩ ተዋሂቡ።

ነዚ ብይን ስዒቡ፡ ተመሓላሊፉ ምእንቲ ክዋሃባ ፈረንሳ ዳግማይ ንካናዳ ክትሓትት እያ። ክሰልጣ ከምዘይኽእል ግና ይግመት።

ድያብ “መጐት ክስዕር ተስፋ ጌርና ኔርና” ምባሉ ጸብጻብ ማእከን ዜና ካናዳ ይገልጽ።

ኣብ ካናዳ ዝርከብ ኮሚተ ሓገዝ ሓሰን ድያብ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ ብምድዋል ካልኣይ ግዜ ኣሕሊፍካ ምሃብ ቅቡል ከምዘይከውን ንጹር ክገብር ከምዘለዎ ምሕታቶም ተገሊጹ።

15 ዓመታት ሕጋዊ “መባህረሪ. . . ሕጂ ብጭካኒኡን ዘይፍትሓውነቱን ምሉእ ብምሉእ ተቓሊዑ ኣሎ፡” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቱ “ነቲ ዝቕጽል መድረኻት፡ መንግስቲ ፈረንሳ እንታይ ክገብር ከምዝደልን መጋባእያታት ፈረንሳ እንታይ ከምዝገብራን ብዕቱብ ከምዝርእዮ” ሓቢሩ።

ወሲኹ’ውን “ግና ኩሉ ግዜ ንካናዳውያንን ንመሰላቶምን ደው ክንብል ኢና” ኢሉ።