ቅልውላው ሱዳን፡ እዋናዊ ምዕባለታት 7ይ መዓልቲ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተወልዐ ወግእ ሓድሕድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዓርቢ መዓልቲ ዒድ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተዂሲ ክግበር ከምዝተሰማምዑ ይግለጽ ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ ሎሚ ምሸት'ውን ከተማ ካርቱም ካብ ድምጺ ተዂሲ ከምዘይዓረፈት ጸብጻባት ካብታ ከተማ ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ንጽንብል ዒድ-ኣልፈጥር ዝዘረገ ውግእ፡ ኣብ ደቡብ ከተማ ካርቱምን ሓያለ ካልኦት ቦታትን ክካየድ ውዒሉ።

በቲ እናገደደ ዝኸደ ኩነታት ዝሰግኡ ነበርቲ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ክሃድሙን፡ ካብታ ከተማ ክወጹን ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተወልዐ ደማዊ ረጽሚ ዝሞቱ ግዳያት ከምዝወሰኸ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ነዚ ሻውዓይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ረጽሚ ንምህዳእ ክግበር ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ሕጂ'ውን ዘምጽኦ ጭቡጥ ለውጢ የለን።

ሓድሽ ፈተነ ምቁራጽ ተዂሲ

ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክህሉ ከምዝተሰማምዐ ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቲ ስጉምቲ፡ ህዝቢ ሃዲኡ በዓል ዒድ ከኽበር ምእንቲ ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ሰራዊት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

"እቶም ተቓወምቲ [ሓይልታት ጀነራል ሕመድቲ] ብኹሎም ቅጥዕታት ናይቲ ስምምዕ ብምቕያድ፡ ዝኾነ ዓንቃፊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከቋርጹ ተስፋ ንገብር" ይብል እቲ ሰራዊት ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

እንተኾነ ግን፡ ሎሚ ምሸት'ውን ኣብ ከተማ ካርቱም ውግእ ከምዝቐጸለ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም ኣለዉ።

ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ብዝቐጸለ ብርቱዕ ውግእ ኣመንቲ ናብ መሳጊድ ክኸዱ ከምዘይክኣሉ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ክሕብሩ ውዒሎም ነይሮም።

ኣቐዲሙ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ተወርዋሪ ወሃቢ ደገፍ ሓይልታት፡ ብምኽንያት ዒድ-ኣልፈጥር ተዂሲ ከቋርጹ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም ነይሮም'ዮም።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተኣወጀ ሓያለ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ፈተነታት ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ክፈሽል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 400 በጺሑ

ኣብቲ ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ብውሕዱ 413 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ካልኦት 3,551 ሰባት'ውን ኣብቲ ግጭት ቆሲሎም ኣለዉ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብውሕዱ 9 ካብቶም ግዳያት ቆልዑ ምዃኖም ጠቒሱ ነይሩ። ካልኦት 50 ዝኾኑ ህጻናት'ውን ቆሲሎም ነይሮም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ኮርዶፋን ሓደ ሰራሕተኛ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ-ኦ-ኤም) ከምዝሞተ'ውን እቲ ትካል ኣረጋጊጹ'ሎ።

ምግዓዝ ዜጋታት ወጻእተኛታት

ሕብረት ኣውሮጳ ዜጋታቱ ካብ ሱዳን ዘውጽኣሉ መንገዲ የሰላስል ከምዘሎ ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ገሊጹ።

ኣስታት 1,500 ዜጋታት ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ከምዘለዉ ይግመት። ሸውዓተ ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ድማ ኤምባሲታት ኣለወን።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ ናይ ምውጻእ ስርሒታት ንምፍጻም፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከድሊ ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣና ቤርቦክ ተዛሪባ።

ኣመሪካ ብወገና፡ ኣባላት ኤምባሲኣ ናይ ምውጻእ ውሳነ ከምዘይገበረት ሓቢራ። ዜጋታታ ባዕሎም ውሕስነቶም ዘረጋግጽሉ ኩነታት ክፈጥሩ ከምዘለዎም ድማ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ዋይት ሃውስ ገሊጹ'ሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊ-መበቆል ዘለዎም ዜጋታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ ይግለጽ።

ብዘይካ'ዚ፡ ደቡብ ኮርያ 25 ዝኾኑ ዜጋታታ ንምውጻእ ወተሃደራዊት ነፋሪት ክትሰድድ ምዃና ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ርእሰከተማ ካርቱምን ኣብ መዓስከራትን ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ኣብ መንጎ ተቐርቂሮም ኣብ ከቢድ ስግኣትን ጭንቀትን ከምዝርከቡ ገለ ካብኦም ይገልጹ ኣለዉ።