እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
15 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ተሰሪቑ
ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ፒርሰን ቶሮንቶ ካናዳ ንዝጠፍአ ወርቂ ንምርካብ ፖሊስ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ 15 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽእ ዝግመት ወርቂ ብሰኑይ 17 ሚያዝያ ከምዝተሰረቐ ሰብ መዚ ካናዳ ገሊጾም።
እቲ ወርቂ “ክቡር ነገራት” ንምጉዕዓዝ ኣብ ዘገልግል ናይ ነፋሪት ሳጹን ዝተዓሸገ ኮይኑ ሽዑ ምሸት ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ካርጐ ናብ ዝተሓዘሉ ስፍራ ከምዝተወሰደ ይግለጽ።
ኣብ ክፍለግዝኣት ኦንታርዮ ዝዕደን ወርቂ በቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቢሉ እዩ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝለኣኽ።
ፖሊስ፡ እቲ ስርቂ ካብኡ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።
ኣብ 2011 ከምኡ’ውን 2012 ኣብ ክፍለግዝኣት ኵቤክ፡ 18.7 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣስታት 3 ሽሕ ቶን ሽሮፖ ካብ መኽዘን ክስረቕ እንከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ሓደ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ክኸውን ከምዝኽአል ይግለጽ።
ኢንስፔክተር ፖሊስ ዞባ ፒል፡ ስተፈን ዱይቨስተይን፡ ጉጅለኡ “ኩሎም ጎደናታት” ይምርምሩ ከምዘለው ክገልጽ እንከሎ፤ እቲ ናይ ሰኑይ ፍጻመ “ፍሉይን ሳሕቲ ዘጋጥምን” እዩ ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ናይ ነፋሪት ሳጹን 5 ትርብዒት ጫማ ዓቐን ከምዝነበሮ እኳ እንተገለጸ ክብደቱ ካብ ምንጋር ተቖጢቡ።
ሰብ መዚ፡ እቲ ጽዕነት በየናይ መገዲ ኣየር ይጓዓዝ ከምዝነበረ፡ ካበይ ከምዝመጸን ናበይ ይኸይድ ከምዝነበረን’ውን ኣይገለጹን።
ጋዜጣ ‘ዘ ቶሮንቶ ሳን’ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ፖሊስ ብዝተዋደደ ገበን እዩ ተፈጺሙ ኢሉ ከምዝኣምን ሓቢሩ።
ቢቢሲ ንፖሊስ ሮያል ካናድያን ማውንትድን መዕርፎ ነፈርቲ ፒርሰንን ርእይቶ ክህቡ ተወኪስዎም ኣሎ።