ቻይና፡ ካብ ዓይኒ ተኸዊሉ ዝጸንሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንሸውዓተ ወርሒ ዘይመልእ እዋን ዘገልገለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኲን ጋንግ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣልየ ተገሊጹ።
ጋንግ፡ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ንነዊሕ እዋን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሰዊሩ ብምጽንሑ ዝተፈላለዩ ግምታት ክወሃበሉ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ወዲ 57 ዓመት ንመወዳእታ ግዜ ንህዝቢ ዝተራእየሉ ብ25 ሰነ ኰይኑ፡ ስለምንታይ ካብ ህዝቢ ከምዝተኸወለ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ቅድሚኡ ነቲ መዝነት ተረኪቡ ዝነበረን ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ዲፕሎማሰኛ ዝዀነን ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዋንግ ዪ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብምዃን ዳግማይ ተመዚዙ'ሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ መዝነት ዝተረከበ ኲን ጋንግ፡ እሙን ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ምንባሩ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
"ላዕለዋይ ሓጋጊ ኣካል ቻይና፡ ዋንግ ዪ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ወሲኑ" ክብል መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሺንሁዋ ሓቢሩ።
"ኲን ጋንግ ካብ መዝነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ተኣልዩ ኣሎ" ብምባል'ውን ጋንግ ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ የነጽር ሓበሬታ ሺንሁዋ።
ፕረዚደንት ሺ፡ ንውሳነ ላዕለዋይ ባይቶ ብምጽዳቕ፡ ነቲ መዝነት ዝምልከት ኣዋጅ ከምዝፈረመ'ውን ይጠቅስ።
ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብላዕለዋይ ሓላፊ ዴሳዊ ሰልፊ ዝምእከል ኰይኑ፡ ብዝምዘዝ ካልእ ሚኒስተር ዝምራሕ'ዩ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካብ ዓይኒ ድሕሪ ምስዋሩን ካብቲ ክሳተፈሉ ዝነበሮ ዋዕላ ኢንዶነዥያ ምብኳሩን ሕቶታት ኣለዓዒሉ ነይሩ'ዩ። ኣብቲ እዋን ግን ብሰንኪ ብንጹር ዘይተገልጸ ጸገማት ጥዕና ካብቲ ኣኼባ ከምዝበኾረ ሓጺር ወግዓዊ መግለጺ ተዋሂቡ ነይሩ።
ካብቲ ሚኒስትሪ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዘይምጽኡ ግን፡ ዝተፈላለዩ ግምታት ክወሃብ ጀሚሩ። ገለ ካብኦም፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ተቐጺዑ፡ ከምኡ'ውን ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ጾታዊ ዝምድና ገይሩ ዝብሉ ይርከብዎም።
ኲን ጋንግ፡ ብዓይኒ ንቡር ኣካይዳ ክርአ እንከሎ፡ ቀልጢፉ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ዝዓረገ'ዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዩ ኣብ ታሪኽ ቻይና እቲ ዝነኣሰ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ።
ናብቲ መዝነት ቅድሚ ምምጽኡ ንክልተ ዓመት ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣመሪካ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ቅድሚኡ'ውን፡ ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ኰይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፡ ንመገሻታት ወጻኢ ፕረዚደንት ሺ ዘሰላጥ ዝነበረ ብምዃኑ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ጥቡቕ ርክብ ክምስርት ከምዝኸኣለ ይግመት።
ጋንግ፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ንሓያለ ዓመታት ዝሰርሐን ምሩቕ ሕግን ዓለምለኻዊ ፖለቲካን ምዃኑ ይንገር።
እዚ ነቲ መዝነት ከምብሓድሽ ተረኪብዎ ዘሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ዴሳዊ ሰልፊን ዝዀነ ዋንግ ዪ፡ ኣብ ፈለማ ጥሪ 2022 ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣባል ፖሊት ቢሮ ዴሳዊ ሰልፊ፡ ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ 2021 እውን ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ነይሩ'ዩ።
ዋንግ ዪ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2022 ሚኒስተር ጉዳያት ወጺ ኰይኑ ዘገልገለ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







