እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዘይፍወስ ሕማም ተሳቕዩ፡ ህይወቱ ንኽትሓልፍ ዝተወሰነሉ ህጻን መን'ዩ?
እዚ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ኣርቺ ባተርስቢ ይበሃል። ኣደኡ ብ 7 ሚያዝያ ኣብ ገዛኡ ውነኡ ኣጥፊኡ ረኺባቶ።
ፈለማ ናብ ሆስፒታል ሳውዝኢንድ ተወሲዱ። ንጽባሒቱ ግን ኣብ ዋይትቻፐል ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘ ሮያል ለንደን ተሰጋጊሩ። ኣብዚ ሆስፒታል ኣርቺ፡ ነፍሲ ክሳብ ዝዘርእ ዝተፈላለየ ኣርተፊሻል ኣገባባት ሓገዝ ሕክምና እናተገብረሉ እዩ ብህይወት ክጸንሕ ክኢሉ።
ሓካይምን ስድራኡን ግን ነቲ ህይወት ዝድግፍ ሕክምና ይቐጽል ዶ ይቋረጽ? ብዝብል ኣብ ቤት ፍርዲ ከይተረፈ ክካትዑ እዮም ቀንዮም።
ሓደ ሰብ፡ ዘይምለስ ምቍራጽ ስርዓተ ዑደት ደምን ስርዓተ ምስትንፋስን ወይ ዘይምለስ ምቍራጽ ኵሉ ስርሓት ምሉእ ሓንጐል እንተጋጢምዎ፡ ሞይቱ ክበሃል ከምዝኽል ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝርከብ፡ ብዘይፍወስ ሕማም ዝሳቐ ወይ ዘይምለስ ዕውለት ዘጋጠሞ ሰብ ዩተነዢያ (euthanasia) ይግበረሉ እዩ። ዩተነዢያ፡ 'መሓሪ ቅትለት' ተባሂሉ’ውን ዝጽዋዕ ኰይኑ ብዘይ ቃንዛ ወይ ነቲ ኣርቲፊሻል ሕክምናዊ ሓገዝ ህይወት ብምቍራጽ ንኽመውቱ ምግባር ዘኽእል መስርሕ እዩ።
ሓኻይምን ስድራ ኣርቺን ዘካትዐ እውን እዚ እዩ፤ ኣርቺ ብህይወት ይጽናሕ ዶ ወይስ ህይወቱ ንኽትሓልፍ ይገበር?
ኣርቺ ባተርስቢ መን እዩ?
ኣደኡ ሆሊ ዳንስ "ተቓላሳይ ክኸውን ዝተወልደ" ኢላ'ያ ትገልጾ።
ቅድሚ እቲ ሓደጋ፡ ኣርቺ፡ ኣብ ማርሻል ኣርትን ጂምናስቲክን ዝሳተፍ ዝነበረ ንጡፍ መንእሰይ ወዲ ምንባሩ ስድራኡ ይገልጹ።
ብ7 ሚያዝያ፡ ኣደኡ ኣብ ሳውዝኢንድ፡ ኤሰክስ ኣብ ዝርከብ ገዛኦም ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሕልናኡ ኣጥፊኡ ረኺባቶ። ኣብ ሓደ ናይ ኦንላይን ግድል ወይ ገይም ኣትዩ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል'ያ ትግምት።
ስለምንታይ እዩ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ተራእዩ?
ናብ ሮያል ለንደን ሆስፒታል ምስተወስደ፡ እቶም ሓኻይም ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠሞ ጕድኣት ኣዝዩ ርኡይ ብምዃኑ፡ ሓንጎሉ ስርሑ ደው ኢሉ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ንስድራቤት ኣርቺ ሓቢሮም። እዚ ማለት ድማ ኣርቺ ናብ ሕልናኡ ኣይምለስን ወይ ብዘይ ኣርቲፊሻል ሓገዝ ከስተንፍስ ኣይክእልን እዩ።
ሓኻይም መርመራ ሞት ሓንጎል ክገብሩ ሓቲቶም፤ ስድራቤት ኣርቺ ግን ኣይፈቓዱን። ስለዚ እቲ 'ባርትስ ሄልዝ ኤንኤችኤስ ትረስት' ብዝብል ዝጽዋዕ ነቲ ሆስፒታል ዘመሓድር ኣካል፡ ፍቓድ ምርመራ ንምርካብ እቲ ጉዳይ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብዎ።
ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ነቲ ማዕከን ሕክምና ዝውክሉ ጠበቓታት፣ እቲ ዳኛ ንኣርቺ ዘርብሑ እንታይ ዓይነት ስጕምትታት ከምዝዀኑ ንኽውስን ሓቲቶምን ተኸራኺሮምን።
እቲ መርመራ ሓንጎል ክካየድ ኣይከኣለን። እቲ ሕክምና ክቕጽል ኣለዎ ድዩ ኣይግባእን ንምፍላይ ተወሳኺ መስርሕ ፍርዲ ተኻይዱ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብ13 ሰነ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ እቲ ዳኛ፡ ኣርቺ ኣብታ ብ31 ግንቦት ኤምኣርኣይ ስካን ዝተገብረላ መዓልቲ ከም ዝሞተን፡ ንህይወት ዝድግፍ ሕክምናኡ ደው ክብል ከም ዝኽእልን ወሲኑ።
ወለዲ ኣርቺ ብ29 ሰነ እቲ ጕዳይ ዳግማይ ንኽረአ ኣብ ዝቐረበ ይግባይ ተዓዊቶም፤ ንኣርቺ ዝጠቅም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ብዝተፈላለዩ ዳያኑ ዝምራሕ ሓድሽ መስርሕ ፍርዲ ድማ ብ11 ሓምለ ተኻይዱ።
ዳኛ ሄይደን ብ15 ሓምለ፡ ተወሳኺ ሕክምና "ከንቱ" እዩ ብምባል፡ ንህይወት ዝግበር ደገፍ ምቍራጽ - ብኻልእ ኣዘራርባ ከም ዝመውት ምግባር - ንኣርቺ ዘረብሕ እዩ ክብል ወሲኑ።
ነቲ ውሳነ ንምቕልባስ ናብ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጥርዓን ስድራቤት ተነጺጕ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ'ውን ጣልቃ ምእታው ኣብዩ።
ስድራቤት ኣርቺ ናብ ኮሚቴ መሰላት ስንኩላን ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቦም። ብድሕሪኡ እቲ ኮሚቴ፡ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ዝምርምር መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ሕክምና ምቍራጽ ከደናጕዮ ሓቲቱ።
ስድራ ኣርቺ፡ እቲ ኮሚተ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን "ብዛዕባ ምግሃስ መሰላት ስንኩላን ጥርዓን ከቕርቡ" ዝፈቅድ መስርሕ ኣለዎ ኢሎም።
ጸሓፊ ጥዕና ስቲቨን በርክለይ፡ ነቲ ጕዳይ ንምግምጋም ህጹጽ መስርሕ ፍርዲ ንኽካየድ ሓቲቱ። እቶም ሰለስተ ዳያኑ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ግን፡ ኣካል ሕጊ ብሪጣንያ ከምዘይኰነ ስለዝኣመኑ፡ ነቲ ህይወት ዘድሕን ሕክምና ደው ክብል ኣለዎ ዝብል መሰረታዊ/ቀዳማይ ውሳነ ደጊፎሞ።
ነቲ ውሳነ ይግባይ ዝብል ተወሳኺ ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ እንተዀነ ንሱ'ውን ተነጺጕ።
እቶም ስድራቤት፡ ንኣርቺ ናብ ሓደ ሆስፓይስ (ክሳብ ዝመውት ዝጸንሓሉ ትካል) ከግዕዝዎ ንኽፍቀደሎም ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሓቲቶም'ኳ እንተነበሩ፡ ሓደ ዳኛ ግን ንኣርቺ ምግዓዝ ረብሓ የብሉን ኣብ ዝብል ውሳነኡ ጸኒዑ።
ስድራቤት ኣርቺ ብተወሳኺ. . .
ወለዲ ኣርቺ፡ ሆሊ ዳንስን ፖል ባተርስቢን፡ ወዶም ንኽሓዊ ዝያዳ ግዜ ከም ዘድልዮ ይምጕቱ ነይሮም።
ብናቶምን ናይ ኣርቺን ሃይማኖታዊ እምነት፡ ብሓኻይምን ቤት ፍርድን ዝያዳ ቆላሕታ ክወሃቦ ከምዘለዎ እውን ተማጒቶም።
ብመገዲ ጐስጓስ ክርስትያን 'ሌጋል ሴንተር'፡ ካብ ኣርቺ ምልክታት ህይወት ከምዝረኣዩን፡ ሓኻይም ግን ስክፍታታቶም ከምዘይሰምዑን ብምግላጽ ተኸራኺሮም።
ሚስ ዳንሰ፡ ወዳ ንኽሓዊ "ተወሳኺ ግዜ" ከምዘድልዮ ከምዝኣምን ገሊጻ።
"ብኽብሪ ምሟት ብዝብል ሓሳብ ኣይንሰማማዕን። እዚ ኣብ ልዕለና ምስግዳድ ንኣርቺ ሞቱ ምቅልጣፍን ኣዝዩ ጭካነ'ዩ" ትብል።
"ኣርቺ እንታይ ከምዘጋጥሞ፣ እንተላይ መዓስን ብኸመይን ክመውት ከም ዘለዎ ዝውስን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ'ዩ፡" ትብል።
"ኣርቺ ንህይወቱ ይቃለስ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣነ ኣይጠልሞን እየ፡" ትውስኽ።
እቶም ሓኻይምከ እንታይ ይብሉ?
ንኣርቺ ዝሕክሙ ዝነበሩ ሓኻይም፡ ውጽኢት ስካን ስዒቡ "ሓንጐሉ ድሮ ሞይቱ" ክኸውን "ልዑል ተኽእሎ" ከምዘለዎ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቢሮም። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ንህይወቱ ዝወሃብ ደገፍ ደው ክብል ንኽእዝዝ ሓቲቶም ነይሮም።
ኣብ ሓደ መስርሕ ፍርዲ፡ ክኢላታት ምርመራታት "ዝርአ" ንጥፈታት ሓንጎሉ ከምዘየለ ገሊጾም።
ቅድሚ ሕጂ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ "ኵሉ ኣካላዊ ስራሕ" ኣርቺ ብኣርቲፊሻል ኣገባብ ከም ዝዕቀብ ሰሚዑ ነይሩ።
ኣብ 1 ነሓሰ ኣብ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ግን፡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰር ኣንድሪው ማክፋርለን፡ ኣብቲ ሕክምናዊ መርትዖታት ተመርኲሱ ንዅነታት ኣርቺ መጠቓለሊ ኣቕሪቡ።
"ብሓጺሩ ስርዓቱ፡ ኣካላቱን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ልቡን ኣብ መስርሕ ምዕጻው እዮም ዘለዉ፡" ኢሉ።
ፈለማ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንረብሓ ኣርቺ ስዒቡ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ እንታይ ከምዝዀነ ንኽውስን ዝሓተቱ ነቲ ማዕከን ሕክምና ዝውክሉ ጠበቓታት እዮም።
ድሕሪ'ቲ ዳሕረዋይ ኣብ ስድራቤቱ ዘጋጠመ ስዕረት ይግባይ፡ ኣካያዲ ትካል ሕክምና 'ባርትስ ሄልዝ ኤንኤችኤስ ትረስት'፡ "ዓሚቝ ሓዘንና ምስ ስድራቤት ኣርቺ ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ።
"ከምቲ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ መምርሒ፡ ሕጂ ምስ ስድራቤት ብምትሕብባር ነቲ ሕክምና ንምቍራጽ ምድላው ክንገብር ኢና፡" ብምባል ከኣ ገሊጹ።
ፍጻመ ህይወት ኣርቺ
ከም ናይ ኣርቺ ዝኣመሰሉ ጕዳያት ኣዝዮም ሳሕቲ እዮም ዘጋጥሙ። ናይ ሓደ ህጻን ደገፍ ህይወት ከብቅዕ ኣለዎ ወይስ የብሉን ዝብል ዘይምርድዳእ ምስ ዘጋጥም ግን፡ ነቶም ኣብዚ ጕዳይ ዝሳተፉ መሪር ጭንቀት፡ ኣድካምን ነዊሕን መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝፈጥሩ እዮም።
"ንከም ኣርቺ ዝኣመሰሉ ህጻናት፡ ሓኻይም ከሕውይዎም ኣይክእሉን እዮም። ምዕቡላት ሕክምናዊ ሜላታትን ቴክኖሎጂታትን ድማ ኣብ መወዳእታ ካብ ረብሓኦም ንላዕሊ ጕድኣት ከስዕቡ ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ሓደ ግዜ፡ መድሃኒት ክገብሮ ዝኽእል ነቲ ዘይተርፍ ሞት ምንዋሕ ጥራይ'ዩ።" ይብል ክኢላ ሕክምናዊ ስነ-ምግባርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣማኻሪ ኒዮናቶሎጂስትን ፕሮፌሰር ዶሚኒክ ዊልኪንሰን።
ንኣርቺ ዝግበረሉ ዝነበረ ኣርቲፊሻል ደገፍ ህይወት እምበኣር ትማሊ ሰንበት ደው ክብል ተገይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ቓልሲ ወለዱን ሓኻይምን ዝነበረ ወዲ 12 ዓመት ኣርቺ ባተርስቢ ኸኣ ህይወቱ ሓሊፋ።
"ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ንእሽቶ ወዲ፡ ክሳብ መወዳእታ ተቓሊሱ" ዝበለት ኣደኡ ሆሊ ዳንስ፡ "ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣደታት ዝለዓለ ሓበን ዝስምዓኒ ኣደ እየ" ክትብል ተዛሪባ።
ንቐጻሊኸ?
ስድራቤት ኣርቺ ባተርስቢ፡ ዝዀነ ሰብ እቲ ንዖኦም ዘጋጠሞም ንኸየጋጥሞ ይምነዩ። ኣብ ክሊ ምቍራጽ ደገፍ ህይወት ዝካየድ ሕጋዊ ምጕትን መስርሕን ድማ ዳግማይ ክምርመር ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቶም ስድራቤት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ጸቕጢ ናይቲ መስርሕ "ዘይእመን" ምንባሩ ገሊጾም።
"ካብዚ ዘሕለፍናዮ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ተመኵሮን ጽቡቕ ነገር ክወጽእ ንደሊ" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
"ኣብ ልዕሊ ኣርቺ ዘጋጠመ ኵነታት፡ ግቡእ መርመራን ምጽራይን ክግበረሉ ክንጽውዕ ኢና፡" ይብሉ።