እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከሳዳ 90 ዲገሪ ዝተጠውየት መንእሰይ ብመጥባሕቲ ሓውያ
ኣብ ፓኪስታን እትነብር ኣፍሺን ጉል እትበሃል ጐርዞ፡ ክሳዳ 90 ዲግሪ ክጥወ ዝገብር ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ነይሩዋ።
ጕዳያ ናብ ሓንቲ ኣብ ህንዲ ትርከብ ሓኪም ክሳዕ ዝቐርብ ድማ ግቡእ ሕክምና ኽትረክብ ተጸጊማ ነይራ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኡርዱ ሪዝ ሶሄል እታ መንእሰይ ኣብ ደልሂ ህይወት ዘድሕን ሕክምና ንምርካብ ብዛዕባ ዝገበረቶ ጕዕዞ ጸብጻቡ ኣሎ።
መሓዛ (ዓርኪ) እንታይና እዩ?
ንመብዛሕትኦም ህጻናት መማህርቶም ወይ ጐረባብቶም እዮም መሓዙት ዝዀንዎም። ሓድሓደ ግዜ ግን እቲ ዝፈትውዎ መጻወቲኦም ባምቡላ ወይ እውን እንስሳ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ኣውራጃ ሲንድ ፓኪስታን ንትነብር ጓል 13 ዓመት ኣፍሺን ጉል ግና ህይወት ቍሩብ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። እታ ሸውዓተ ኣሕዋት ዘለውዋ ሕሳስ ልደ ፈጺማ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዳ ወይ ምስመሓዙታ ተጻዊታ ኣይትፈልጥን።
ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ጓል 10 ወርሒ ኸላ ብሓደጋ ኻብ ኢድ ሓብታ ስለ ዝወደቐት ክሳዳ ብ90 ዲግሪ ተጠውዩ ስለ ዝነበረ እዩ።
ወለዳ ናብ ሓኪም ወሲዶማ፤ መድሓኒት ተዋሂብዋ። እቲ ሓኪም ደገፍ ክትረክብ ኣብ ክሳዳ ዕጣቕ እንተገበረላ እውን ኵነታታ እናገደደ ኸይዱ።
ኣደ ኣፍሺን ጃሚላን ቢቢ ተወሳኺ ሕክምና ኺግበረሎም ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ፡ "ብእግራ ኽትከይድ ክትበልዕ ወይ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ነይራ። ኣብ ምድሪ በጥ ትብል ነበረት ንሕና ድማ ኣብ ኵሉ ነገራት ንሕግዛ ነይርና" ትብል።
ን12 ዓመት ኣብታ ካብ ከተማ ካራቺ ዳርጋ 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ሚቲ ትበሃል ቁሸት ኣብ ገዝኣ እያ ኣሕሊፋ።
ይኹን እምበር ኣብ መጋቢት ሓደ ህንዳዊ ሓኪም ኣብቲ ዝተጠውየ ክሳዳ መጥባሕቲ ምስ ገበረት ህይወታ ተቐይሩ።
ኣብ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣፖሎ ናይ ዓንዲ ሕቘ መጥባሕቲ ክኢላ ዝዀነ ዶ/ር ራጃጎፓላንክሪሽናን ንኣፍሺን ብናጻ መጥባሕቲ ኽገብረላ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣፍሺን ርእሳ ክኢላ ክትከይድ፣ ክትዛረብን ክትበልዕን ጀሚራ። ቍስሊ እቲ መጥባሕቲ ሓወዩላ እዩ።
"ቍሩብ ድኽም ይብላ እዩ፤ ሕጂውን ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ኣይትኽእልን። እቲ ሓኪም ግን እናመሓየሸት ከምትኸድ ነጊሩና ኣሎ፡" ይብል ሓዋ ያኮብ ኩምባር።
"እቲ ሓኪም ህይወታ ሓፍተይ ኣድሒኑላ እዩ ። ንዓና መልኣኽ እዩ።" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊፁ።
ኣፍሺን ኣትላንቶ-ኣክሲያል ናይ ዓንዲ ሕቘ ምዝዋር ስለዝጋጠማ እዩ ክሳዳ ክጥውይ ክኢሉ።
ዶ/ር ክሪሽናን፡ "እዚ ከጋጥም ምናልባት ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ግዝ ክኸውን ይኽእል እዩ" ይብል።
ኣብ 2017 ዛንትኣ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ምስተዘርግሐ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ረኺቡ ነይሩ።
ኣሃሳን ካን ዝበሃል ውሩይ ፓኪስታናዊ ተዋሳኢ ኣብ ፌሰቡኩ ናይ ኣፈሺን ስእሊ ብምልጣፍ ሰባት ንክሕግዝዋ ተላብዩ። ብድሕሪኡ ኣደ ኣፍሺን ከኣ ኣብቲ ሳናም ባሎኽ ዘዳለዎ ህቡብ ናይ ንግሆ ምርኢት ክትካፈል ተዓዲማ። ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ማሕበር ድማ ንመጥባሕቲ ዝኾን ገንዝብ ብኢንተርነት ኣተኣኻኺቡ።
ኣብ ሕዳር 2017 ናዝ ባሎኽ ዝስሙ ኣባል ባይቶ እቲ ዝገዝእ ዝነበረ ሰልፊ ህዝቢ ፓኪስታን፡ መንግስቲ ሲንድ ኣፍሺን ምሉእ ሕክምና ኸምዝገብረላ ትዊት ገይሩ።
ኣፍሺን ኣብ ለካቲት 2018 ኣብ ካራቺ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ 'ኣጋ ካን' ኣተያ። ኣብኡ ኸኣ ሰብሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ከምዝገብሩላ እንተዀነ ግን "50 ሚኢታዊት ብህይወት ናይ ምትራፍ ኣጋጣሚ" ከምዘለዋ ከምዝሓበርዎም ሚስተር ኩምባር ገሊጹ።
ኣፍሺን ቅድሚ እቲ ናይ ክሳዳ መጥባሕቲ ካልእ ኽልተ ቐንዲ መጥባሕቲ ተገይሩላ'ዩ።
እቲ ቐንዲ መጥባሕቲ ኣብ ለካቲት እዩ ተገይሩ። ዶክተር ክሪሻን ንሱን ጕጅለኡን ሽዱሽተ ሰዓት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ሽክና ርእሲ ኣፍሺን ምስ ዓንዲ ሕቘኣ ኸም ዝለገቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሕር'ዚ ክሳዳ ትኽ ምእንቲ ኽብል እቲ ሽክና ርእሲ ብበትርን መላግቦን ምስ ዓንዲ ሕቘ መዓናጡ ይጣበቕ።
ሕጂ "ፍሽኽ ትብልን ትዛረብን" ከም ዘላ ሚስተር ኩምባር ይገልጽ።
"እንተዀነ ግን ካብ ካልኦት ህጻናት ድንጉይ ትብል እያ፤ ግን ክመሓየሽ እዩ። ሕጂ ሓብተይ ብህይወትምህላዋን ሕጕስቲ ምዃናን የሐጕሰኒ እዩ" ክብል ገሊፁ።