እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብ ሞያ ድሮን ኢራን ኣብ ክረሚያ ከም ዝርከቡ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንእትፍጽሞ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ዝሕግዙ ወተሃደራዊ ሰብ ሞያ ኢራን፡ ኣብ ክረሚያ ከም ዘለው ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ፡ እቶም ኢራናውያን ሰብ ሞያ፡ ኣሰልጠንትን ወሃብቲ ቴክኖሎጂያዊ ድጋፍን ከም ዝዀኑ’ውን ገሊጹ።
ርእሰ ከተማ ኪቭ፡ ብሰኑይ "ካሚካዜ" ብዝብሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተሃሪማ ነይራ። እተን ድሮናት ብሩስያ ዝተዋፈራ እኳ እንተዀና፡ ስርሒት ኢራን ምዃነን’ዩ ዝእመን።
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ እተን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ዘለዎም ትካላት ንግዲን ውልቀሰባትን ኢራን እገዳ ከም ዝገበረት ኣፍሊጣ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ወተሃደራዊ ኣባላት ኢራን ኣብ መሬት ክረሚያ ከም ዘለውን ኣብዚ ስርሒታት ንሩስያ ከም ዝሓገዙን ገምጊምና ኢና" ኢሉ።
"ብተዛማዲ ውሑድ ቁጽሪ" ዝበሎም ኢራናውያን ቴክኒካዊ ደገፍ ይህቡ ከም ዘለዉን ሩስያውያን ድማ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የብርሩወን ከም ዘለዉን ገሊጹ።
ኪርቢ፡ "ሕጂ፡ ቴህራን ብቐጥታ ኣብ ባይታ ተሳታፊት ኰይና ኣላ፤ ተሳትፎኣ ድማ ኣብ ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ስቪልን ስቪላውያንን ጽልዋ ዘለዎም ኣጽዋራት ብምቕራብ ዝግለጽ’ዩ" ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ ኢራን ንሩስያ ደጊፋ ኣንጻር ህዝቢ ዩክረይን እተቕርቦም ዘላ ኣጽዋራት ንምቅላዕ፡ ንምክልኻልን ንምዕጋትን "ኩሉ መገዲ ክትክተል እያ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብሰኑይ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስርሒት ኢራን ሻሄድ-136 ከም ዝዀና ዩክሬይን ገሊጻ ነይራ።
እዚአን፡ “ካሚካዜ” ዝብሃላ ኰይነን፡ እቲ ድሮን መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ሓቢሩ ዝቃጸል እዩ።
እዘን ድሮናት፡ ካሚካዜ ዝብል ሽም ዝተዋህበን፡ ብሽም ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ልኡኽ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ኣብረርቲ ጃፓን እዩ።
ሩስያ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ንነጆ ኣገደስቲ ትሕተ ቕርጺ ዩክረይን ንምህራም ነዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ክትጥቀም እንከላ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኑይ ጀሚሩ ሓደ ሲሶ መደብር መመንጨዊ ጸዓት ዩክሬይን ኣዕኒያ እያ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ዩክረይን ንፈለማ እዋን ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገደብ ተኣታትዩ።
ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድሮናት ኢራን ብምጥቃማ፡ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላትን ኣጽዋር ዘቕርብ ትካልን ኢራን እገዳ ገይራ እያ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣኒያ ጀምስ ክሌቨርሊ፡ ካብ “ጸያፍ” መጥቃዕታት ሞስኮ ክኸስቡ ዝጽዕሩ “ጐስጐስቲ ውግእ” ክብል ኰኒኑዎም።
ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ሑሴን ባገሪን ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ሻሄድን [ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዘፍሪ ትካል] ካብ ሞንጐ እቶም እገዳ ዝተገብረሎም’ዮም።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ደቡብ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ኣገዳሲ ዲጋ፡ ነተጕቲ ቀቢራ’ያ ክብል ከሲሱ።
መመንጨዊ ጸዓት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ካኮቭካ፡ ልዑል ጉድኣት እንተበጺሑዎ፡ 80 ሚኢታዊት ከተማታት ብውሑጅ ከዕለቕልቓ ከም ዝኽእላን፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዛፖሪዥያ ድማ ንመዝሓሊ ዝኸውን ማይ ዘይብሉ ክተርፍ ከም ዝኽእልን ዜለንስኪ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ንክረሚያ ሓዊሱ ንመላእ ደቡባዊ ዩክረይን እውን ቀረብ ማይ ከስእኖ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
ብረቡዕ፡ ሩስያ ነቲ ዲጋ ብምዕናው፡ ዩክረይን ውሕጅ ተጠቒማ ሓይልታት ሩስያ ካብ ዞባ ኼርሶን ንምውጻእ ዝገበረቶ’ዩ ብዝብል ንዩክሬይን ክትኸስስ ትዳሎ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
እዚ ዲጋ፡ ካብ ከተማ ኼርሶን 70 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ሰሜን ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ እዩ።
ሩስያ፡ ሓይልታት ዩክረይን፡ ነታ ከተማ ክቈጻጸሩዋ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል፡ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዞባ ኼርሰን ዘለው ሲቪላውያን ተግዕዝ ኣላ።