ኢራን ድሮናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ኣሜሪካ ኣፍሊጣ

ኢራን ሞሃጀር-6 ዝበሃላ ዓይነታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ኣሜሪካ ኣቃሊዓ።

ምክትል ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ 8 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ቅድሚ ሓደ ዓመት ድሮናት ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ቬዳንተ ፓቴል ከምዝበሎ፡ ኢራን ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ዝፈጸመት ሩስያ እውን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሰዲዳ እያ።

"ኢራን ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቁፅሪ - 2231 ብምጥሓስ’ያ ናብ ክልቲአን ሃገራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሰዲዳ ዘላ" ኢሉ።

ኢራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኲናት ናብ ሩስያ ምልኣኻ ኣሜሪካ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘፍለጠት እቲ ምኽትል ወሃቢ ቃል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ኢራን ኣቐዲማ ፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እንተዘይረኺባ፡ ፍርያት ቴክኖሎጂ፣ እታወታትን ንዋትን ናብ ካልኦት ሃገራት ክተሰጋግር ከምዘይትኽእል’ውን ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ድማ ሓደ ካብ ኣፍረይቲ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኾነ ‘ኮድስ ኣቬሽን’ ብመሰረት እቲ ውሳነ ንብረቱ ከይንቀሳቐስ ከምዝተኣገደ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊፁ።

ቬዳንተ ፓቴል፡ "ኩለን ሃገራት ንብረት ናይዚ ኩባንያ ከይንቀሳቐስ ክዓግታ ይግባእ" ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝውዕላ ብኢራን፣ ቱርኪን ቻይናን ዝስርሓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተጠቕመ ዘመልክቱ ብዙሓት ጸብጻባት ክወፅኡ ጸኒሖም’ዮም።

ቢቢሲ ኣብዚ ኲናት ኣየኖት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንኣየናይ ወተሃደራዊ ተልእኾ የገልግላ ከምዘለዋ ከረጋግጽ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ግን ድሮናት ኣብዚ ኲናት ንረብሓ ይውዕላ ምህላወን ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ እውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን [ኢቢሲ] ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኲናት ድሮናት ከምዝተጠቐመት ኣረጋጊፁ እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣየኖት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይጥቀም ከምዘሎ ኣይገለጸን።

ብዛዕባ ሞሃጀር-6

‘ሞሃጀር-6’ ብዝብል ዝፍለጣ ድሮናት ኣብ ተልእኾታት ስለላ፣ ዳህሳስን መጥቃዕትን ዕውት ዝኾነ ኣፈጻጽማ ዘለወን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝኾና ይግለፅ።

ምክትል ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝበሎ፡ ብኮድስ ኣቬሽን ዝፈርያ ሞሃጀር-6 ክሳብ 300 ኪሎ ሜትር ዝበጽሕ ርሕቐት ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ኣለወን።

ክሳብ 40 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪመን ኣብ 18 ሽሕ ጫማ (ኣስታት 5.5 ኪሎ ሜትሮ) ብራኸ ን12 ሰዓታት ኣብ ኣየር ክፀንሓ ይኽእላ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ካብ ሞንጎ ትጥቀመለን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብቱርኪ እትፈርይ ‘ባይራክታር ቲቢ-2’ ትርከበን።

እዛ ‘ብባይካር ዲፈንስ’ እትፈርይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክሳብ 150 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪማ ክትበርር ትኽእል ኮይና ክሳብ ኣብ ናይ 300 ኪ.ሜ ርሕቐት ኮይንካ ክትቆጻጸራ ትኽእል።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኣፍራዪ ዝርከብ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ክንፋ 12 ሜትሮ፤ ቁመታ (ብራኽኣ) 2.2 ሜትሮ፤ ንውሓታ 6.5 ሜትሮ ክኸውን ከሎ 300 ሊትሮ ነዳዲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዋ።

እዛ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዘይ ቁጽጽር ሰብ ባዕላ ክትብገስን ክትዓልብን ትኽእል ኮይና፡ ካብ 18 ​​ሽሕ ክሳብ 27 ሽሕ ጫማ [ 5.5 ክሳብ 8.2 ኪ.ሜ] ብራኸ ኮይና ልኡኽቶኣ ክትፍጽም ትኽእል እያ።